2019.08.19 copertina libro LEV sui Movimenti popolari con prefazione di Papa Francesco. "La irrupción de los Movimientos Populares: Rerum novarum de nuestro tiempo" 2019.08.19 copertina libro LEV sui Movimenti popolari con prefazione di Papa Francesco. "La irrupción de los Movimientos Populares: Rerum novarum de nuestro tiempo" 

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ‘ንሕዝባውያን ምንቅስቃሳት’ ዝርኢ ሓዲስ መጽሓፍ መእተዊ ጽሒፎም!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸራ ውድባት ንሓሙሽተ ዓመታት ምስ መመላእታ ንዝገብሮኦ መጽናዕቲ ዝሓዘ ‘መፍትሕ ናይ ዓሚቚ ማሕበረሰብኣዊ ለውጢ’ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ`ቲ ሓድሽ መጽሓፍ ብምብርካት ንሕዝባውያን ምንቅስቓሳት ኣበራቲዖም።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

እዚ ሓድሽ ኣርእስቲ ናይ’ዚ መጽሓፍ፡ ነቲ ኣብ 19 ክፍለዘመን ዝተጻሕፈ፡ ‘ረሩም ኖቫሩም’ ሓደስቲ ነገራት ዝብል ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዘተኮረሉ ኣብቲ ዘመን እቲ ዝነበሩ ሕዝባዊ ምንቅስቃሳት ብምዝኽኻር፣ ንዛዕባታት ናይ’ቲ ግዜ’ቲ፡ ዳግም ኣብ`ዚ ግዜና ንምሕዳስ ዝዓለመ እንክኾውን፡ ብኣብ-ላቲን ኣመሪካ ዝርከቡ ጳጳሳውያን ልኡኻት ዝተዳለወን፡ ኣብ ናይ ቫቲካን ቤት ማሕተም ብቋንቋ እስፐይን ዝተሓትመን ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ትሕዝቶ ናይ’ቲ ሓድሽ መጽሓፍ፡ ኣብ ክፍለ-ዓለማት ኣመሪካ ካብ  ዓመተ 2014 ጀሚሩ፡ ብቀጻሊ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ዓለም-ሓቆፍ ጉባኤታት ናይ ወከልቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሕዝባውያን ምንቅስቓሳት ከምኾነ ተፈሊጡ።

ማሕበራዊ ለውጢ

ኣብ’ቲ ቅድስንቶም ዘበርከትዎ መቅድም ‘እቶም ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዝነበሩ ሕብረተ-ሰባት፡ ቤተክርስትያን ክትበጽሖም ዘለዋ ሕዝቢ ጥራሕ ዘይኮኑ፡ ከም ዘርኢ ኣድሪ በቚሎም ብዙሕ ፍረ ክፈርዩ ዘለዎም እዮም’ ብምባል፡ ነቶም ነዞም ሕብረተ-ሰባት እዚኣቶም ወኪሎም ዝንቀሳቐሱ ሕዝባውያን ምንቅስቃሳት፡ ከም መፍትሕ ናይ ዓሚቚ ማሕበራውያን ለውጥታት ኮይኖም ክዓዩ ጸዊዖም።

ቅድስነቶም ኣስዒቦም፡ ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዝርከቡ ሕዝቢ፡ ዋላሓንቲ ነገር ከበርክቱ ዘይክእሉ ልሙሳት ዘይኮኑ፡ ከም ንጡፋት ተዋስእቲ ናይ ማሕበራዊ ምንቅስቃሳት ኮይኖም መጻኢኦም ክውስኑ ዝኽእሉ ሰባት ከምዝኾኑ ኣገንዚቦም።

ሕዝባውያን ምንቅስቓሳት ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ‘ሕዝባውያን ምንቅስቓሳት ንውሽጣዊ ማሕበራዊ ስምዒት ወኪሎም፡ ለውጢ ንምምጻእ ብኽያቶም ንዓለም ዘስምዑ እንክኾኑ፡ ተጻይ እቶም ንገንዘብ ብምምላኽ፡ ንኽልኦት ናብ ስቓይን መከራን ዝሸሙ ብምቛም፡ ዝሓሸ መጻኢ ናይ ኩሉ ወድ-ሰብ ዘቋምቱ እዮም’ ክብሉ ሓላፍነት ናይ ኣብ ሕዝባዊ ምንቅስቓሳት ዝነጥፉ ኣካላት ኣዘኻኺሮም።

ዳግመ-ሕንጻ ደሞክራሲ

ቅድስነቶም ብዛዕባ ሓድሽ ተርእዮ ናይ ዓለምና ኣመልኪቶም፡ ወድ-ሰብ ብፍርሒን፡ ብጽልኢ ናይ ካልእ ዜጋን ከምኡ’ውን ብዓሌታውነት ዝመለለይኡ ተርእዮታትን ናይ ግዜና ይቋሰል ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እዞም ሕዝባውያን ምንቅስቓሳት እምበኣር፡ ከም ምንጪ ሞራላዊ ሓይሊ ኮይኖም፡ ነዚ ሓድሽ ተርእዮታት ክፍዉሱን፡ ንዘሎና ደሞክራሲ ዳግም ክሓንጹን ጽውዕ ድሕሪ`ሎም፡ እዚ ተበግሶ’ዚ እቲ እንኮ ነቶም ውሑዳት ዜጋታት ኢና በሃልቲ ዝውድብ ናይ ህብቡነትን ዝምቡዕ ፖሎቲካዊ ሃልክን ጎስጓሳት ብምግታእ፡ ንሓባራዊ ረብሓ ዘቐድም ቅኑዕን ቅዱስን ምንቅስቓስ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ክብሪ ስራሕን ባህሊ ናይ ‘ተጠቂምካ ደርብን’

ቅዱስ ኣቦና ንክብርን ዋጋን ስራሕ ናይ ወድ-ሰብ ኣመልኪቶም ኣብ መወዳእታ፡  ስራሕ ሓደ ካብቶም ቅዱሳት መሰላት ናይ ወድ-ሰብ ምዃኑ ኣሚና፡ ምስ’ቲ ቤተክርስትያን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ዘለዋ ኣቊዋም ሓቢርና፡ ስራሕ ናይ ምርካብ መሰል ናይ ወድ-ስብ ከነውሕስ ይግባእ ድሕሪ’ሎም፡ ሕዝባውያን ምንቅስቓሳት፡ ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ከም ጭቡጣት ኣሳለጥቲ ብምዃን፡ ነዚ ናይ ተጠቒምካ ደርቢ ዝብል ሕማቕ ባህሊ፡ ምስ’ቲ ኣብ ሕብረትን ሓድነትን ብምስራት ክፍጠር ዘለዎ ዕድላት ስራሕ ብምቅዳው ኣብ ምፍዋሱ ኣበርቲዖም ክዓዩ ተላብዮም።

ከም መዛዘሚ ሓሳቦም ቅድስነቶም፡ ‘ሓልዮትን ድንጋጸን ጎዲልሉ ኣብ ዘሎ ዓለምና፡ ንናይ ሓባራዊ ረብሓ ብምቕዳም ዝሰርሕ ሕብረተ-ሰብ ክንሓንጽ ኣሎና’ ብምባል ሓሳቦም ዛዚሞም።

ብድምጺ ንምክትታል
20 August 2019, 19:23