ር.ሊ.ጳ. ንምስራቓውያን ጳጳሳት፥ ፍቕሪ ምግምማዕ ይኣልይ፡ ሓሴት ኣብ ምፍቃር ይርከብ

እቲ ምግምማዕ ዝፍውስ ምስክርነት ህያው ፍቕሪ ዘውሕሱ ለዋሃት ዘራእቲ ናይ ፍቕሪ ወንጌልን ናይ ዘተ ኣንጠረይናታትን ምዃን እዩ ኢሎም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ንጐሆ ሰዓት 11.30 ኣብ ኤውሮጳ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስትያን ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን፡ ናይ ርክብ ሕንጸት ንምሕናጽ ክትኽተሎ ዝግብኣካ መገዲ ፈልዮም ሓቢሮም፡ ኣብ ዓለም ንዘሎ ምግምማዕ ዝፍውስ ምስክርነት ህያው ፍቕሪ ዘውሕሱ ለዋሃት ዘራእቲ ናይ ፍቕሪ ወንጌልን ናይ ዘተ ኣንጠረይናታትን ምዃን ወሳኒ እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነተን ናይተን ዝተፈላለያ ቢዛንታዊ ባህሊ መሰረት ዝገበረ ስርዓት ዝኽተላ ኣብ ኤውሮጳ ናይ ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ካብ ማእከላይ ምብራቕን ህንድን ዝመጻ ኣብ ኤውሮጳ እንገዳ ዝተወሃበን ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስትያን ጳጳሳትን ተቐቢሎም፡ እዘን ኣቢያተ ክርስቲያን፡ ቤተ ክርስቲያን ናይታ ሓደ ዓይነታውነት ዘይኰነ ናይ ቅንስላዊ ህብረ ሕብርት ዝዀነት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ እያተን ይብሉ።

ተኣማንነትን ምስክርነትን

እዚ ህብርኣውነት ወይ ውን ብዙሓነት ይብሉ ቅዱስነቶም፥ ፍሉዩ ሃብቲ እዩ ምስ በሉ፡ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ማለት ሓደኣውነት ማለት ወይ ከኣ ተደጋጋሚ ዘይቀያየር ቃና ማለት ዘይኰነስ ውሁድ ጥዑም ቅንይታዊ ዜማ ማለት እዩ፡ ምስቲ ክሳብ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተኸፍሎ ናይ እምነት ምስክርነት ብሱታፌ ምስ ናይ ሮማ ጳጳስ ብምንባር ዝግለጽ ምዃኑ ከብርሁ እንንከለዉ፥ ህብርኣውነት ቤተ ክርስትያን ዝሃስይ ዘይኰነስ ዘስተርእያ እዩ ኢሎም።

ናይ ሓድነት ተልእዀ

ምስራቓዊት ቤተ ክርስቲያን ኤውሮጳ ኣብ ናይ ሓድነትን ኣብቲ ንሓድነት ኣሚቱ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ዓቢይን ፍሉይን ተልእዀ ኣለዎ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ናይዚ ተልእዀ ትርጉም፡ ናይቲ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኸተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ዘካየድዎ ዓውደ ርክብ ማእከላዊ ሓስብ ምንባሩ እውን ዘኪሮም፡ እቲ ንሓድነት ዘይድግፍ ሕድ ሕድ ምውቕቓስን ውግዘትን ዘይኰነ ጐይታ ካባና ዝደልዮ፥ እቲ ምግምማዕ ዝፍውስ ምስክርነት ህያው ፍቕሪ ዘውሕሱ ለዋሃት ዘራእቲ ናይ ፍቕሪ ወንጌልን ናይ ዘተ ኣንጠረይናታትን ምዃን እዩ ኢሎም።

ጸላይ ሕይወትን ትሕትናን ፍቕርን

ኣብ ክርስቲያን ስድራ ቤት፥ ንምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር የዕንቶም ዘቕኑዑን ናይቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ዝፈጠሮ ቁስሊ ክፍወስን ቅድመ ፍርድታትን ምግምምዕን ክውገድ፡ ከም ኣሕዋት ምስቶም ካቶሊክ ዘይኰኑ እውን ብምቕርራብ እቲ ሓደ ኣብ ጐድኒ እቲ ሓደ ብምዃን ዝግበር ጉዕዞ ዘሳልጡ ምዃን እዩ፡ ስለዚህ ጸላይን ትሑትን ኣፍቃርን ንኽንክው ጐይታ ይሓተና፡ ከምቲ ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘሎዮላ ዝብሎ፡ ብናይ ሮማ ጳጳስ እትምራሕ ቤተ ክርስቲያን ዝምራሕ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፍቕሪ ብሱታፌ ምንባር የድሊ ኢሎም።

ቀዳምነት ፍቕሪ

ኵሉ ይሓልፍ እቲ ዝተርፍ ግና ፍቕሪ እዩ፡ ስለዚ ፍቕሪ ዕለት ብዕለት ክንበር ዘለዎ ክብሪ እዩ፡ ሕድ ሕድዊ ምቅርራብ፡ ንሓድ ሕድና ወጻእተይናታት ከይኰንና እቲ ብድኽነትን ብተነጽሎን ዝሳቐይ ዝተሓርገን ገዝእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎምን ህሙማንን  ሓለፋ ዝብል ፍቕሪ ብምንባር ነቲ ናይ ምግምማዕ ሕማም ንፈውስ ምስ በሉ፥

ክንደይ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ሕጋዊ ሓዋርያዊ ጉስነትካ ኣቝይምካ ካበይ ኢኻን ብሔራዊ መንነትካ ኣንታዋይ እዩ ቢሉ ዘይሓትት ጐይታ ናብ ዝጸወዓና ሰማያዊ ቤት ብሓባር ንኽንርከበሉ ብምፍቕቓርን ብዝሰፍሕ ሓሴትን ተስፋን ንንበር እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ. ንምስራቓውያን ጳጳሳት
14 September 2019, 17:24