ድለ

FILES-ITALY-BRIDGE-ACCIDENT-TRANSPORT-ANNIVERSARY FILES-ITALY-BRIDGE-ACCIDENT-TRANSPORT-ANNIVERSARY 

ንዝኽሪ ቀድማይ ዓመት ዕንወት ቢንቶ ሞራንዲ ናይ ጀነቫ ር.ሊ.ጳ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ

ድሕሪ ሓደ ዓመት ምፍራስ ናይቲ ልዕሊ 45 ሂወት ዝወሰደ ኣብ ጀነዋ ዝነበረ ሞራንዲ ዝተባህለ ዓቢ ቢንቶ ንምዝካር፣ ቅ.ኣ.ር.ጳ.ፍራንቸስኮስ ናብ ናይ ጀነዋውያን “ኢል ሴከሎ XIX” ዝተባህለት ጋዜጣ መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብ ካልኦት ከም ግሩፕ ጀዲ ኒውስ ኔትዎርክ (Group Gedi News Network) ዝኣመሰላ ጋዜጣታት’ውን ከምዝተዘርግሐ ተፈሊጡ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብሰንኪ ምፍራስ ናይቲ ሞራንዲ ዝተባህለ ቢንቶ ዝሰዓበ ትራጀዲ፣ ኣብ ነፍስወከፍ ሰብ ብፍላይ ኣብ ቤተሰብን ስድራን ናይቶም ግዳያት ዘይሃስስ ዓቢ በሰላ ከምዝገደፈ ዝዝከር ኮይኑ፣ ብዙሓት ሰባት’ውን ካብ ቤቶም ክመዛበሉ ከምዝገበረ ይፍለጥ።

ቅድስነቶም ኣብ’ቲ ናብ ኢል ሴኮሎ XIX ዝተባህለ ጋዜጣ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ፣ ንተመኩሮ ናይ’ቲ ድራማዊ ፍጻሜ ናይቶም ብስራሕን ዕረፍትን ኮነ ብካልእ ውልቃዊ ጉዳያት ኣብ’ቲ ቦታ ዝጸንሑን ካብኡ ዝወጹን ስድራቤታት ብምዝካር፣ ነቲ ኣብኡ ዝተኸስተ ትራጀዲን ብሰንኩ ንዝተጎድኡን፣  ብፉሉይ ኣብ ጸሎቶም ብምዝካር፣ ምእንቲ’ቶም ብሰንኪ’ቲ ክስተት ዝቖሰሉን ዝተመዛበሉን፣ ከምኡ’ውን ምእንቲ ቤትሰብ ግዳያትን መላእ ሕዝቢ’ታ ዓድን ከምዝጸለዩ ገሊጾም። ቅድስቶም ኣስዒቦም ዝበልዎ 'ብከምዚ ዓይነት ዘሰንብድ ሓደጋ ኣብ ቤተሰብን ፈተውትን ዘስዕቦ ቃንዛ ብቐሊሉ ዝወጽእ’ኳ እንተዘይኮነ፣ ልዕሊ ኩሉ እቲ ኣብ ኣእምሮ ዝገድፎ ማለት፣ ክውገድ ዝኽእል ዝነበረ ሓደጋ ዝብል ናይ ጣዕሳ በሰላ፣ ክህሉ ግድን`ዩ’ሞ፣ ንቐጻሊ ከምኡ ዝኣመሰለ ሓደጋታት ከይክሰቱ እጃምና ከነበርክት' ብማለት ዘነቓቕሕ መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ ተመልኪቱ።

ልዕሊ ኩሉ ጸሎት ክንገብር ኣሎና 

ካብዚ ብምቅጻል ቅድስንቶም 'ሓሓደ ጊዜ ንከምዚ ዝዓይነቶም ትራጀዲ ዝኸውን ዝተዳለዉ መልስታት ብቐሊሉ ከርከቡ ኣይክእሉን፣ ምኽንያቱ ደቂሰባት እንጥቀመሎም ቃላት ድሩታትን ዘይምሉኣትን ኢዮም። ኣነ ንባዕለይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻሜታት መልሲ ክህብ ይከብደኒ፣ እታ ክንገብራ እንኽእል ብኽያት፣ ተዓቢስካ ስቕ ምባልን ኮይኑ፣ ክሳብ ክንደይ ንሕና እንሃንጾም ህንጻታት ተነቀፍቲ ምዃኖም ንርእስና ክንሓትት ከምእንርከብ ዕለታዊ ተመኩሮና ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ ብቐጻሊ ከነዘውትሮ ዝግበኣና እንተሃልዩ ግን ጸሎት ኢዩ' ብምባል ነፍስወከፍና ንጸሎት ክንነቅሕ ተማሕጺኖም።

ዝኽሪ ክንድምስስ ኣይግባእን

ቅድስነቶም ንነፍስወከፍና፣ ካብ ልቢ ኣቦን ሓውን ዝብገስ መልእኽቲ ኣለዎም። ንሱ ድማ ኣብ ሂወትና ብዘጋጥሙና ፍጻሜታት፣ ንዝሓለፉ ዓበይትን ኣገደስትን ዝኽርታት ደምሲሱ፣ ምስ ሕብረተሰብና ንዘሎና ርከብ ከነቋርጽ ክገብረና ከነፍቅድ ኣይግባእን ድሕሪ’ሎም፣ ኣነ ይብሉ ቅድስነቶም፣ ንጀነዋ ክዝክር ከለኹ ቀዲሙ ናብ ኣእምሮይ ዝመጻኒ ወደብ ኮይኑ፣ ንናየቦይ ካብቲ ውደብ ምብጋስ፣ ብርቱዕ ጻዕሪ፣ ተሪር ድሌትን ተስፋን ናይ ጀነዋውያን የዘኻኽረኒ ኢሎም።

ኣምላኽ ንበይንና ኣይሓድገናን’ዩ

ቅድስነቶም፣ ነቶም በቲ ሓደጋ ዝተተንከፉን ካልኦትን እንክምዕዱ፣ ኩላትና ናብ ክርስቶስ ኣተኲርና ንጠምት፣ ንሱ ቅድሜና ብስቓይን ሞትን ከምዝሓለፈ ዘኪርና፣ ነቲ ዝሓለፎን ዝተዋረዶን፣ ዝተገርፎን ዝተሸንከሮን ዝተቐትሎን ብምስትውዓል፣ ኣብ ኩሉ ስቅያትና በይንና ዘይኮናስ፣ ንሱ ኩሉ ጊዜ ምሳና ከምዘሎን፣ ንብኽያትናን ሕቶታትናን እናመለሰ፣ ኣብ ሕማቕ ኮነ ጽቡቕ ብተግባር ምሳና ኮይኑ ከምዘሰንየና ተረዲእና፣ ንኩሉ ቁጠዐናን፣ ሕቶታትናን፣ ስቓይናን ንዕኡ ንሃቦ ብምባል፣ ትውከልትና ኣብ ኣምላኽ ክኸውን ከምዘለዎ ተላብዮም።

ቅድስነቶም ንድኻምነት ናይ ደቂሰባት ኣመልኪቶም፣ ‘ኩላትና ደቂሰባት ብዙሕ ጉድለታትን ድኻማትን ኣሎና፣ ኮይኑ ግን ርሕሩሕን መሓርን ዝኾነ ኣምላኽ፣ ምእንታና ዝተሳቐየን ዝተሰቕለን ኣብ መጭረሽትኡ’ውን ዝተንስአን ጎይታ ስለዘሎና፣ ንሱ ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ ኩሉ ጊዜ የሰንየና፣ ብመንፈስ ቅድሱ ጌሩ ይሕግዘናን የብራሃልናን’ ድሕሪ’ሎም፣ ነታ ወላዲት ኣምላኽ ዝኾነት እኖና ማርያም ኣመልኪቶም’ውን፣ ‘እታ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዘላ እኖና ድንግል ማርያም’ውን ወትሩ ነጸላኣ ዘርጊሓ ከም እተጽልለና’ ክንዝንግዕ የብልናን ኢሎም።

ተስፋ ዘይምቁራጽ 

ቅድስነቶም ኣብ ናይ መጨረሽታ ጽሑፎም፣ ኣብ ተስፋ ኣተኲሮም፣ ሕዝቢ ጀነዋ ዓቢ ምልክት ናይ ጽንዓትን ሓድነትን ከምዝኾኑ ብምግላጽ፣ ኣብ ከምዚ ዓይነት ፈታኒ ኣጋጣሚታት፣ ብዘይ ተሰፋ ቁርጸት፣ ነቲ ኩነታት ጸኒዖም ክገጥምዎ ከምዘለዎም ተላብዮም።

ኣስዒቦም’ውን ቅድስነቶም ፣ ነቲ ዘጋጠመ ሽግር ብሓባር ንምክፋል ዝተበገሱ ማሕበረ ክርስትያን ናይ`ቲ ከባቢን፣ ቤተክርስያን ጀነዋን’ውን ኣብ ጎድኖም ከምዘለዉ እንከረጋግጹ፣ ካብቲ ሕማቕ ክስተት ክመሃርዎ ዘለዎም ነገራት’ውን ከምዘለዉ ብምጥቃስ ማለት፣ ንሕና ደቂሰባት ካብ ሽግር ተማሂርና፣ ክሳብ ክንደይ ተነቀፍትን ድኹማትን ምዃና ብዝተገንዘብናሉ መጠን ፣ ኣገዳስነት ናይ ምስ ካልኦት ርክብን ሓድነትን ብምርዳእ፣ ሓደ ስድራን ሕብረተሰብን ምዃና ብዝበለጸ ከነስተውዕል ከምዝኽእለና ኣገንዚቦም።

ቅድስነቶም ከም ምዛዘሚ ሓሳቦም ነቶም በቲ ክስተት ዝተተንከፉ ሰባት ኣመልኪቶም ‘እቲ ኣብ ስድራቤታትኩምን ከተማኹምን ዝወረደ ከቢድ ትራጀዲን ንሱ ዝገደፎ በሰላን ቀሊል’ኳ እንተዘይኮነ፣ ብእኡ ከይተሰናበድኩም እኳ ድኣ ብዝያዳ ከም እትበራበሩን እትትንስኡን ብምግባር፣ ብዘይተስፋ ምቁራጽ ንቅድሚት ክትጥምቱ ከምዘኸኣልኩም ብምትእምማን፣ ንቐጻሊ’ውን ብዝበለጸ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ክትቅጽሉ ይምሕጸን’ ብምባል ጽሑፎም ዛዚሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
13 August 2019, 15:49