ር.ሊ.ጳ ንክርስትያን ሶርያ ብኣሽሓት ዚቊጸር መቊጸርያታት ባሪኾም።

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 15 ነሐሰ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በዓለ ፍልሠታ ኣብ ዝዝከረትሉ ዕለት ብኪርኸ ኢን ኖት ዝፍለጥ ሓገዝ ነታ እትሳቀ ቤተክርስትያን ዘወፊ ትካል ብዝሰናደዎ ልዕሊ 6 ሺሕ መቚጸርያታት ንማሕበረ ክርስትያን ሶርያ ባሪኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ሃገረ ሶርያ በቲ ዕለት ዕለት እንከታተሎ ዘሎና ውግእን ስደት ሃይማኖትን ኣብ ብርቱዕ ፈተነ ንዝርከቡ ክርስትያን ናይ ተስፋ መልእኽቲ ንክኸውን ብጳጳሳዊ ማሕበር ደገፍ ንእትሳቀ ቤተክርስያን ብኪርኸ ኢን ኖት ዝፍለጥ ተቊዋም ዝተሰናደው ልዕሊ ሽድሽተ ሺሕ መቊጸርያታት ብር.ሊ.ቃ.ተባሪኾም ንሃገረ ሶርያ ተላኢኾም። ቅዱስነቶም ነቲ መቚጸርያታት ኣብ ዝባረኹሉ ግዜ ስለ ሰላም ማእከላይ ምብራቅ ክጽለ ሓደራ ኢሎም። ሕጂ ብጸሎት እተሰንዎ ሓደ ጉዳይ ክፍጽም እየ እሞ ሃይ ኣሰንዩኒ፡ ብቊጽሪ ብዝሕ ዝበለ መቚጸርያታታት ናብ ሶርያ ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክርስትያን ዝለኣኽ ክባርኽ እየ እሞ ብጸሎት ኣሰንይኑኢሎም።

“ሕጂ ነዚ ዝፍጽሞ ዘሎኹ ሥርዓት ብጸሎት ኣሰንዪኒ! ኣብ ሶርያ ናብ ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትና ዚለኣኽ መቚጸርያ ክባርኽ እየ። እዚ ብተበግሶ ነታ ኣብ ሥቃይ እትርከብ ቤተክርስትያን ንሓግዝ ብዝብል ማሕበር ዝነቀለ ኰይኑ ከባቢ ሽድሽተ ሺሕ መቚጸርያ ቀሪቦም ኣለው። ነዚ መቚጸርያታት እዚ ዝገበራ ኸኣ ኣብ ቤተልሔም ዝርከባ ደናግል ቀርመሎሳውያን እየን። ሎሚ ኣብዚ ዓቢይ በዓል እኖና ድንግል ማርያም ነዘን መቚጸርያታት እባርኽ ኣሎኹ። ደሓር እዚ መቊጸርያታት እዚ ነቶም ኣብ ሶርያ ዚርከቡ ካቶሊካውያን ምእመናን ዚዕደል እዩ። እዚ ከኣ ንቅርበተይ ዝገልጽ ኰይኑ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ነቶም ብምኽንያት ውግእ ኣብ ሥድራቤቶም ገለ ንዝጐድሎም ቅርበተይ ዝገልጽ እዩ። ብምሉእ እምነት ዝግበር ጸሎት ሓይሊ ኣለዎ። ንሰለ ሰላም ማእከላይ ምብራቅን ዓለም ምሉእን ጸሎተ መቚጸርያ ነዘውትር ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
15 August 2019, 18:57