ሰላም ኣብታ ሃገር ንክጸንዕ ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ ንሞዛምቢክ

ካብ ዕለት 4 መስከረም ክሳብ ዕለት 10 መስከረም ር.ሊ.ጳ ኣብ ኣፍሪቃ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክፍጽሙ እዮም። ኣብ’ዚ ንመበል 31 ግዜ ዝገብርዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ቅዱስንቶም ሠለስተ ሃገራት ማለት ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ማውሪሸስን ክበጽሑ እዮም። ንካቶሊካዊ ማሕበረክርስትያን ሕዝቢ ሞዛምቢክን ሕዝቢ ሞዛምቢክን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ነዚ ይቋጸሩ። ብልበይ ናብ ኩልኹም ክበጽሕ ምናዳ ኸኣ ናብቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ከምዘሎ የረጋግጹ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ሓውጾተ ኖልዎ እዚ ቅዱስነቶም ንመጀመርያ ዝበጽሕዋ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሞዛምቢክ ኰይና ብጠቅላላ ካብ ዕለት 4 ክሳብ 10 መስከረም ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ክጸንሑ እዮም። ንሕዝቢ ሞዛምቢክ ብርእየት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንክረኽብዎም ብጣዕሚ ተሃንጥዮም ከምዝለውን ነታ ዝርእይዎም ሁመት ብዓቢ ሃንቀውታ ይጽበይዋ ከምዘለውን ገሊጾም። እቲ መልኽእቲ ብቀንዲ ብቋንቋ ፖርቱገዝ ኰይኑ ትርጉሙ ከኣ እዚ ዚስዕብ እዩ።

“ዝኸበርካ ሕዝቢ ሞዛምቢክ! ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ኣብ ሃገርኩም ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክጅምር እዩ፡ ክንዮ ዋና ከተማ ሃገርኩም እኳ ክጐዓዝ እንተዘይከኣልኩ ልበይ ንኩልኹም ይበጽሓኩምን ይሓቚፈኩምን። ፍልይ ዝበለ ቦታ ኸኣ ነቶ ኣብ ጸገም ዝነብሩ ዘለው ኣወፊ። ነዚ ርግጽነት እዚ ክህበኩም እፈቱ! ኩሉኹም ኣብ ጸሎተይ ኣልኹም። ምሳኹም ዓይኒ ንዓይኒ ዝረኣየሉ ሁመት ብዓቢ ሃንቀውታ እጽበ። ክቡር ፕረሲደንትኹምን ኣሕዋተይ ጳጳሳትን ኣብ መንጎኹም ንክረክብ ዕድመ ስለዘቅረቡለይ ነዚ ከኣ ብዓቢ ምስጋና ስለ ዝተቀበልክዎ፡ ንዓኹም ከኣ ኣብ ጸሎት ምሳይ ክትሓብሩ እዕድመኩም። ጸሎተይ ከኣ ኣቦ ኩልና ዝኾነ እግዚአብሔር ነቲ ኣህጉር መላእ ኣፍሪቃ እንኮ ተስፋ ጽንዕትን ነባሪትን ሰላም ዝኾነ ኣብ ሞንጎ ሞዛንቢቃውያን ዝተገብረ ሕውነታዊ ዕርቂ ንከጽንዕ እዩ። ነዚ ጒዳያት እዚ ብቀጥታ ምሳኹም ከስተማቅሮን ነቲ ቅድመይ ዝነበሩ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝዘርእዎ ዕብየት ክዕዘብን ምሉእ እምነት ኣሎኒ። እዚ ጉዕዞ እዚ ንካቶሊካውያን ማሕበረ ክርስትያን ክረክብን ኣብቲ ዝህብዎ ምስክርነት ወንጌል ንከጽንዖምን ከፍቅደለይ እዩ። እዚ ምስክረነት እዚ ንክብረት ነፍሲወከፍ ወዲተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን ዘስተምህር ኰይኑ ንልብታትና ንኩሎም ምንዳ ኸኣ ንድኻታትን ጽጉማትን ክንከፍት ይምህር። ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣዕሩኽትን፡ ብዙሓት ካባኹም እዚ ናተይ ምብጻሕ ዕውት ንክኸውን ብዙሕ ከምእትሰርሑን ብዙሕ ጸሎታት ከምእተዕርጉን እፈልጥ እየ በዚ ከኣ ብምሉእ ልበይ አመስግነኩም። ኣብ ልዕሌኹምን ልዕሊ መላእ ሃገርኩምን ቡራኬ እግዚአብሔርን ሓለዋ ቅድስት ኣደና ድንግል ማርያምን እምህለል።”

ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንራኸብ’ እንክብሉ ብቪድዮ መልእክቲ ኣመሓላሊፎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
30 August 2019, 20:26