እትደልየና ቤተክርስትያንሲ ንማንም ከይኰነነት ንዝሳቀ መስተርሆት እትፈጥር ደረት ኣልቦ ቤ/ክ እያ! ር

ብምኽንያት ሰሜናዊ ንፍቀ ክበብ ናይ ሓጋይ ወቅቲ ዕረፍቲ ኣቋሪጹ ዝነበረ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ሎሚ እንደገና ብምጅማር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ንምእመናንን ነጋድያን ተዘዋዊሮም ሰላም ድሕሪ ቢሎምን ድሕሪ ባሪኾምን ነቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ግብረ ሓዋርያት ዝጀመርዎ ብምቅጻል ነታ ቀዳማይ ተኣምር ናይ ግብረ ሓዋርያት ተንቲኖም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

“ቃል ኣምላኽ፥ ‘ጴጥሮስን ዮሓንስን ብእዋን ጸሎት ብታስዐይቲ ሰዓት ናብ ቤተ መቕደስ ብሓንሳእ ይድይቡ ነበሩ። ሓደ ካብ ከርሲ እኖኡ ኣትሒዙ ኣእጋሩ ዝመልበሰ ሰብኣይ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዚአትው ምጽዋት ምእንቲ ኺልምን፡ ጾይሮም ኣብ ጸጽባሕ ኣብታ ጽብቕቲ እትበሀል ኣፍደገ ቤተ መቕደስ የቐምጥዎ ነበሩ። ንሱ ንጴጥሮስን ንዮሓንስን ናብ ቤተ መቕደስ ኪኣትዉ ረአዮም እሞ፡ ኪምጽዉቱሉ ለመኖም። ጴጥሮስ ምስ ዮሓንስ ኰይኑናብኡ እናጠመተ ‘እስኪ ተመልከተና’ በሎ። ንሱ ድማ ኻብኣቶም ገለ ዚቅበል መሲልዎ፡ ተኲሩ ጠመቶም። ጴጥሮስ ግን፡ ‘ወርቅን ብሩርን የብለይን፡ እቲ ዘሎኒ ን እህበካ፡ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ ተንሢእካ ኺድ’ በሎ። ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙ ኸኣ ኣተንሥኦ፡ ብኡንብኡውን መሓዉሩን ሸኾናኡን ጸንዓ። ዘሊሉ ብድድ ኢሉ ኸኣ ቖመ፡ ኪኸይድ እውን ጀመረ። እናተሰራሰረን ንእግዚአብሔር እናኣመስገነን ድማ ምሳታቶም ናብ ቤተ መቕደስ አተወ።’ (ግሐ 3.3-8)”

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓዶ ሓዲርኩም!

ኣብ መጽሓፈ ግብረ ሐዋርያት ስብከተ ወንጌል ብቃል ጥራይ ዘይኮነ ንሓቅነት ናይቲ ስብከት ዝምስክሩ ብጭብጥ ዝረኣዩ ተግባራት እውን ይረኣዩ። እዚ ከኣ እቲ ኣብ ግሐ 2,43 ተገሊጹ እንረኽቦ ‘ተኣምራትን  ምልክታት’ ዝብል ኰይኑ ብሓዋርያት ዝፍጸሙ እዮም። ነቲ ቃሎም ከኣ በቲ ብስም ኢየሱስ ዝገብርዎ ተአምር የጽንዖ። ከምቲ ክልእኮም እንከሎ ‘ወትሩ ምስኦም’ ከምዝኾነ ዝተስፈዎ ነቲ ቃሉ ከኣ ብተኣምራታትን ምልክታትን እናእሰነየ ሓዋርያት ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ የማልዱ ክርስቶስ ከኣ ተኣምር ብፍጻም ነቲ ቃል የሰንዮ (ማር 16,20)። ሓዋርያት ንመልኮታውነት ኢየሱስ ዝገልጹ ብዙሕ ምልክታትን ብዙሕ ተኣምራታትን ፈጺሞም።

ሎሚ እምበር ኣብቲ ፈላሚ ተኣምር ምሕዋይ ብሓዋርያት ዝተፈጸመ ኣብ መጽሓፍ ግብረ ሓዋርያት ዝተጻሕፈ ክነስተንትን። እዚ ጽሑፍ እዚ ንጹር ዓላም ስብከተ ወንጌል ዝሓዘ ኰይኑ እምነት ንምብርባር ዝተፈጸመ እዩ። ጴጥሮስን ዮሓንስ ንክጽልዩ ናብቲ ዓንዲማእከል እስራኤላዊ እምነት ዝኾነ ቀድሞት ክርስትያን ከኣ ምሳኡ ብርቱዕ ምትእስሳር ዝነበሮ ናብ ቤተመቅደስ ይኸዱ። ከመይ እቶም ቀዳሞት ክርስትያን ኣብ ቤተመቅደስ ኢየሩሳሌም እዮም ዝጽልዩ ዝነበሩ። ሉቃስ ወንጌላዊ ነቲ ሰዓት ከይተረፈ ይምዝግብ ሰዓት ትሽዓተ ይብል እዚ ከኣ ብኣና ሰዓት ሰለስተ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ማለት ኰይኑ ኣብቲ ሰዓት እቲ መሥዋዕቲ ከም ቤዛ ውህደት ሕዝበ እግዚአብሔር ምስ ኣምላኹ ዝቀርበሉ ሰዓት ነበረ። ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ንገዛእ ርእሱ ‘ንሓንሳእን ንሓዋሩን ‘ (ዕብ 9,12፡ 10,10) ብምውፋይ ዝሞተላ ሰዓት እውን እያ።  ኣብ ኦሪ ዘሌ 21.18 ሙሴ ብዝሓገጎ መሠረት ጐደሎ ዝዀነ ሰብ ኣብታ ማዕጾ ኰይኑ እዩ ዝልምንን ንኩሉ ዝከታተልን መሥዋዕቲ ከቅርብ እውን ኣይፍቀደሉን ከመይ እቲ ጸገም ከም ሳዕቤን ሓጢኣት ይረኤ ስለዝነበረ። ነቲ ኣብ ወንጌል ዮሓ 9,2 ብዕውሩ ዝተወልደ ኢሉ ዝዛረበሉ እቶም ሓዋርያት ርእይ ምስ ኣበልዎ ‘መምህር ብናይ መን ሓጢኣት እዩ እዚ ብዕውሩ ዝተወልደ ብናቱዶ ወይስ ብናይ ወለዱ!’ ኢሎም ዝሓተትዎ ምዝካር ይኣክል። በዚ ኣተሓሳስባ እዚኸስ ዝኾነ ስንክልና ብሰንኪ ሓጢኣት እዩ ዝብል ቅድመ ኩንታዊ ፍርዲ የስዕብ። በዚ ከኣ ናብ ቤተመቅደስ ምእታው እውን ይፍቀደሎም ኣይነበረን። ስለዚ እቲ ሕሙም ኣብታ ጽብቅቲ ማዕጾ ትበሃል ተጸጊዑ ይልምን ነበረ ይብል።    እዚ ምልቡስ እዚ ንብዙሓት ኣብ ዘመና ዘጓነናዮምን ዝጐሓናዮምን ኩነታት የመልክት። ብዝኾነ እዚ ምልቡስ እዚ ኣብ ቤተመቅደስ ክኣቱ ኣይክእልን ነሩ ኰይኑ ግን ኣብ ኣፋፌት ኰይኑ ይልምን ነበረ። ብሃንደንበት ነቶም ናብ ቤተመቅደስ ዝድይቡ ዝነበሩ ጴጥሮስን ዮሓንስን እንክጥምት ዓይኒ ንዓይኒ ተራኺቦም ናይ ምጥምማት ጸወታ የካይዱ። እቲ ምልቡስ ገለ እንተመጸወትሉ እንክሓስብ እቶም ሓዋርያት ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ናብኦም ክጥምትን ፍሉይ ውህበት ንክቅበልን ‘ተኲርካ ናባና ጠምት’ ኢሎም ብምዕዳም ተኲሮም ይጥምትዎ።  ሽዑ እቲ ምልቡስ ናብኦም ምስ ጠመተ ጴጥሮስ ‘ወርቅን ብሩርን የብለይን፡ እቲ ዘሎኒ ን እህበካ፡ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ ተንሢእካ ኺድ’ ይብሎ። እዞም ሓዋርያት እዚኦም ናይ ርክብ ሃውሁ ይፈጥሩ ከመይ እግዚኣአብሔር ብከምዚ ዝበለ መንገዲ ክግለጽ ይደሊ! ኣብ ርክባት ኣብ ዘተ ብግልጸትን ኣብ ልቢ ብምስትንፋስን ብዝተፈላለየ መንገድን ይራኸበና። እዚ ከኣ ብፍቅራዊ መንገዲ ጥራይ ኣብ መንጎ ደቂሰባት ብዝግበር ርክባት ከምዝሠርሕ የመልክት።  

ቤተመቅደስ ኣብቲ ግዜቲ ናይ እምነት ማእከል ጥራይ ዘይኮነ ቊጠባዊ ነገራትን ዋጋ ዕዳጋን ዝግበረሉ ቦታ እውን ብምንባሩ ብዙሓት ነቢያት ዝወቅስዎ ጐይታን ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ባዕሉ ብጭጉራፍ ዝሰጐጐሉ ግዝያት ኣሎ (ሉቃ 19,45.46)። ኣብ ቚምስናታት ካብ ምሥጢራት ገንዘብ ኣብሊጾም ዝሓስቡ ክርኢ ክንደይ ግዜ ዘየሕዘነኒ! በጃኹም ኢለኩም ንጐይታ ድኻ ቤተክርስትያን ፍጠረልና ኢልና ንለምን።  እቲ ለማኒ ንሓዋርያት ምስ ረኸበ ገንዘብ ኣይረኸበን ነቲ ንዘመደ ኣዳም ዘድሕን ስም ኢየሱስ! ኢየሱስ ክርስቶስ ናዝራዊ ይረክብ። ጴጥሮስ ስም ኢየሱስ ይጽውዕ ነቲ ምልቡስ ከኣ ደው ክብል ማለት ኣብ ኣቊዋም ሕያዋን ክኸውን ይእዝዝ ነቲ ሕሙም ይትንክፎ ብኢዱ ሓፍ የብሎ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓዶ ሓዲርኩም!

ኣብ መጽሓፈ ግብረ ሐዋርያት ስብከተ ወንጌል ብቃል ጥራይ ዘይኮነ ንሓቅነት ናይቲ ስብከት ዝምስክሩ ብጭብጥ ዝረኣዩ ተግባራት እውን ይረኣዩ። እዚ ከኣ እቲ ኣብ ግሐ 2,43 ተገሊጹ እንረኽቦ ‘ተኣምራትን  ምልክታት’ ዝብል ኰይኑ ብሓዋርያት ዝፍጸሙ እዮም። ነቲ ቃሎም ከኣ በቲ ብስም ኢየሱስ ዝገብርዎ ተአምር የጽንዖ። ከምቲ ክልእኮም እንከሎ ‘ወትሩ ምስኦም’ ከምዝኾነ ዝተስፈዎ ነቲ ቃሉ ከኣ ብተኣምራታትን ምልክታትን እናእሰነየ ሓዋርያት ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ የማልዱ ክርስቶስ ከኣ ተኣምር ብፍጻም ነቲ ቃል የሰንዮ (ማር 16,20)። ሓዋርያት ንመልኮታውነት ኢየሱስ ዝገልጹ ብዙሕ ምልክታትን ብዙሕ ተኣምራታትን ፈጺሞም።

ሎሚ እምበር ኣብቲ ፈላሚ ተኣምር ምሕዋይ ብሓዋርያት ዝተፈጸመ ኣብ መጽሓፍ ግብረ ሓዋርያት ዝተጻሕፈ ክነስተንትን። እዚ ጽሑፍ እዚ ንጹር ዓላም ስብከተ ወንጌል ዝሓዘ ኰይኑ እምነት ንምብርባር ዝተፈጸመ እዩ። ጴጥሮስን ዮሓንስ ንክጽልዩ ናብቲ ዓንዲማእከል እስራኤላዊ እምነት ዝኾነ ቀድሞት ክርስትያን ከኣ ምሳኡ ብርቱዕ ምትእስሳር ዝነበሮ ናብ ቤተመቅደስ ይኸዱ። ከመይ እቶም ቀዳሞት ክርስትያን ኣብ ቤተመቅደስ ኢየሩሳሌም እዮም ዝጽልዩ ዝነበሩ። ሉቃስ ወንጌላዊ ነቲ ሰዓት ከይተረፈ ይምዝግብ ሰዓት ትሽዓተ ይብል እዚ ከኣ ብኣና ሰዓት ሰለስተ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ማለት ኰይኑ ኣብቲ ሰዓት እቲ መሥዋዕቲ ከም ቤዛ ውህደት ሕዝበ እግዚአብሔር ምስ ኣምላኹ ዝቀርበሉ ሰዓት ነበረ። ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ንገዛእ ርእሱ ‘ንሓንሳእን ንሓዋሩን ‘ (ዕብ 9,12፡ 10,10) ብምውፋይ ዝሞተላ ሰዓት እውን እያ።  ኣብ ኦሪ ዘሌ 21.18 ሙሴ ብዝሓገጎ መሠረት ጐደሎ ዝዀነ ሰብ ኣብታ ማዕጾ ኰይኑ እዩ ዝልምንን ንኩሉ ዝከታተልን መሥዋዕቲ ከቅርብ እውን ኣይፍቀደሉን ከመይ እቲ ጸገም ከም ሳዕቤን ሓጢኣት ይረኤ ስለዝነበረ። ነቲ ኣብ ወንጌል ዮሓ 9,2 ብዕውሩ ዝተወልደ ኢሉ ዝዛረበሉ እቶም ሓዋርያት ርእይ ምስ ኣበልዎ ‘መምህር ብናይ መን ሓጢኣት እዩ እዚ ብዕውሩ ዝተወልደ ብናቱዶ ወይስ ብናይ ወለዱ!’ ኢሎም ዝሓተትዎ ምዝካር ይኣክል። በዚ ኣተሓሳስባ እዚኸስ ዝኾነ ስንክልና ብሰንኪ ሓጢኣት እዩ ዝብል ቅድመ ኩንታዊ ፍርዲ የስዕብ። በዚ ከኣ ናብ ቤተመቅደስ ምእታው እውን ይፍቀደሎም ኣይነበረን። ስለዚ እቲ ሕሙም ኣብታ ጽብቅቲ ማዕጾ ትበሃል ተጸጊዑ ይልምን ነበረ ይብል።    እዚ ምልቡስ እዚ ንብዙሓት ኣብ ዘመና ዘጓነናዮምን ዝጐሓናዮምን ኩነታት የመልክት። ብዝኾነ እዚ ምልቡስ እዚ ኣብ ቤተመቅደስ ክኣቱ ኣይክእልን ነሩ ኰይኑ ግን ኣብ ኣፋፌት ኰይኑ ይልምን ነበረ። ብሃንደንበት ነቶም ናብ ቤተመቅደስ ዝድይቡ ዝነበሩ ጴጥሮስን ዮሓንስን እንክጥምት ዓይኒ ንዓይኒ ተራኺቦም ናይ ምጥምማት ጸወታ የካይዱ። እቲ ምልቡስ ገለ እንተመጸወትሉ እንክሓስብ እቶም ሓዋርያት ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ናብኦም ክጥምትን ፍሉይ ውህበት ንክቅበልን ‘ተኲርካ ናባና ጠምት’ ኢሎም ብምዕዳም ተኲሮም ይጥምትዎ።  ሽዑ እቲ ምልቡስ ናብኦም ምስ ጠመተ ጴጥሮስ ‘ወርቅን ብሩርን የብለይን፡ እቲ ዘሎኒ ን እህበካ፡ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ ተንሢእካ ኺድ’ ይብሎ። እዞም ሓዋርያት እዚኦም ናይ ርክብ ሃውሁ ይፈጥሩ ከመይ እግዚኣአብሔር ብከምዚ ዝበለ መንገዲ ክግለጽ ይደሊ! ኣብ ርክባት ኣብ ዘተ ብግልጸትን ኣብ ልቢ ብምስትንፋስን ብዝተፈላለየ መንገድን ይራኸበና። እዚ ከኣ ብፍቅራዊ መንገዲ ጥራይ ኣብ መንጎ ደቂሰባት ብዝግበር ርክባት ከምዝሠርሕ የመልክት።  

ቤተመቅደስ ኣብቲ ግዜቲ ናይ እምነት ማእከል ጥራይ ዘይኮነ ቊጠባዊ ነገራትን ዋጋ ዕዳጋን ዝግበረሉ ቦታ እውን ብምንባሩ ብዙሓት ነቢያት ዝወቅስዎ ጐይታን ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ባዕሉ ብጭጉራፍ ዝሰጐጐሉ ግዝያት ኣሎ (ሉቃ 19,45.46)። ኣብ ቚምስናታት ካብ ምሥጢራት ገንዘብ ኣብሊጾም ዝሓስቡ ክርኢ ክንደይ ግዜ ዘየሕዘነኒ! በጃኹም ኢለኩም ንጐይታ ድኻ ቤተክርስትያን ፍጠረልና ኢልና ንለምን።  እቲ ለማኒ ንሓዋርያት ምስ ረኸበ ገንዘብ ኣይረኸበን ነቲ ንዘመደ ኣዳም ዘድሕን ስም ኢየሱስ! ኢየሱስ ክርስቶስ ናዝራዊ ይረክብ። ጴጥሮስ ስም ኢየሱስ ይጽውዕ ነቲ ምልቡስ ከኣ ደው ክብል ማለት ኣብ ኣቊዋም ሕያዋን ክኸውን ይእዝዝ ነቲ ሕሙም ይትንክፎ ብኢዱ ሓፍ የብሎ። ነዚ ፍጻሜ’ዚ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ምስ ትንሣኤ የመሳስሎ። ኣብዚ ሓቀኛ መንነት ቤተክርስትያን ይውለድ! ኣብ ጸገም ንዘሎ እትምልከት ዓይና ዘይትሓሲ ንዘመደ ኣዳም ዓይኑ ዓይኑ ክትጥምት እትኽእል ምሕዝነትን ርክብን ፈጢራ ክንዲ መከላኸሊ ሓጹር ናይ ዕርክነትን ምድግጋፍን ድልድል ትሃንጽ።  ከምቲ ኣብ ሓሴት ወንጌል 210 ተገሊጹ ዘሎ ከኣ ኣብዚ ገጽታ ናይታ ‘ዶብ ዘይብላን ኣደ ኩሉን ኰይኑ ዝስምዓ ቤተክርስትያን’ የንጸባርቅ። እዚ ገጽታ እዚ ከኣ ብኢዱ ሒዙ ሃፍ ዘብል ዝድግፍ ዘሰኒ እምበር ዘይኩንን እዩ። ኢየሱስ ወትሩ ኢዱ ምስ ዘርግሓልና ወትሩ ክድግፈና ምስ ደለየ በዚ ከኣ ደቂ ሰባት ክንሓውን ክንሕጔስን ንእግዚኣአብሔር ክንረክብ ከምእንኽእልን ይገብረና። እዚ ተግባር እዚ ጥበብ ምስናይ ኰይኑ ከመይ ኢልካ ብጥንቃቄ ፍቅሪ ብዝመልኦ ኣገባብ ኣብ ዙርያ እቲ ቅዱስ መሬት ወይ ሕዛእቲ ናይ ብጻይካ ትኣቱ እሞ ጥዑይ ምሕዝነትን ሓቢርካ ምጒዓዝን ተፈጥር ርሕራሔ ዝመልኦ ንካልኦት ግምትን ዋጋን ዝህብ ጠመተ ኰይኑ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ዝፍውስ ሓራ ዝገብርን ኣብ ሕይወት ክርስትና ንክትበስል ዘተባብዕን ጠመተን ገጽታን እዩ። እዞም ክልተ ሓዋርያት ምስቲ ምልቡስ ከኣ ነዚ እዮም ዝገበሩ ይጥምትዎ ጠመተና ይብልዎ ኢዶም ዘርጊሖም ይህብዎ ንክትንስእ ይሕግዝዎ ኣብ መወዳእታ የሕውይዎ። ኢየሱስ ምስ ነፍስወከፍና ከምኡ እዩ ዝገብር። ኣብ ሕማቅ ግዜ ዝነበርናሉ ኣብ ሓጢኣት ወዲቅናሉ ኣብ ዝነበርናሉ ኣብ ሓዘን ዝነበርናሉ ግዜ እሞ ንዘክር ነቲ ኢየሱስ ዝሰደልና ኢዱ ንሓዝ እም ንተንሥእ።

ሽሕ’ኳ ዝጠቅሙ እንተኾኑ ጴጥሮስን ዮሓንስ ኣብ መጋበሪታት ከይንተኣማመን ይምህሩና እንታይ ደኣ ሓቀኛ ሃብትናስ እታ ምስ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ እንፈጥራ ርክብ ምዃና እዩ። ነዚ ብዝምልከት ቅዱስ ጳውሎ ‘ድኻታት ኢና ግና ንብዙሓት ነሀብትሞም ኣሎና ሓንት’ኳ ዘይብልና ኢና ግና ኩሉ ኣሎና’ (2ቆ 6,10) ይብለና። ኣሎና እንብሎ ኩለንትናና ወንጌል ኰይኑ ሓይሊ ናይቲ ተኣምራት ዝገብር  ስም ኢየሱስ ይገልጽ።  

ንሕናኸ ነፍሲወከፍና እንታይ ንውንን! ሃብትና ኣየናይ እዩ! መዝገብና ኣየን እዩ! ንካልኦት ብምንታይ ክነሀብትሞም ንኽእል! እግዚኣአብሔር ነቲ ብፍቅሩ ኣብ ሕይወትና ዝገበሮ ሠናይ ነገራት ዘኪርና እነመስግነሉ ጸጋን ናይ ምስጋናኡን ክብሩ ኣፍልጦኡን ምስክርነት ንኩሎም ከምእንህብ ክገብረና ንለምኖ። ነዚ ኣይንረስዕ! ኢድ ኢየሱስ ወትሩ ተዘርጊሓ ነቲ ካልእ ንክትንስእ ንክትሕግዞ ተሰናድያ ኣላ ነዚ ከኣ በቲ ንካልኦ ንክትንሥኡ እትዝርጋሕ ኢድ ነፍሲወከፍና ገቢሩ እዩ ክርስቶስ ኣብ ግብሪ ዘውዕሎ። እግዚኣአብሔር ይሃበለይ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዚሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
07 August 2019, 17:13