ሥርዓተ ቀብሪ ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ኣኪለ ሲልቨስትሪኒ ሥርዓተ ቀብሪ ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ኣኪለ ሲልቨስትሪኒ 

መልእኽቲ ጽንዓት ይሃብ ር.ሊ.ጳ ብሞት ካርዲናል ሲልቨስትሪኒ!

ንምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ሓላፊ ነበር ኣብ መበል 95 ዓመቶም ትማሊ ኣብ ከተማ ሮማ ከምዝዓረፉ ዝዝከር ኮይኑ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ንቀረባ ቤተሰቦም ዝኾኑ ማርያ ልዊዚን ኣንጀሎ ሲልቨስትሪኒን ኣብ ዝጸሓፍዎ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም ተለግራም ‘ብፁዕነቶም ክኢላን ምእዙዝን ዲፕሎማት ከምኡ እውን ንወንጌልን ቤተክርስትያንን እሙን ጓሳ` ከምዝነበሩ ብምግላጽ ንቤተሰብ ጽንዓት ይሃብኩም ኢሎም።

አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ንቀረባ ቤተሰብ ዝጸሓፍዎ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም ተለግራም ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ኣኪለ ሲልቨስትሪኒ ንጸዋዕታ ክህነቶም እሙን ከምዝነበሩ ንምግላጽ ‘ከም ካህን መጠን ንሕይወቱ ስለካልኦት ብምውፋይ ኣብቲ ዝተላእኮ ዲፕላማስያዊ ተልእኮ ክኢላን እዙዝን እሙንን ብምዃን ንወንጌልን ንቤተክርስትያን ዘለዎ ተኣማንነት ብግብሪ መስኪሩ’ እንክብሉ ተኣማንነቱ ገሊጾም።

ትኽክል ንምዃን ቅዱስነቶም ዝጸሓፍዎ ተለግራም ናብቶም ቀረባ ቤተሰብ ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ኮይኑ ንሶም ከኣ ኣጐስማታት ብፁዕነቶም ማርያ ልዊሳን ኣንጀላ ሲለቨስትሪኒን ምዃነን እንክግለጽ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ‘ቅርበተይ ንቤተሰቦምን ነቶም ዝፈልጥዎምን ዋጋ ዝሃብዎምን እንክኸውን ከምኡ እውን እታ መበቆሎም ዝኾነ ማሕበረሰብ ሰበኻ ፋኤንዛ ሞዲልያና እገልጽ’ ኣንክብሉ ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ገሊጾም።

ኣገልግሎት ነፍሰኄር ኣብ ትሕቲ ሸውዓተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት

ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም ተለግራሞም ብምስጋና ዝዘከርዎ ናይ ብፁዕ ነፍሰኄር ካርዲናል ሲልቨስትሪኒ ኣገልግሎት ኰይኑ እዚ ኣገልግሎት እዚ ከኣ ንሸውዓተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዘይተጒላባነት ዝተበርከተ ብዙሕ ፍረ እውን ዘፍረየ ምዃኑ እዩ። ኣብ ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ከም ተሓጋጋዚ ቀጺሎም ከኣ ከም ሓላፊ ናይቲ ብሰኛቱራ ኣፖስቶሊካ ዝፍለጥ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ቅድስት መንበር ኣብ መወዳእታ ከኣ ከም ሓላፊ ንምስራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ናይ እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ሓላፊ ኰይኖም ንዘበርከትዎ ኣገልግሎት ዘኪሮም።

ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም ቅዱስነቶም ኲልና ጸሎታትና ስለ ነፍሲ ብፁዕ ነፍሰኄር ካርዲናል ሲልቨስትሪኒ ክነዕርግ በዚ ከኣ ጐይታ ኣብ ዘለዓለማዊ ታሕጓስን ሰላምን ንነፍሶም ክቅበል ድሕሪ ኣዘኻኺሮም ተሳታፊ ሓዘኖም ምዃኖም ብምግላጽ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ብምልጋስ መልእኽቶም ዛዚሞም።

ጸሎተ ፍትሓት ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ኣኪለ ሲልቨስትሪኒ

ሎሚ ሰዓት ሰልሰተን ፈረቃን በቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ብፁዕ ካርዲናል ረ ምክትል ኣቦ መንበር ጉባኤ ካርዲናላት ዝመርሕዎ  ናይ ሓመድ ድበ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዓሪጉ እንከብቅዕ ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ጸሎተ ኣማሕጽኖተ ነፍስን ግብኣተ መሬትን ፈጺሞም ሥርዓተ ቀብሮም ከኣ ዓንቀጽ ቅዱስ ጳውሎስ ዝርክበ መካነ መቃብር ቅዱስ በነዲክቶስ ተፈጺሙ።

ስብከት ብፁዕ ካርዲናል ረ ምኽትል ሓላፊ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ኣብ ሓመድ ድበ ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ኣኪለ ሲለቨስትሪኒ ኣብ ቅድሚ ሞት ኣብ ቅድሚ ፍጹም ምፍልላይ ካብ ሕይወት እዛ ምድሪ እዚኣ እንኮ ተጸናንዓና ቃል ኣምላኽ ጥራይ እያ። ኣብ ቀድማይ ንባብ መጽሓፈ እዮብ 19,1,23-27 ‘ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ብበሊሕ ሓጺንን ብዓረርን ኣብ ከውሒ ንሓዋሩ እንተ ዚቕረጽ። ግናኸ እቲ ዚብጀወኒ ህያው ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ፡ ንሱ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኪቐውም እዩ። እዚ ቘርበተይ ምስ ጠፍኤ ድማ፡ ሽዑ ምስ ስጋይ ንኣምላኽ ክርእዮ እየ። ኣነ ባዕለይ ክርእዮ እየ፡ ኣዒንተይ ኪርእያኦ፡’ ይብል ከምኡ እውን ካልአይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮ 5.1 ‘እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ካብ ኣምላኽ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና፡ ንፈልጥ ኢና።’ ዝብል ንረክብ። ቃል ወንጌል እውን ዮሓ 17.24 ‘ዎ ኣቦይ፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ እሞ፡ እዞም ዝሃብካኒ ነቲ ዝሃብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንሳቶምውን ኣብኡ ምሳይ ኪህልዉ እደሊ አሎኹ።’ ይብል። ብብርሃን እዘን ናይ እምነት ሓቅታትን ርግጽነትን ነዞም ኣብ 95 ዓመት ዕድሚኦም ጐይታ ዝጸውዖም ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ኣኪለ ሲልቨስትሪኒ ንሰናበቶም ኣሎና። ድሕሪ ቢሎም ነቲ ትማሊ ዘቅረብናልኪም ሓጺር ታሪኽ ሕይወቶም ዘርዚሮም።  ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ብምምናይ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
30 August 2019, 20:33