ር.ሊ.ጳ ንክርስትያን ሶርያ ብኣሽሓት ዚቊጸር መቊጸርያታት ባሪኾም።
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 15 ነሐሰ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በዓለ ፍልሠታ ኣብ ዝዝከረትሉ ዕለት ብኪርኸ ኢን ኖት ዝፍለጥ ሓገዝ ነታ እትሳቀ ቤተክርስትያን ዘወፊ ትካል ብዝሰናደዎ ልዕሊ 6 ሺሕ መቚጸርያታት ንማሕበረ ክርስትያን ሶርያ ባሪኾም።
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ኣብ ሃገረ ሶርያ በቲ ዕለት ዕለት እንከታተሎ ዘሎና ውግእን ስደት ሃይማኖትን ኣብ ብርቱዕ ፈተነ ንዝርከቡ ክርስትያን ናይ ተስፋ መልእኽቲ ንክኸውን ብጳጳሳዊ ማሕበር ደገፍ ንእትሳቀ ቤተክርስያን ብኪርኸ ኢን ኖት ዝፍለጥ ተቊዋም ዝተሰናደው ልዕሊ ሽድሽተ ሺሕ መቊጸርያታት ብር.ሊ.ቃ.ተባሪኾም ንሃገረ ሶርያ ተላኢኾም። ቅዱስነቶም ነቲ መቚጸርያታት ኣብ ዝባረኹሉ ግዜ ስለ ሰላም ማእከላይ ምብራቅ ክጽለ ሓደራ ኢሎም። ሕጂ ብጸሎት እተሰንዎ ሓደ ጉዳይ ክፍጽም እየ እሞ ሃይ ኣሰንዩኒ፡ ብቊጽሪ ብዝሕ ዝበለ መቚጸርያታታት ናብ ሶርያ ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክርስትያን ዝለኣኽ ክባርኽ እየ እሞ ብጸሎት ኣሰንይኑኢሎም።
15 August 2019, 18:57