ናይ ቫቲካን ቚጠባዊ ተቚዋም ንደገፍ ሃይማኖታዊ ተልእኮ ናይ ቫቲካን ቚጠባዊ ተቚዋም ንደገፍ ሃይማኖታዊ ተልእኮ  

ናይ ቫቲካን ቚጠባዊ ተቚዋም ንደገፍ ሃይማኖታዊ ተልእኮ ንዕላማ ምሥረታኡ እሙን ይኹን! ር.ሊ.ጳ

ናይ ቫቲካን ናይ ሕትመት መራኸቢ ብዙሓን ዳይረክተር፣ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንምሕደራ ናይቲ ብዮር ዝፍለጥ ቚጠባዊ ተቚዋም ንደገፍ ሃይማኖታዊ ተልእኮ ኣመልኪቱ እቲ ተቊዋም ነቲ ዝተመስረተሉ ዕላማ እሙን ንምዃን፣ ብፍላይ ኣብ ሥነ-ምግባር፣ ምሕደራ፣ ኣጠቓቕማ ጊዜ ከምኡ’ውን ንናይ ወጻኢ ምቁጽጻር ክፉት ንምዃንን ካልእን ኣተኩሮ ዝገበረ ምሕዳስ ከምዘካየዱ ገሊጹ።

ብአንድረያ ቶርነሊ ዝቀረበ ርእሰ ዓንቀጽ

(ትርጉም ብዮናስ ስዩም)

እቲ ብኢስቲቱቶ ፐር ለ ኦፐረ ረሊጅዮሲ ዝብል ኣሕጾሮ ቃል ዝፍለጥ ናይ ቫቲካን ሃይማኖታዊ ተቍዋም ናይ ቁጠባዊ ምሕደራ፣ ዓለም ለኻዊ ዝለዓለ ብቕዓት ዘለዎ ኣሰራርሓ  ብምትእትታው፣ ነቲ ናይ መጀመርያ መመስረቲኡ ዕላማ፣ ማለት ከም ሃይማኖታዊ ተቊዋም መጠን፣ ንሃይማኖታዊ ስርሓት እሙን ኮይኑ ብዝሰርሓሉ ኣገባብ ከምዝተሓደሰ ተሓቢሩ።

ብኣገላልጻ ናይዞም ዳይረክተር መሰረት፣ እቲ ዝዓበየ ምሕዳስ ናይዚ ተቊዋም እምበኣር፣ ምስ ነፍስወከፍ ጨንፈር ናይ’ቲ ባንከ ቀጻሊ ዝኾነ ርክብ ብምግባር፣ ሓቤረታታት ኣብ ግዜኦም ኣብ ዝግብኦም ክበጽሑ ምግባር እንክኸውን፣ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዕቱብ ንምክትታል፣ እቶም ዳይረክተር ብቐጻሊ ምስቶም ኣመሓደርትን ሰራሕተይናታትን ርክብ ይገብሩ ምህላዎም ተፈሊጡ።

በዚ ሓድሽ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ተሓጊዞም፣ ነቲ ሓሓሊፉ ባዶ ብምዃን ዝቕጽል ዝነበረ ናይ መሪሕነት ቦታ፣ ቀዋሚ ኣቡን ተገይርሉ ንቅሙጥ ሰነዳት ዕዮ ኮሚሽን ካርዲናላት ክዕቅቡን፣ ንቅኑዕ ናይ ስነምግባራውያን ስራሓት ከተባብዑን ከምዝኾኑ ተመልኪቱ።

ገለ ካብቶም ኣካል ናይቲ ምሕዳስ ዝኾኑ ካልኦት ነገራት፣ እቲ ተቊዋም ብልሂቅ ር.ሊ.ጳ.በነዲክቶስ ዝተተለመን  ብቅ.ኣ.ር.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዝትግበር ዘሎ ሓድሽ ናይ ቁጠባዊ ሕጊ ክምራሕን፣ ብሕጊ ቆነና ክቅየድን ከምዘልዎ እንክሕበር፣ ነዚ ዓይነት ኣካይዳ ብምኽታል ኣብ ስርሖም ግሉጽነትን፣ ቅኑዕ ናይ ገንዘብ ምስግጋርን ብምስፋን፣ ካብ ክኽሰቱ ዝኽእሉ ናይ ገንዘባዊ ምጥፍፋእ ዘድሕን ኣገባብ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ሓደ ካብቶም ዕቱብ ኣድህቦ ክግበረሎም ዘለዎ ነገራት፣ ሰራሕተይናታት ኣብ ምቊጻር ኮይኑ፣ ኣብ’ቲ ዕዮ ዝቑጸሩ ዓቕሚ ሰባት ኮነ ዓይነት ሰባት፣ ብመንግዲ `ቲ ብተቖጻጸርቲ ቤትምኽሪ ናይ’ቲ ተቊዋም ዝጸደቐ መመዪ ሕጊ ናይ ስነ-ምግባር ክሓልፉ ከምዘለዎም እንክግለጽ፣ ሰራሕተይናታት ከም ሓቤሬታ ምሃብን፣ ኣብ ዕዮ ናይ ካልእ ተቊዋማት ምስታፍን ዝኣመሰሉ ድርብ ዕዮ ከይህልዎም ዝኽልክል ንጹር መምርሒ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ብዝወጸ ሓድሽ ሕጊ ናይ’ቲ ተቊዋም መሰረት፣ እቲ ዝዓበየ ኣተኩሮ ዝተዋህቦን፣ ጉዳያት ናይ ሓልፍነታዊ ኣተሓሕዛን ቁጽጽርን፣ ከምኡ’ውን መሪሕነት እንክኾኑ፣ እቲ ነቲ ዕዮ ዘካይድ ብካርዲናላት ዝቖመ ኮሚሽን ኮነ እቲ ቤት-ምኽሪ፣ ዳግም ናይ ምምራጽ ተኽእሎ ከምዘይብሎም ዝኽልክል ከምዝኾነ ተፈሊጡ። ብተወሳኺ እቲ ብዘይ ገደብ ናይ ግዜ ኣብ መዝነቱ ዝቕጽል ዝነበረ ዳይረክተር፣ ካብ ወዲ 70 ዓመት ንድሓር ጥሮታ ብምእታው፣ ካብ ሓላፍነት ክወርዱ ከምዘለዎም ዝግድድ ኮይኑ፣ እቲ ኣቐዲሙ፣ ካብ ዳይረክተር ዝወረደ ምክትል ዳይረክተር ንምዃን ዝግድድ ዝነበረ ሕጊ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብግዴታ ምዃን ተሪፉ ኣብ ድሌቶም ክምርኮስ ዘለዎ ጉዳይ ከምዝኸውን ምግባሩ ተፈሊጡ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ተቊዋም 2 ሓደስቲ ቅርጺታት ብምትእትታው፣ እቲ ኣቕዲሙ ኣብ’ቲ ተቊዋም ናይ ሃይማኖታዊ ምሕደራ ዝነበረ 5 ኣካላት፣ ናብ 4 ብምውራድ፣ እቲ ደረት ኣልቦ ናይ ምሕዳስ 3 ስራሓት ከካይድ ፍቓድ ዝነበሮ ውሽጣዊ ተቖጻጻሪ ከምዝተረፈ እንክግለጽ፣ እቲ ናይ ደገ ተቖጻጻሪ’ውን ብቤት-ምኽሪ’ቲ ተቊውም ዝተረቚሐን ብኮሚሽን ካርዲናላት ዝጸደቐን ከምዝኾነን ተሓቢሩ።

ገደብ ዕድመ ናይ ደገ ተቖጻጻሪ ንተኸታተልቲ 3 ዓመታት ዝጸንሕ ኮይኑ፣ ሓደ ጊዜ ጥራሕ ናይ ምሕዳስ ተኽእሎ ከካይድ ከምዝፍቀደሉ ተገሊጹ።

ንኣባላት ቁጽሪ ተቖጻጻሪት-ቤትምኽሪ ናይ’ቲ ተቊዋም ብዝምልከት፣ ኣብ 2 ጉጀለታት ተመቒሎም፣ ዕዮኦም ብግቡእ ንከካይዱ ብዝብል ሓሳብ፣ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ 5 ቁጽሪ ኣባላት ናብ 7 ክብ ብምባል፣ እኹል ጊዜ ረኺቦም ንነገራት ኣድቂቆም ንምርኣይ ዘኽሎም ኣቃውማ ከምዝተፈጥረሎም ተገሊጹ። ብዘይካ’ዚ እዞም ቤትምኽሪ፣ ምቹእ ኣብ ዘይኮነ ኩነታት፣ ብተለፎን ተሓጊዞም ካብ ዝተፋላለየ ቦታታት ጉባኤኦም ዘካይዱሉ መድረኽ ከምዝተፈጥረሎም’ውን ተገሊጹ።

ብድምጺ ንምክትታል
12 August 2019, 19:37