ቅዱስ ኣቦና ንሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ማውሪሸስ

ሰዓት ኣርባዕተን ኣርብዓን ደቓይቕ ንኽብሪ ርእሰ ብሔርን መንግስትን ሕዝብን ሞሪሸስ ናብ ናይ ርእሰ ብሔር ሕንጻ ነቒሎም ኣብ ኣፈት እቲ ቤተ መግንስቲ ብግዚያዊ ርእሰ ብሔር ረፓብሊካዊት ሞሪሸስ ባርለን ቭያፖርይ ወግዓዊ ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣንታናናሪቮ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዛዚሞም ሰዓት ሰዓት ክልተ ናብ ናይ ፖርት ልዊስ ቤተ ጳጳስ ብጺሖምን ኣብኡ ምሳሕ ተቛዲሶም ምስ ኣብቅዑ ሰዓት ኣርባዕተን 25 ደቓይቕ ናብ ቅዱስ ስፍራ ፐረ ላቫል ግላዊ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም፡ ሰዓት ኣርባዕተን ኣርብዓን ደቓይቕ ንኽብሪ ርእሰ ብሔርን መንግስትን ሕዝብን ሞሪሸስ ናብ ናይ ርእሰ ብሔር ሕንጻ ነቒሎም ኣብ ኣፈት እቲ ቤተ መግንስቲ ብግዚያዊ ርእሰ ብሔር ረፓብሊካዊት ሞሪሸስ ባርለን ቭያፖርይ ወግዓዊ ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም ድሕሪ ዘካየድዎ ግላዊ ርክብ ቅዱስነቶም ምስ ስድራ ቤት ርእሰ ብሔር ተላልዮምን ናይ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ስነ ስርዓት ምስ ተኻየደ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተን ርብዕን ምስ መራሔ መንግስቲ ፕራቪንድ ዡግናውት ተራኺቦም ግላዊ ርክብ ምስ ተኻየደ፡ ምስ ስድራ ቤት መራሔ መንግስቲ ተላልዮም፡ ናይ ሞርሸስ ዓበይቲ ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካን ኣካላትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ሓለፍትን ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ተራኺቦም ድሕሪ መራሔ መንግስቲ ዡግናውት ዘስምዕዎ መደረ ቅዱስነቶም ዘረባ ከምዘስምዑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ገሊጸን።  

09 September 2019, 16:57