ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምስ እስካውት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምስ እስካውት 

‘ሕይወትኩም ንኣገልግሎት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣወፍዩ’ ር.ሊ.ጳ. ንእስካውት

ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 3 ነሓሰ 2019ዓምፈ ንኣስታት 5000 ዝኾኑ ካብ 20 ሃገራት ዓለም-ለኻዊ ሕብረት ምምራሕ እስካውት ኤውሮጳ ምስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምዝተራኽቡን፣ ቅዱሰንቶም ኣብ ዘመሓላልፍዎ ናይ መዓልቱ ትምህርተ-ክርስቶስ’ውን ከምዝተሳተፉን ከፍለጥ እንከሎ፣ እቲ ንሓደ ሰሙን ክካይድ ዝቐነየ ናይ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ንጥፈታት ኤውሮሞት 2019`ውን በቲ መዓልቲ ከምዝተዛዘመ ተፈሊጡ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ቅድስነቶም እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 3 ነሓሰ 2019ዓምፈ ምስ እስካውት ብምርኻብ፣ ሕይወቶም ብሓልዮት ንኣገልግሎት ካልኦት ብምውፋይ ካልኦት ሰባት ክሓንጹን፣ በዚ ቅዱስ ኣገልግሎት ገዛእ ርእሶም ሓራ ብምውጻእ ከኣ ንዓለም ከሀብቱሙ ተማሕጺኖም።

ቅድስነቶም ኣብ ዝለገሱዎ ምዕዶ፣ ብዓለም-ለኸ ሕብረት ምምራሕ እስካውት ኤውሮጳ ኣብ ዝብል ዝተጠርነፉ፣ ካብ 20 ሃገራት ኤውሮጳ ዝመጹ ኣስታት 5000 እስካውት ተረኺቦም ከምዝነበሩ ተፈሊጡ። እቲ ምስ ቅድስነቶም ዝገበርዎ ርክብ ድሕሪ’ቲ ንሓደ ሰሙን ማለት ካብ ዕለት 27 ሓምለ ክሳብ 3 ነሓሰ 2019ዓምፈ ዘካየድዎ ናይ ኤውሮሞት 2019 ንጥፈታቶም ከምዝኾነ ተሓቢሩ። እቶም ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተኣከቡ እስካውት፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ታሪኻውያን ቦታታት ናይ ሃገረ ኢጣልያ፣ ናይ ሓደ ሰሙን ዑደት ክገብሩ ድሕሪ ምቕናይ ከም መዛዘሚ ዑደቶም ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ቅርዓት ቅ.ጴጥሮስ ምስ ቅድስነቶም ከምዝተራኸቡ ተፈሊጡ።

‘ሃቡ ክወሃበኩም’ውን እዩ’

እቶም ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተኣከቡ እስካውት ኣብ ዑደቶም ብዛዕባ ቅዱሳን ጳውሎስ፣ በነዲክቶስ፣ ቄርሎስ፣ ሜተድዩስ፣ ፍራቸስኮስ ዘኣሲዚ፣ ካተሪና ዘሴና ዝኣመሰሉ ብሃገረ ኢጣልያ ዝተጓዕዙ ዓበይቲ ቅዱሳን እናስተንተኑ ከምዝቐነዩ ተመልኪቱ። ቅድስነቶም ነዞም ቅዱሳን ኣመልኪቶም ንርእሶም ሓንቲ ነገር ከየትረፉ፣ ገዛእ ርእሶም ምእንቲ ካልኦት ዘወፈዩ ተባዓት ቅዱስን ከምዝኾኑ ኣዘኻኺሮሞም። ቅድስነቶም ኣስዒቦም ወንጌል መሪሕን ናይ ሓቀይና ምስሊ ናይ ሕይወትና ብምርኣይ ‘ሃቡ ከወሃበኩም’ውን እዩ’ ዝብል ካብ ወንጌል ዝተወስደ ሓረግ ተሓጊዝና ናብ’ቲ ቅኑዕ መንገዲ ናይ ታሕጓስ ይመርሓና ኢሎም።

ንክርስቶስ ይብሉ ቅድስነቶም፣ ንክርስቶስ ዘድልዮ መበገሲ ነጥቢ ምህላው ዘይኮነ ምሃብ ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ እምበኣር ካብቲ ዘለናዮ ናይ ምቾት መንበር ተላዒልና ብምኻድ ንዘሎና ንካልኦት ካባና ዝገደዱ ከነካፍል ይግባእ ክብሉ ምዕዳኦም ለጊሶምሎም።

ጻማ ውህበት

ቅድስነቶም ንጻማ ናይ ምሃብ ኣመልኪቶም፣ ዝህብ ሰብ፣ ንዘለዎ ምስ ሃበ ጥርሑ ይተርፍ ማለት ዘይኮነስ፣ ብኣንጻሩ ዝዓበየን ዝበለጸን ከምዝቕበል ጌሩ፣ ንግጉይ ኣመልኻኽታ ምኽዕባት ሃብቲ’ዛ ዓለም ስዒሩ ውሽጣዊ ታሕጓስ ዝህብ ቅዱስ ተግባር ኢዩ ኢሎም።

‘ምቕባል ካብ ምሃብ ጥራሕ`ዩ ዝርከብ’ ዝብል ምስጢር ሕይወት ዝበሃል ከኣ እዚ ኢዩ። ዝበለጸ እስማርት ፎን፣ ፋሽን ልብሲ ወይ’ውን ፈጣን መኪና ምውናን፣ ንከተፍቅርን ክትፍቀርን ዝገብረካ ሓቀይና ታሕጓስ ከምጽእ ኣይክእልን ኢዩ።

ቅድስነቶም ንተበግሶን ጉዕዞን ናይ እስካውት ብምምጓስ ነዚ ዓይነት ናይ ኣገልግሎት ሕይወት ምስ ካልኦት ከካፍሉን፣ ከም መራኸቢ ድልድል ኮይኖም ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ሕውነት ክሓንጹን ተላብዮም።

ኣስዒቦም’ውን ቅድስነቶም ናብቶም ዝተኣከቡ እስካውት እናመልከቱ ‘ናብ ኣእዳውኩም ተዓዘቡ፣ ከገልግላን፣ ክሓንጻን፣ ክህባን ኢየን ተዋሂበናኩም፣ ንገዛእ ርእስኹም ከም`ዚ በልዋ ‘ኣብ ካልኦት ዘርእዮ ሓልዮት ንገዛእ ርእሰይ ኢዩ’ በልዋ’ ብምባል፣ ንካልኦት እንገብሮ ጽቡቕ ነገር ንርእሰና ከምእንገብሮ ኣዘኻኺሮም።

ፍጥረት

ቅድስነቶም ነቲ ‘ሃቡ ክወሃበኩም’ውን እዩ’ ዝብል ካብ ቃል ኣምላኽ ዝተወስደ ሓረግ፣ ኣብ ሥነፍጥረት ዘሎና ኣተሓሕዛ ከይተረፈ ዘካተተ ኢዩ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣ ‘ሎሚ ንሥነ-ፍጥረት ብጽቡቕ እንተ ሒዝናዮን ተኸናኺናዮን፣ ጽባሕ ቤት ክህልወና ኢዩ። ሥነ-ፍጥረት ንሕና ምስ ካልኦት ክንራኸብን ብሓድነት ክንነብርን ዝምህረና ክፉት መጽሓፍ ኢዩ። ሥነ-ፍጥረት ከም ናይ ኣምላኽ ሕብረተ-ሰብኣዊ መረኻቢ ብዙሓን ኮይኑ ደቂሰባት ኣብ ነንሕድሕድናን ምስ እግዚኣብሔርን ዘራኽበና ህያብ ኢዩ።’ ኢሎም።

ቅድስነቶም ኣብ መጠረሽታ፣ ንእስካውት ኣብ ኤውሮጳ ዘለዎም ፍቕሪ ኣመልኪቶም፣ ነዚ ኣገልግሎት`ዚ ተዓዘብቲ ምዃን ጥራሕ ዘይኮነ ንጡፋት ሓነጽቲ ብምዃን ፣ ኣብ ዕርቅን ውህደትን ናይ ዝተፋላለዩ ሕብረተ-ሰባት ብምንጣፍ፣ ንምክልኻል ቦታ ዘይኮነ ንምርኻብ ሕብረተሰባት ብምዕያይ ሕይወት ዘለዋ ዝተሓደሰት ኤውሮጳ  ምሕናጽ የድሊ ብምባል መልእኽቶም ዛዚሞም።

ብድምጺ ምክትታል!
05 August 2019, 10:10