መንግሥተ ሰማያት ንውሱናት ሰባት ጥራይ ዝተወሰነ ወይውን መንገዲ አርባዓ ዘይኮነስ ብጸባብ ኣፍደገ ዝእቶ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 25 ነሐሰ 2019 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ጸሎተ መልአከ እግዚኣአብሔር ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ‘ዝድሕኑስ ሒደት ድዮም’ ዝብል ናብ ኢየሱስ ዝቀረበ ሕቶ መንቀሊ ብምግባር በታ ጸባብ ኣፍደገ ኪኣትው ዚቃለሱ ኩሎም ክድሕኑ ከምዝኽእሉ ብምግላጽ መንግሥተሰማያት ንውሱናት ሰባት ጥራይ ኣይኮነን እንክብሉ ገሊጾም።

አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ግጽው ናይታ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝቀረበ ወንጌል ሉቃስ13:22-30 ኮይኑ ‘ንሱ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ እንከሎ፡ ንእግረ መንዱ ኣብ ከተማታትን ኣብ ዓቚሻትን እናመሃረ ይኃልፍ ነበረ። ሓደ ሰብኣይ ከኣ፥ ‘ጐይታይ፡ እቶም ዝድኅኑስ ዉሑዳትዶ እዮም’ በሎ። ንሱ፥ ‘በታ ጸባብ ኣፍደገ ኽትኣትው ጽዓሩ፥ ከመይሲ ብዙኃት ንምእታው ኺጽዕሩ፡ ግዳስ ኣይኪኾነሎምን እዩ እብለኩም ኣሎኹ። እቲ ዋና ቤት  ተንሢኡ ነቲ ኣፍደገ ምስ ዓጸዎ፡ ኣብ ወጻኢ ኾይንኩም፥ ‘ጐይታና ክፈተና ግዳ!’ እናበልኩም ነቲ ማዕጾ ምዅኳሕ ክትጅምሩ ኢኹም፡ ንሱ ግን ‘ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ!’ እናበለ ኪምልሰልኩም እዩ። ሽዑ፥ ንስኻትኩም ‘ኣብ ቅድሜኻ ዝበላዕናን ዝሰተናን፡ ንስኻውን ኣብ ኣደብባያትና ዝመሃርካ፡ እኮ ኢኻ!’ ምባል ክትጅምሩ ኢኹም።
ንሱ እንከ፥ ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ዅልኹም፡ ካባይ ርሓቑ፡ ካበይ ከምዝመጻእኩም ከምዘይፈልጠኩም እነግረኩም ኣሎኹ!’ ኪብል እዩ።’ ዚብል ይርከቦ።

ቅዱስነቶም ንመንግሥተሰማያት ንዘለዓለማዊ ሕይወት እትወስድ መንገዲ ሃህ ዝበለ ማዕጾ ዘለዋ መንገዲ ኣርባዓ ዘይኮነትስ ጸባብ እያ ብኣኣ ዚሓልፉ ከኣ ዕውታት እዮም ንዝበለዎ ከምዚ ክብሉ ምሂሮም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ሠናይ መዓልቲ!

ናይ ሎሚ ወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ከተማታትን ቚሾታትን እናመሃረ ናብታ ንድሕነት ኩልና ኣብ መስቀል ሙማት ትጽበዮ ዝነበረት ናብ ኢየሩሳሌም ገጹ ይጐዓዝ። ኣብዚ ከኣ ሓደ ሰብ ‘‘ጐይታይ፡ እቶም ዝድኅኑስ ዉሑዳትዶ እዮም!’ ትብል ሕቶ ትኣቱ። እታ ሕቶ ቅድሚ እዚ ፍጻሜ እዚ ብዙሕ ክርክር ዝተላዕለላ ሕቶ እያ ነራ። ክንደይ ኮን ይድሕኑ! ክንደይ ኮንከ ይኹነኑ! እናበሉ ክፍልታት ቅዱስ መጽሓፍ ዝተፈላለየ ትርጉም እናሃቡ ዝካትዑ ነሮም። ኢየሱስ ግን ነታ ሕቶ ይገማጥላ ነቲ ብዛዕባ ብዝሕን ዋሕድን ዝምልከት ሕቶ ኣብ ሓላፍነታዊ ሕይወት ምምራሕ ይጠውያ እሞ ነታ ዘላ ግዜ ክጥቀሙላ ይዕድም። ‘በታ ጸባብ ኣፍደገ ክትሓልፉ ጽዓሩ’ እናበለ ብዝሓት ኪኣትው ክጽዕሩ ኰይኑ ግን ከምዘይዕወቱ ይገልጸሎም።

በዘን ቃላት እዚአን ገቢሩ ኢየሱስ እቲ ቀንዲ ሕቶ ናይ ብዝሒ ማለት ኣብ መንግሥተሰማይ ብዛዕባ ዚኣትው ውሱን ቊጽሪ ዘይኮነስ ካብ ሕጂ ጀሚርካ ነታ ቅንዕቲ መንገዲ ምስዓብ እዚ ከኣ እታ ጸባብ ኣፍደገ ዝብላ እያ። እቲ ጸገምከስ እዚ እዩ። ኢየሱስ ብዝኸውንን ዘይከውንን ከደዓዕሰና እሞ ‘ኣይትሰከፉ እቲ ጉዳይ ቀሊል እዩ ንኩሉ ዚቅበል ሃህ ዝበለ ዓንቀጽ ኣሎ’ ኣይብለናን። እኳ ደኣ ብዛዕባ ጸባብ ኣፍደገ ይናገረና። እዚ ምጽባብ እዚ ብከመይ ንርድኦ! ንክትድሕን ንእግዚኣአብሔርን ንብጻይካን ምፍቃር የድሊ! እዚ ከኣ ቀሊል ኣይኮነን። ብሓቂ ጸባብ ኣፍደገ ኰይና ብዙሕ መሥዕዋትነት ከኣ ትሓትት። ፍቅሪ ኩሉ ግዜ ዋጋ የኽፍል ኣዩ። ጻዕሪ የድልዮ። ከምቲ ወንጌል ዝእዝዞ ንክትነብር ቈራጽ ውሳኔ ምውሳድ የድሊ። ቅዱስ ጳውሎስ ‘ሠናይ ገድሊ እምነት’ (1ጢመ 6,12) ቢሉ ይሰምዮ። ንእግዚኣአብሔርን ንብጻይናን ወትሩ ንምፍቃር ዕለት ዕለት ምቅላስ የድሊ ።

ነዚ ብዝበለጸ ንኽገልጽ ከኣ ኢየሱስ ሓደ ምሳሌ የቅርበሎም። ንጐይታ ዝውክል በዓል ቤትን ንሕይወት ዘለዓለም ማለት ንድሕነት እትውክል ቤቱን  የቅርበሎም። እቲ ዋና ቤት  ተንሢኡ ነቲ ኣፍደገ ምስ ዓጸዎ፡ ኣብ ወጻኢ ኾይንኩም፥ ‘ጐይታና ክፈተና ግዳ!’ እናበልኩም ነቲ ማዕጾ ምዅኳሕ ክትጅምሩ ኢኹም፡ ንሱ ግን ‘ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ!’ እናበለ ኪምልሰልኩም እዩ።’ ይብሎም። እዞም ሰባት እዚኦም ንከለልዮም በዓል መን ምዃኖም ከምዝፈልጥዎን ንከዘኻኽርዎ ‘ኣብ ቅድሜኻ ዝበላዕናን ዝሰተናን፡ ንስኻውን ኣብ ኣደብባያትና ዝመሃርካ፡ እኮ ኢኻ!’ ይብልዎ፣ ብካልእ ናይ ዘመንና ኣዘራርባ ሰሚናር ክትገብር ከሎኻ ክትሰብኽ ከሎኻ ኣባኡ ነርና ከም ምባል ኰይኑ እቲ ጐይታ ግን ጨሪሹ ከምዘይፈልጦምን ዝዝክሮምን ዳግም ይገልጸሎም እሞ  ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ’ ይብሎም። ኣብዚ እኒሄ እቲ ጸገም! ጐይታ ዝፈልጠናስ ብእንወሃቦ ኣስማትን ስልማትን ዘይኮነ ብግብርና እዩ ገበርቲ ፍትሒዶ ገበርቲ ዓመጻ!  ዅልኹም፡ ካባይ ርሓቑ፡ ካበይ ከምዝመጻእኩም ከምዘይፈልጠኩም እነግረኩም ኣሎኹ!’ ኪብል እዩ። ምናልባት ንጐይታ ‘ርኤሞ ጐይታ ንሕና ኣባላት ናይዚ ምንቅስቃስ እዚ ነርና ኣዕሩኽቲ ብፁዕ ኣቡነ እከለ ብፁዕ ካርዲናል እከል ጥቀ ክቡር ኣባ እከለ ነርና’ ክንብል ንኽእል ምስ ጐይታ ግን ሥልጣን ምንም ጥቅሚ የብሉን ንሱ ዘለልያ ሓንቲ መንገዲ እያ መንገዲ ትሕትና መንገዲ ሕያውነት ኰይና እምነት ብግብሪ እትገልጽ መንገዲ እያ። ንዓና ክርስትያን ከኣ ናይዚ ትርጉም ንሕና ኩልና ናብ ቤተክርስትያኑ ብምምልላስን ጸሎት ብምዝውታርን ምሥጢራቱን ቃላቱን እናተመገብና ምስ ኢየሱስ ሓቀኛ ሕብረት ክንሃንጽ ዝተጸዋዕና ኢና። እዚ ኣብ እምነትና ከም እንጸንዕ ገሩ ንተስፋና ኣደንፊዑ ንግብረ ሠናይና ሓዲስ ሕይወት የልብሶ። በዚ ከምዚኸስ ብጸጋ እግዚኣአብሔር ሕይወትና ንሠናይ ነገር ናይ ኣሕዋትና ክነወፍያ ተጻይ ዝኾነ ክፍኣትን ኢፍትሓውነትን ወትሩ ክንቃለስ ዝተጸዋዕና ኢና። ኣብዚ ቅድስት ድንግል ማርያም እኖና ትደግፈና። ንሳ በታ ጸባብ ኣፍደገ ኢየሱስ ዝሓለፈት እያ። ንኢየሱስ ብምሉእ ልባ ጽን ኢላ ሰሚዓቶ ነፍሲወከፍ ዕለት ሕይወቱ እውን ስዒባቶ ነዚ ከኣ ንልባ ሰይፊ ክስንጥቆ እንከሎ ስለምታይ ምዃኑ ኣብ ዘይትርደኣሉ ግዜ እውን ነበረ።  ኰይኑ ግን እዚ ምስንጣቅ ሰይፊ እዚ ንእኖና ድንግል ማርያም ኆኅተ ሰማይ ኣፍደገ መንግሥተ ሰማያት ኢልና ክንጽውዓ ኣኽኢሉና። እዚ እዩ እቲ ዝኽፈል ዋጋ! እዛ ኣፍደገ ልቢ ኢየሱስ ኣፍደገ ልቢእግዚአብሔር ዝኾነት ድንግል ማርያም ከስ ንዓና እውን ክፍቲ ኣፍደገ መንግሥተ ሰማያት እያ።  ድሕሪ ቢሎም ጸሎተ መልአከ እግዚኣአብሔር ኣዕሪጎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
25 August 2019, 17:14