ድለ

ሓደጋ ዕልቕልቕ ማይ ኣብ ሃገረ ህንዲ ሓደጋ ዕልቕልቕ ማይ ኣብ ሃገረ ህንዲ 

መጸናንዒ ተለግራም ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ነቶም ኣብ ሃገረ ህንዲ ብዘጋጠመ ዕልቕልቕ ዝተጎድኡ ወገናት

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮስ ስለ ብሰንኪ ብሰንኪ ተረንስያል ሞንሱን ዝተሰምየ ብርቱዕ ዝናም ብዝወረደ ዕልቕልቕ፣ ዝሞቱን ዝተመዛበሉን ከምዝጽልዩ ብምግላጽ መጸናንዒ ተለግራም ብዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከምዝለኣኹ ተመልኪቱ።

ስዮም - ከተማ ቫቲካን

ጸሓፊ ሃገረ ቫቲካን ዝኾኑ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፣ ንቅድስነቶም ወኪሎም፣ ናብ ኣመሓደርቲ’ቲ ሓደጋ ዕልቕልቕ ተኸሲቱዎ ዘሎ ኣከባቢ ናይ ደቡብ ሃገረ ህንዲ ናይ ተሌግራም መልእኽቲ ብምስዳድ፣ ንግዳይት እቲ ዕልቕልቕ ኣብ ጸሎቶም ደሕሪ ዘኪሮም፣ ኣምላኽ ምጽንንዑ ክሰደሎም ተመንዮም።  

ብሰንኪ’ቲ ተረንስያል ሞንሱን ዝተሰምየ ዝናብ ዘወረደ ዕልቕልቕ፣ 184 ሰባት ከሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 400,000 ሰባት’ውን ካብ ቤቶም ከምዝተመዛበሉ ተፈሊጡ።

በቲ ኣብ ከባቢታት ኬርላ፣ካርናታካ፣ ማሃራሽትራ ከምኡ’ውን ጉጃራት፣ ብሃንደበት ዝተኸስተን ዝሰዓበን ትራጀዲ፣ ንብዙሕ ሰብ ከምዘደንጸወን ብምግላጽ፣ ብሰንኪ`ቲ ሓደጋ መግብን መጽለልን ንዝተረፉ፣ ኣመቶም ክገብሩን ብምጽዋዕ፣ ኣምላኽ ንቤተሰብ ግዳያት፣ ብምጽንናዑ ክድብሶም ጸልዮም።

ቅድስነቶም ኣስዒቦም፣ ምእንቲ እቶም ካብቲ ሃገር ኮነ ካብ ወጻኢ ሓገዝ ንምግባር ኣብ ጉዞዞ ዝርከቡ፣ ኣምላኽ ዘጥፍኦዎ መሊኡ ኣዕዚዝዙ ክባርኾምን ጸልዮም።

ጸሓፊ ሃገረ ቫቲካን ዝኾኑ ብጹዕ ኣቡነ ፓሮሊን፣ ንኩነተት ናይ ኬርላን ካርናታካን ኣልዒሎም፣ እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ኣብ’ቲ ከባቢ ከምዝተኸስተን፣ ብስንኩ’ውን ኣብ ኬርላ ቁጽሪ ምውታት ናብ 76 ክብ ከምዝበለ ክግለጽ እንከሎ፣ በቲ ኩነታት ዝተጥቅዑ ሰባት ከኣ ኣስታት 288,000 ከምዝበጽሕ እንክሕበር፣ ኣብ ካርናታካ ከኣ 52 ሰባት ከምዝሞቱን፣ ኣስታት 582,000 ሰባት’ውን ናብ ውሑሳት ቦታታት ከምዝተመዛበሉ ተፈሊጡ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
13 August 2019, 10:39