ጐዳና ሓቀኛ ትሕትና ምስ እግዚኣአብሔር ናብ ምውህሃድ ይመርሓና! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 1 መስከረም 2019 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ንዝጽበይዎም ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ቁሩብ ድንጒይ ስለዝበሉ ድሕሪ ሰላምታ ምኽንያት መደንጒዪኦም ብምግላጽ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ‘ትዕቢት ንሕወንት ኣዕንዩ ንማሕበረሰብን ማሕበረ ክርስትያንን ይጐድእ። ምስ እግዚኣአብሔር ዘራኽበና ጐዳና ሓቀኛ ትሕትና እዩ` ክብሉ ኣስተምሂሮም። መደንጐዪኦም ኣብ ኤለቨይተር ትበሃል መልዓሊት ን25 ደቂቅ ከምዝጸንሑ ብምግላጽ ንዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝግበር ብኮንቺስቶርዮ ዝፍለጥ ዕጽው ጉባኤ ካርዲናላት 13 ሓደስቲ ካርዲናላት ከምዝሾሙ ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሰንበት ዕለት 1 መስከረም ዝቀረበ ወንጌል ሉቃስ 14 ኮይኑ ብዛዕባ ትሕትናን ንመን ክንዕድም ከምዝግበኣናን ዘስተምህር ክፍሊ ‘ እቶም ናብ ምሳሕ ዝተዓደሙ ዝበለጸ መቓምጦ ኺሓርዩ ተመልኪቱ ነዚኣ ምሳሌ ኣቅረበሎም። ብሓደ ሰብ ናብ መርዓ እንተደቅ ተዓዲምካ ምናልባት ካልእ ካባኻ ዚዓቢ ተዓዲሙ ኸይህሉ እቲ ንኣኻን ንእኡን ዝዓደበ ኸኣ ‘ቦታ ኅደገሉ!’ ኸይብለካ እሞ እናሓፈርካ ኣብቲ ዝተሓተ ቦታ ኸይትቕመጥሲ፡ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ኣይትቐመጥ። ምስ ተዓደምካ እንከ ወዮ ዓዳሚኻ መጺኡ ‘ዓርከይ ናብ ዝለዓለ ቦታ ደይብ’ ክሳብ ዚብለካስ ኬድካ ኣብ ዝተሓተ ቦታ ደኣ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም መቓምጥኻ ኽትከብር ኢኻ። ከመይሲ እቲ ንርእሱ ዘኢትሕት ዘበለ ኪኸብር እቲ ንርእሱ ዜልዕል ከኣ ኺሓስር እዩ በሎም’ ዝብል ይርከቦ።

ቅዱስነቶም እዚ ምሳሌ እዚ ሽሕ’ኳ ኣብ ዘመን ኢየሱስ እንተተነግረ ሎሚ እውን እንተኾነ ‘ነታ ኢየሱስ ዝሓበረና መንገዲ ትሕትና ተላቢስና ከም ዘሎናዮ ናብኡ ቀሪብና ብለጋስነት መኽሰብ ከይደለኻ ብዝግበር ኣገልግሎት ዝርከብ ታሕጓስ ክንዲ ንደሊ ካብ ካልኦት ዝበልጽናን ዝለዓልናን ምዃንና ንክነመልክት ቀዳማይ ሥፍራ ንምሓዝ ንቀዳደም። እታ እንኮ መንገዲ ጐዳና ሓቀኛ ትሕትና እያ ምስ እግዚኣአብሔር ተወሃህደና’ እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

“እዚ ቀዳማይ ቦታታት ንምሓዝ ዝግበር ቅድድም ንማሕበረሰብና ኣብ ሕብረተሰብኣዊ ይኹን ኣብ ናይ ቤተክርስትያን ብጣዕሚ ጐዳኢ እዩ ከመይ ንሕውነት የዕኑ። ነዞም ከምዚ ዝገብሩ ሰባት ኩልና ንፈልጦም ኢና! ወትሩ ንላዕሊ ገጾም ዝመጣጠሩ ዘልዓለ ቦታ ክሕዙ ቀዳሞት ክኾኑ ርኣዩኒ ስምዑኒ ዝብሉ ንፈልጦም ኢና ኰይኑ እዚ ንሕውነትና ብጣዕሚ ይጐድኦ። ነዚ ከረድእ ከኣ ኢየሱስ ክልተ ምሳሌ ይህብ።”

ክልተ ምሳሌ!

ኢየሱስ ኣብቲ መኣዲ ኩነታቶምን ምቅድዳሞምን ምስ ኣስተውዓለ ክልተ ሓጸርቲ ምሳሌታት ይህቦም። እታ ሓንቲ ኣብ ላዕሊ ዝሰማዕናያ ብዛዕባ ትሕትና እንክትከውን እታ ካልአይቲ ኸኣ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ቀጺላ ዘላ ‘ምሳሕ ወይ በዓል ክትገብር ከሎኻ ምናልባት ንሳቶም እውን መሊሶም ከይዕድሙኻ እሞ ልቓሕ ምምላስ ከኾነካስ ንፈተውትኻ ወይ ነሕዋትካ ወይ ነዝማድካ ወይ ንሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትዓድም። በዓል እንክትገብርሲ ንድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕውራትን ደኣ ዓድም። ከመይሲ እዚኣቶም ኣክብ ዚመልሱልካ የብሎምን ኣሞ ጻድቃን ኪትንሥኡ እንከለው ኽትክፈሎን ብፁዕ ክትከውንን ኢኻ’ በሎ እትብል እያ። ቅዱስነቶም ናብ ናይ ትሕትና ምልስ ይብሉ እሞ ክንዲ ቀድማይ ቦታ ክትሕዝ ምቅድዳም ናይ መጨረሻ ቦታ ክንመርጽ የዝኻኽሩ።

“ባዕልና ተላዓሊልና ኣተና ካልኦት ክንስሕብ ኣይንፈትን ናእዳ ካልኦት ኣይንድለ እንታይ ደኣ እቶም ካልኦት ዚኣክል ተዓዚቦም እዝስ ከምዚ እዩ ክብሉና ንጸበ። ኢየሱስ መንገዲ ትሕትና ይምህረና ኣሎ መንገዲ ትሕትና ክንመሃር ኣሎና ከመይ ሓቀኛ ትሕትና እያ ሓቀኛ ርክብ ከም እንገብር ትገብረና። ናይ ኣምሰሉነት ትሕንታ ኣይድልን! ሓቀኛ ትሕትና እዩ ዘድልየናን ዝሕግዘናን።”

ኣብ በዓልና ንድኻታት ንዓድም!

እታ ካልአይቲ ምሳሌ ኢየሱስ ነቲ ዝዓደሞ ሰብ እዩ ዘቅረባ። ድኻታት ቈራያት ሓንካሳት ዕውራት ክዕድም ከኣ ይደፋፍኦ።

ኢየሱስ ወትሩ ተጻይ እቲ ዘሎ ኣተሓሳስባ እዩ ዝጐዓዝ ነዚ ከኣ ሥነ መጎት እግዚአብሔር ኣቦ ከመይ ምዃኑ ንኽገልጸልና እዩ። ነዚ ዝበሎ ትርጓሜኡ ክገልጽ ከኣ ሕኸኸኒ ክሓከካ ዚዓይነቱ ጥቅሚ ናይ ምድላይ ከም ልቃሕ ኰይኑ ክመልሱልካ ናይ ምጽባይ መንፈስ ኣልዩ ብልግሲ ዝግበር ሓገዝ ጽባሕ ሙታን ኣብ ዝትንሥኡሉ ግዜ ምስቶም ጻድቃንን ብፁዓንን ከምእትቊጸር እዩ ዝገልጽ። እዚ ዘመልክተልና ነገር እንተሃልዩ ከምቲ ኢየሱስ ዝበሎ ንድኻታትን ጽጉማትን ዝዕድም ዝሕግዝ ካብቲ ሰባት ዝገብሩልና ንላዕሊ ሰማያዊ ዓስቢ ኢና ንረክብ። እቲ ኣነ እዚ ክገብረልካ ንስኻ ነዚ ግበረለይ ዝበሃል ኣብዚ ቦታ የብሉን። መንገዲ ክርስትያን እውን ኣይኮነን። ትሕትና ዝለበሰ ልግሲ እዩ ክርስትያናዊ ክንብሎ እንኽእል። ኣብ ሕይወትና እንተተዓዘብና ኣብ ግበረለይ ክገብረልካ ዝተመሥረተ ርክብ ኣይውዕል ኣይሓድር ከመይ ኩላ ጠጥቅማ ስለእትደሊ ናይ ሸቀጥ ይኸውን እውን ጸገም ይፍጠር። ናትና ናይ ክርስትያን ነጻን ልግሲ ብዘለዎ ትሕትናን ክኸውን ኣለዎ። ኣብቲ ሰማያዊ መኣዲ ንክንሳተፍ ከስ ሎሚ ኣብዚ ምድርዚ ብልግሲ ምንም ዓይነት ጥቅሚ ከይደለና ንጽጉማት ክንዕድም እሞ ኣብቲ እግዚአብሔር ኣሰናድዩ ዝጽበየና ዘሎ ሰማያዊ መኣዲ ክንሳተፍ ይዕድመና ኣሎ።  ምስ በሉ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።

ሓጺር መልእኽቲ ትዊተር!

ቅዱስነቶም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ብኡ ንብኡ በቲ ትዊተር ዝበሃል መራኸቢ ብዙሓን ‘ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ጥቅሚ ዘይንደልየሉ ልግሲ ክህልወናን ናብታ ዚዓበየ ታሕጓስ ገጽና ክንግሥግስ እሞ ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ባዕሉ ፍቅሪ ዝኾነ እግዚኣአብሔር ክንሳተፍ ኢና` እንክብሉ ሓጺር መልእኽቲ ጽሒፎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
01 September 2019, 13:34