ድለ

2019.08.12 ብፁዕ ካርዲናል ሰርጅዮ ኦበይሶ ሪቭየራ 2019.08.12 ብፁዕ ካርዲናል ሰርጅዮ ኦበይሶ ሪቭየራ  

መልእኽቲ ጽንዓት ይሃብ ር.ሊ.ጳ ብሞት ብፁዕ ካርዲናል ኦበይሶ!

ብሞት እቶም ኣብ 86 ዓመት ዕድመኦም ዝዓረፉ ናይ ኻላፓ ሃገረ መክሲኮ ሊቀ ጳጳሳት ነበር ብፁዕ ካርዲናል ሰርጅዮ ኦበይሶ ሪቭየራ ንዝተሰምዖም ሓዘን ንምግላጽ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናይ ሓዘን መግለጺ ተልግራም ጽሒፎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ሰርጅዮ እንክዝክሩ ቅድሚ ዝኣገረ ኣብቲ ዝተዋህቦ ተልእኮ ጽኑዕ ከምዝነበር እዚ ከኣ ብሓቂ ጓሳ ከምዝነበረ ጓሳ ብጓሳኡ ከኣ ኣሰር ሰማያዊ ጓሳ ክርስቶስ ብምስዓብ ‘ንሕይወቱ ብኩለንታናእ ኣብ ኣገልግሎት እግዚአብሔር ኣገልግሎት ቤተክርስትያንን ዘወፈየ’ እንክብሉ ገሊጾሞ።

ቅዱሰነቶም ዝጸሓፍዎ ተለግራም ናብቶም ሕጂ ኣብ ሥልጣን ዘለዎ ናይ ኻላፓ ሊቀጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሂፖሊቶ ረይስ ላርዮስ ኮይኑ ነፍሰኄር ካርዲናል ሰርጅዮ ብሓቂ እቲ ዘይበርስ ሰማያዊ ክብሪ ይጽበዮ ከምዝሎ ገሊጾም።

ቅዱነቶም ሞያ ነፍሰኄር ካርዲናል ሰርጅዮ ብምዝካር ፕረሲደንት ረኪበ ጳጳሳት ሃገረ መክሲኮ ኣብ ዝንበረሉ ግዜ ብዙሓት ጳጳሳት መክሲኮ ዝዝክርዎ ‘ኣብ ወሰንትን ኣድለይትን ፍጻሜታት ናይታ ሃገር ከምዝተዋስኤ ነዚ ከኣ ኣብ ብስምምዕ ሳን ኣንድረስ ዝፍለጥ ናይ ዕርቀ ሰላም ምንቅስቃስ ዘርኣዩ ዘተ ሰላምን ዕርቅን ምናዳ ኸኣ ኣብ መንጎ መንግሥቲ መክሲኮን ቅድስት መንበርን ኩሉ ብልኡም መንገዲ ንክኸይድ ዝገበርዎ ጻዕርን ዝኸፍልዎ መስዋዕትን ዘይርሳዕ ምዃኑ’ ብዓቢ ክብሪ ዘኪሮሞ።

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል

ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ያላፓ ሃገረ መክሲኮ ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ሰርጅዮ ኦበሶ ሪቨራ ብዕለት 31 ጥቅምቲ 1931 ዓም ኣብ ያላፓ መክሲኮ ተወልዱ።

ትምህርቶም ምስ ፈጸሙ ንሮማ ተላእኩ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎርያን ዪኒቨርሲቲ ብትምህርቲ ንባበ መለኮት ብናይ ዶክተርይት ዲግሪ ተመረቑ።

ብዕለት 31 ጥቅምቲ 1954 ዓም መዓርገ ክህነት ተቀቢሎም ንመክሲኮ ተመልሱ። ን17 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ኣገልግሉ (መምህርን ሓላፍን ፍልስፍና ተሎግያ ኣበነፍስ ዘርኣክህነት ሓለቃ)።

ዕለት 30 ሚያዝያ 1971 ናይ ፓፓንትላ ጳጳስ ተመርጹ ብዕለት 29 ሓምለ ናይቲ ዓመት ተቀብኡ።

ብዕለት 18 ጥሪ 1974 ሥዩመ ሊቀ ጳጳስ ኡፐና ብምዃን ናይ ኻላፓ ሊቀ ጳጳስ ተሓሓጋዚ ኰኑ። ብዕለት 12 መጋቢት ከኣ ሊቀጳጳሳት ኻላፓ ኮኑ።

ብዕለት 18 ሕዳር 1982 ዓም ናይ መክሲኮ ረኪበ ጳጳሳት ኣቦመንበር ንክልተ ግዜ ተመርጹ። ብ1995 እውን ንሳልሳይ ግዜ ተመርጹ።

ብዕለት 10 ሚያዝያ 2007 ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ጒስነታዊ ሓላፍነት ሊቀጵጵስና ኻላፓ ንዘቅረብዎ ሕቶ ተቀበልዎም። ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከኣ ብዕለት 28 ሰነ 2018 ስዩመ ቅዱስ ልዮ ቀዳማዊ ኮይኖም ካርዲናል ተባህሉ።

ብድምጺ ንምክትታል!
12 August 2019, 18:28