ከባቢ ኣየርን ምህዳርን ኣብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ስልጣናዊ ትምህርቲ ከባቢ ኣየርን ምህዳርን ኣብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ስልጣናዊ ትምህርቲ 

ከባቢ ኣየርን ምህዳርን ኣብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ስልጣናዊ ትምህርቲ

ኣብ ናይ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ናይ ዕላማ ውህደት

ከባቢ ኣየርን ምህዳርን ኣብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ስልጣናዊ ትምህርቲ

ብዛዕባ ምህዳር ንዝምልከቱ  ሕቶታት ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ሎሚ ከምዚ ኢዩ ቢልካ ክትግምቶ ኣብ ዘይከኣለሉ እዋን ፍጹም ቀጻልነት ዘለዎ እዩ፡ እቲ ዘደንቕ ኣብ ናይ ስነ ምህዳር ኣመለኻኽታ ዝወሃቦ ማሕበራዊ ትርጉም ኰነ ኣገላልጻን ኣብ ናይ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ናይ ዕላማ ውህደት እዩ፡ እዚ ኸኣ ፍጥረት ምክልኻል ፍጠረት ሰብ ብፍላይ ድኻታት ነቶም ገዛእ ርእሶም ንምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ክፍሊ ሕብረተሰብ ሓለፋ ኣብ ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ዝንበብ ምዃኑ ኣብ ኒው ዮርክ ብዛዕባ ምቅይያር ከባቢ ኣየር ኣብ ዝዝትይ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ወጻኢ ኣብ ዝተኻየዱ ርክባት ከምእተመልከተ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ራዲዮ ላዉራ ደ ሉካ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ስነ ምህዳራዊ መልእኽቲ ድዩ? ዓዋዲ መልእኽቲ ሓምላይ ድዩ? ወይ ከኣ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ዘማእከለ እዩ? ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝሕብርዎ ምህዳር ምክንኻን ማለት ናይ ሰብ ክብርን ጽሕፍቶን ምክልኻል ማለት እዩ፡ ዕለት 19 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥

ካልኦትን ፍጥረትን ተፈጥሮን ክንዕቅብ መታን ክርስቶስ ኣብ ሕይወትና ንዓቅቦ፡ …. እዚ ምዕቃብ ወይ ናይ ምክልኻል ጸዋዕታ’ዚ ( … ) ንነፍሲ ወከፍ ፍጥረት እግዚኣብሔር ምኽባር ማለት እዩ፡ እንነብረሉ ምህዳር እውን ምክልኻል፡ ነሕዛብ ምክልኻልን ንዅሉ ሓላይ ምዃንን ማለት እዩ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ብፍቕርን ብፍላይ ንሕጻናትን ኣረጋውያንን፡ ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረአሰብን እቶም ኣብ ወሰናስን ከተማታትን ህልውናን ጠርዚ ንዝርከቡ፡ ( … ) ብመሰረቱ እግዚኣብሔር ፍጥረት ኵሉ ኣብ ሓላፍነት ሰብኣዊ ፍጥረት ኣንቢርዎ እዩ፡ ስለዚህ ንዅላትና ዝምልከት ሓላፍነት እዩ፡ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ሓለውትን ዓቀብትን ኵኑ ዝብል ሓላፍነት!

ከምዝበሉ ዘዘኻኸራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ደ ሉካ ኣስዒበን፥ እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝገለጽዎ ኣምር ምስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ተጠመቕ ትምህርቲ ፍጹም ቀጻልነት ከምዘሎ ዘረጋግጽን፡ ሰብኣዊ ምህዳር ማለት እውን እዩ። ብቐዳምነት ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 7 ሕዳር 1973 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡሕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥

ብናይ ምውዕዋዕ ተግባር ድዩ ብዝርጋሔን ሎሚ ዝሰፍሕ ዘሎ ብዕሉግ ባህልን፡ ጸያፍ ኣሳእልን ግብረ ገብ ኣልቦ ትርኢትን ይዅንታ ተዋሂብዎም ዝመሕላለፉ መንፈስ ዝህውኽን ዝብክልን ኵሉ እናረኣና ሱቕ ክንብልን ከምልሙድ ክንቅበሎ ኣይግባእን፡ ነዚ ዅሉ ርኢኻ ሰብኣዊ ስነ ምህዳር ኣበይ ኣሎ ዝብል ሕቶ ንኸተቕርብ ትግደድ፡

ብርግጽ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ግዚኣም ሰብን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰብ ኣውን ብምዃኖም፡ ኣብቲ እዋን ዝቀላቐል ዝነበረ ናይ ልምድታት ምቅይያራትን መሰረታውያን ዕሴታት ዘናውጽን ነቲ ሎሚ ዝርኣይ ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ባይቲ ዝሃበን ኣብ መንጐ ሰብን ተፈጥሮን ኣብ መንጐ ፍጥረት ሰብን ዘሎ ቅዱስ ተራኽቦነት ዘናወጸን ናይቲ ሎሚ ዝረአይ ዘሎ ሳዕቤን ናይቲ ዝሓለፈ ወለዶ ብዘይ ፍላጥ ተሓታትነት ከምዘለዎ ዘመላኽት እውን እተዀነ ነቲ ወለዶ ሎሚ ካብ ተሓታትነት ዝፈትሕ ኣይኰነን፡ ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ኣብ 1971 ዓ.ም. ብምኽንያ ዝኽሪ መበል 80 ዓመት Rerum Novarum- ሓደስቲ ነገራት ዓዋዲ መልእኽቲ ኣብ ዝደረስዎ Octagesima Advenien - መበል ሰማንያ ዓመት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ ፍቕዲ 21

ናይ ወዲ ሰብ ኣድማስ (ደረት - ትርኢት) ክቕየር እንከሎ፡ በቶም ንኣኡ ብዝምረጸሉ ምስልታት ኣቢሉ ካልኦት ለውጥታት ይስትውዓል፡ ብሰብኣዊ ፍጥረት ዘይጽቡይን ድንገታውን ብምዃኑ ውጽኢቱ ኣዚዩ ዘገርምን፡ ብሃንደበት ነዚ ዝተገንዘበ እውን ይኸውን፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሰብ ሕልና ብምዕባር ዘይተገዳስነት ዝመለዀ ምዝመዛ ተፈጥሮ ይፍጽም፡ ተፈጥሮ ከዕንው እንከሎ ግና ንገዛእ ርእሱ ናይዚ ውርደት’ዚ ግዳይ እዩ ዝገብር፡ እዚ ንግኡዛዊ ከባቢ ነባሪ መጉዳእት ዘስዕብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ሓደስቲ ዓይነት ሕማማት የተኣታትውን ኵለተናዊ ዕንወት ዘስዕብ ሓይሊ የህልው፡ በዚ ኣገባብ’ዚ እቲ ሰብኣዊ ኵነት ሰብ ገዛእ ርእሱ ከመሓድር ናብ ዘይክእለሉ ደረጃ የብጽሖ። እዚ ኸኣ እቲ ዝነበረሉ ከባቢ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘይጻወር ናብ ምዃን የብጽሕ፡ መላእ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ዝምልከት ማሕበራዊ ጸገማት የስዕብ፡ ክርስቲያን ትኵረቱ ኣብዞም ሓደስቲ ትጽቢታት እዚኣቶም ገይሩ፡ ምስ ካልኦት ጽሕፍቶ ሓባራዊ እዩ ዝብል ሓላፍነት ክስምዖ ግድን ይኸውን።

ቀቅድሚ እዚ ስልጣናዊ ትምህርቲ ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ዓሰርተ ዓመት ንድሕሪ ምልስ ቢልካ እቲ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣሰር ዘለዎ ዕለት 4 ጥቅምቲ 1962 ዓ.ም. ዮሓንስ መበል 23 ምክንኻንን ምኽባርን ፍጥረት ብመሰረት ስነ ሰብኣዊ ከንብብዎ እንከለዉ፥

ምድረ ገነት ኣብ ምድሪ ማለት፡ እቲ ሓልዮት እግዚኣብሔር ኣብ ዓለም ዘንበሮ ናይ ማንም ውልቃዊ ንብረት ዘይኰነ ጽቡቕን ግሩንም ሃብቲ ብልዙብነትን ብጥበብን ምጥቃም ማለት እዩ፡ ( … ) ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ክፍለ ዓለም እቲ እግዚኣብሔር ንቀልቢን ድላይን ንምርምርን ሰብ ዝጸገዎ ናይ ተፈጥሮ ሃብትታት ኩሉ ካብ እግዚኣብሔርን ናብ እግዚኣብሔር ዘሰንይን ምዃኑ ኣፍልጦ ዝህብ ናይ ምልውዋጥ ርክብን  ሰላምን ስምምዕን ይሃሉ።

ይብሉ፡ ነዚ ሓሳብ’ዚ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 24 መጋቢት 1997 ዓ.ም. ብዛዕባ ምህዳርን ጥዕናን ኣብ ዝዘተየ ዓውደ ጉባኤ ንዝተሳተፉ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡

ሰብ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎ ርክብ፡ ነቲ ምስ ኣምሳሉን ምስ ከባቢኡን - ምህዳርን ንዝህልዎ ርክብ ይውስን፡ ምእንቲ እዚ እዩ ድማ ክርስቲያናዊ ባህሊ ፍጥረት ኵሉ ፍርያም ክገብሮን ክዕቀብን ዘለዎ ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ ቢሉ ብስትውዓል ስለ እቲ ዝወተዓደሎ ጸጋታት ንፈጣሪ ከመስግን ኣለዎ ዝብል።

እንክብሉ በዚ ኣምር’ዚ ኣቢሎም ፍልዩ ብዝበለ ኣገላልጻ የቃልሕዎ።

በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 26 ነሓሰ 2009 ዓ.ም. እቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘቃልሕዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣብ ዙሪያ ተፈጥሮን ፍጥረትን፥ ኣብ ተፈጥሮ ዝወርድ ዘሎ ሓደጋ ኵሉ ብሓባር ዝብሎን ዘረጋግጾን ጉዳይ ምዃኑ ሓቢሮም፡

እግዚኣብሔር ናይቲ እንምርሓሉን ክነኽብሮን ምዕሩይ ስርዓት ብኑባሬ ኣብ ውሽጡ ኣስሪጹ ናይ ዝፈጠሮ ፍጥረት ኣመሓደርቲ ንኽንክውን ጸዊዑን እዚ ሓላፍነት’ዚ ሃበና፡ ካብዚ ምስትውዓል’ዚ ነቒልና ቤተ ክርስቲያን ነቲ ምህዳር-ካባቢ ዝምልከት ሕቶን ምክንኻንን ዝብል ኣብ ውሽጡ ምስ ዘሳዀዖ ትእዛዝ ምስቲ ምዕባለ ኵለንተናዊ ሰብኣውነት ምስ ዝብል ዓይነት ኣነባብራ ዝተኣሳሰረ እዩ፡ እዚ ግብረ ገባዊ ሓላፍነት’ዚ ፍቕሪ ብሓቂ ኣብ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ፍቕዲ 49 ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ንዝተሓደሰ ምትሕብባር ኣገዳስነት ግብረ ገብ ህጹጽ ምዃኑ ብዘነጽር ሓሳብ ተመልኪቱ ንረኽቦ… ምስ ተፈጥሮን ንሓድ ሕድናን ኣብ ዘሎና ርክብ ዝመርሕ። … ቤተ ክርስቲያን መሬትን ወሓይዝ ማያትን ናይ ከባቢ ኣየርን ኩሉ ካብ ፈጣሪ ዝተዓደሉ ጸጋታት ንምክንኻን  እተነቓቕሕ ጥራሕ ዘይኰነት፡ ሰብ ካብ ርእሰ ምዕናው ክሕለው እውን ትኸላኸል፡ ሰብኣዊ ምሕዳር ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዝኽበር እንተድኣ ኰይኑ፡ ስነ ምህዳር ከባቢ እውን ንገዛእ ርእሱ ረባሓይ እዩ ዝኸውን። … ፍጥረት ምስ ፈጣሪ ዘለዎ ርክብ ምስ ዝብተኽ ተፈጥሮ ዘለዎ ጸጋታት ኵሉ ናብ ብኢጐነት ዝውነን ንብረት እዩ ዝቕየር፡ ህልውና ናብ ምኽዕባት ዝብል ኪደት ይድረኽ፡ … እዚ ዓይነት ኣነባብራ’ዚ ክውገድ ሰብ ናይ ተፈጥሮ ዓቃብን ሓላውን ዝብል ሓላፍነቱ ብግብኡ ክጥቀመሉ ይጽዋዕ-ይሕተት፡ ንናይ ኵሉ ናይ ህላዌ ክብሪ ከማዕብሎን ከፍርዮን መታን

ይብሉ።

 

Photogallery

ከባቢ ኣየርን ምህዳርን ኣብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ስልጣናዊ ትምህርቲ
26 September 2019, 17:15