ግብዝ ክርስትያን ኰንካ ምንባር የብቅዕ ሓቀኛ ለውጢ ዘሎካ ንክትካፈል ጅባኻ ሃሰስ ምባል'ዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 21 ነሐሰ 2019ዓምፈ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ 6ይ ተጋቢኦም ንዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ተዘዋዊሮም ሰላም ድሕሪ ቢሎምን ባሪኾምን ካብ ግሐ ‘እቶም ዝኣመኑ ዂላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ፡ ብዂሉ ብርኪ ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻብ ገንዘቡ፡ እዚ ናተይ እዩ፡ ዚብል ኣይነበሮምን። ሓዋርያት ከኣ ብብዙሕ ሓይሊ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምስክሩ ነበሩ፡ ኣብ ኲሎም ከኣ ዓብዪ ጸጋ ነበረ። ኲላቶም መሬት ወይስ ኣባይቲ ዘለዎም ዘበለ ሸይጦም፡ ንዋጋ እቲ እተሸጠ የምጽእዎ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዜድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ፡ ስለዚ ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን።’ (ግሐ 4.32-35) ዝብል ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳ ምስ ተነበ ነዚ ዚስዕብ ሰፊሕ ትምህርተ ክርስቶስ ብቋንቋ ጣልያን ኣቅሪቦም።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም

እታ ናይ መጀመርያ ማሕበረ ክርስትያን ካብቲ ኣዚዩ ልዑል ዝኾነ ርደተ መንፈስ ቅዱስ ትውለድ ነቲ ለጋስ ዝኾነ ዘሎካ ናይ ምክፋል ናይቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ብክርስቶስ ከኣ ተዓቢ። ነታ ቤተክርስትያን ከም ሓንቲ ሥድራቤት እግዚአብሔር ዝሃንጻ ዝነበረ ከኣ እቲ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዝነበረ ቀጻሊ ምድግጋፍ ነበረ። እዚ ከኣ ሕመረት ተመኲሮ ኮይኖንያ ወይ ሕብረት ነበረ። እዛ ኮይኖንያ ትብል ቃል እንታይ ተስምዕ እንተበልና ‘ሕብረት ውህደት’ ኮይኑ ንዘሎካ ኩሉ ናይ ሓባር ምግባር ሓደ ማሕበር ምፍጣር ተነጽሎ ምእላይ እዩ። ናይታ ቀዳመይቲ ማሕበረ ክርስትያን ተመኲሮኸስ እዚ ነበረ ንዘሎካ ኩሉ ናይ ማሕበር ምግባር ንዘሎካ ኩሉ ምክፍፋል ዘይምንጻል ነበረ። ኣብታ ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን እዛ ኮይኖንያ ወይ ማሕበር ብቀጥታ ናብ ምቚራስ እንጌራ ብምኻድ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ይካፈሉ ነበሩ። በዚ ከኣ ምቚራብ ማለት ማሕበር ምግባር ምስ ማሕበር ምስታፍ ምስ ኢየሱስ ምውህሃድ ካብዚ ከኣ ማለት ካብ ምስ ኢየሱስ ምውህሃድ ናብ ምውህሃድ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንሰጋገር። እዚ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ እንገብሮ ውህደት ምስ ሥጋን ደምን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሕውነታዊ ውህደት ካብኡ ሰጊርና እውን ነታ ክንገብራ ትጽግመና ንዘሎካ ኩሉ ምስ ካልኦት ንምክፋል ከም ምልክት እንገብሮ ናይ መባእ ምእካብ ንሓገዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ትርከብ ኣደ ዝነበረት ቤተክርስትያን ዝግበር ሓደ ኣብነት እዩ (ሮሜ 12.13, 2ቆሮ 8-9) ከምኡ እውን ንካልኦት ኣብያተ ክርስትያን ይግበር ነበረ። ሕያዎት ክርስትያን ምዃንኩም ክትፈልጡ እንተደለኹም ክትጽልዩ ይግባእ ናብ ቅዱስ ቊርባን ክትቀርቡን ምሥጢረ ኑዛዜ ክተዘውትሩን ይግባእ። ልብኻ ከምዝተለወጠ ክትፈልጥ እንታይ ምልክት ኣሎ እንተበልከ ካብ ጁባ እዩ ዝጅምር ነቲ ኣሎኒ እትብሎ ክትካፈል ምስ ጀመርካ ኣብዚ ንካልኦት ዘሎካ ልግሲ ይረኤ እንተደኣ ብሓቂ ንጽጉማት ትሕግዝ እንተኾንካ ንድኻታት ቊሊሕ ትብል እንተኾንካ ከምዚ ዓይነት ለውጢ እንክትርኢ ሓቀኛ ለውጢ ከምዝኾነ ፍለጡ። ኣብ ዘረባ ጥራይ እንተተሪፉ ግን ቅኑዕ ለውጢ ኣይኮነን።

ናይ ውህደት ተመኲሮ ናይታ ፈለማ ቤተክርስትያን ኣብ ቅዱስ ቊርባን ኣብ ጸሎት ኣብ ስብከት ሓዋርያት  ምጽማድ(ግሐ2,42) ብሓንሳእ ንዝተጋብኡ ብዙሓት ሰባት ሓደ ይገብር። መጽሓፈ ግብረ ሓዋርያት ከኣ ‘እቶም ዝኣመኑ ዂላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ፡ ብዂሉ ብርኪ ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻብ ገንዘቡ፡ እዚ ናተይ እዩ፡ ዚብል ኣይነበሮምን።’(4.32) ይብል። እዚ ንዓና እውን ኣብነት ክኸውን ዝኽእል ሓያል መንገዲ ሕይወት እዩ ካብ በቃቃት ምዃን ለጋሳት ንምዃን ክሕግዘና ይኽእል። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ መንጎኦም ወላ ሓደ ጽጉም ከምዘይነበረ ይገልጽ እሞ ነቲ ምኽንያት እንክገልስ ከኣ ንዘለዎም ኩሉ ግራትስ ይኹን ገዛ ይሸጥዎ እሞ ኣብ እግሪ ሓዋርያት የቀምጥዎ ነበሩ ይብል። እዚ ከኣ ደሓር በቶም ሓዋርያት ንነፍሲወከፍ ከከም ኣድላይነቱ ይዕደል ነበረ (4.34-35)። ቤተ ክርስትያን ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ነቶም ዘየድልዮም ዝያዳ ሒዞም ንዝነበሩ ሓራ ዝገብር እዚ ተግባር እዚ ተዘውትር። እዚ ከኣ ንዘይድልየካ ነገራት ነቶም ዘድልዮም ንክትህብ የኽእለካ። እዚ ንገንዘብ ጥራይ ኣይምልከትን ንግዜኻ እውን የጠቃልል። ንኣብነት ኣብዚ ኣብ ሃገረ ጣልያን ክንደይ ክርስትያን እዮም ወለንታዊ ሥራሕ ዝገብሩ! እዚ ብሓቂ ጽቡቕ ሥራሕ እዩ። ውህደት ይፈጥር ንዘሎካ ምስ ካልኦት ንክትካፈል ነቶም ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ምሕጋዝ ጽቡቅ እዩ። በዚ ከምዚኸስ ዝተፈላለዩ ናይ ወለንታዊ ተግባራትን ናይ ፍቅርን ምሕረትን ተግባራትን ንሕሙማት ምብጻሕስ ይኹን ካልእ ነቲ ዘሎካ ግዜስ ይኹን ንብረት ምስ ካልኦት ምክፋል እዚ እዩ። ናይ ገዛእ ርእስኻ ጥቅሚ ጥራይ ከይደለኻ ንካልኦት ክተካፍል ምቅላስ እዚ እዩ።

እዛ ኮይኖንያ እንብላ ማሕበር ከስ ሓዲስ ርክብ ኣብ መንጎ ኣርድእቲ ኢየሱስ ትፈጥር። እቶም ቀዳሞት ክርስትያን ሓዲስ መንገዲ ኣነባብራ ሓዲስ ጠባይ የስተማቅሩ። እቶም ናይ ሽዑ ኣረማውያን ነዚ ናብራ እዝን ነዚ ጠባያት እዝን ምስ ረኣዩ ‘ረኣዩ እሞ ክንደይ ይፋቀሩ’ ይብሉ ነበሩ። ፍሉይ መለለዪ ናይዚ ሓዲስ ናብራኸስ ፍቅሪ ነበረ። እዚ ግን ናይ ቃላት ናይ ኣምሰሉ ፍቅሪ ዘይኮነ ብተግባር ንካልኦት ብምሕጋዝ ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ትግለጽ ፍቅሪ ነበረት። እዚ ክርስቶስ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ዘቈሞ ምትእስሳር ፍቅሪ ነቲ ዘለዎም ንብረት ኣብ ምክፋል እውን ይሰግር። ንናይ ገዛእ ርእስኻ ጥቅሚ ሰጊርካ ጅባኻ ሃሰስ ኢልካ ንዘሎካ ምስ ካልኦት ናብ ምክፋል ይሳገር። ኣባል ናይ ኣካል ክርስቶስ ዝኾነት ማሕበረ ክርስትያን ምዃን ከስ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ክግደሰሉን ክተሓጋገዙን ይደፍእ። ኣብ ክርስቶስ ምእማን ንዓና ንኩልና ነንሕድሕድና ከም እንግደስ ይገብረና። ምናልባት ሸለልትነት ከይንገብር እዚ ናይ ክርስትያን ኣይኮነን። ክርስትያን ምዃን ማለት ጽጉም ሓው ምስ ረኣኻ ስለኡ ምጽላይ ናብ ገዛኻ ወሲድካዮ ክትሕግዞ ምጽዓር እዩ። በዚ ከኣ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ እቶም ሓያላት ንድኹማት ይደግፉ (ሮሜ 15,1) ንክብሪ ወዲሰብ ካብ ዘዋርድ ዘትሕት ነገራት ምጥንቃቅ የድሊ ከመይ ማሕበር እዮም ሓንቲ ልቢ ኣላቶም ይፍቀሩ። ምልክት ሓቀኛ ማሕበር ክርስትያን እዚኣ እያ ፍቅሪ ብግብሪ።

ያዕቆብን ጴጥሮስን ዮሓንስን እቶም ኣዕኑድ ቤተክርስትያን ኢየሩሳሌም ዝነበሩ የመሓድሩንጳውሎስን በርናባስን ንኣሕዛብ ክስብኩ ንሶም ግን ንኣይሁድ ክስብኩ ይሰማምዑ ይወሃሃዱ። ንጳውሎስን በርናባስን ዝሓትዎም እንኮ ነገር ንድኻታት ክዝክሩ እዩ (ገላ 2.9-10)። እዚ ግን ብንብረት ድኻታት ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ብመንፈሳውነት ድኽነትን ጸገምን ዘለዎም እውን ቅርበቶም ክገልጹሎም እዩ። ክርስትያን ወትሩ ካብ ገዛእ ርእሱ ካብ መዓሙቚ ልቡ ይነቅል ከምቲ ኢየሱስ ዝቀርበና ከኣ ናብ ካልኦት ይቀርብ።

ናይዚ ምክፍፋል ዘሎካን ውህደትን ጭቡጥ ኣብነት ናይ በርናባስ ኣሎና። ንሱ ሓደ ግራት ነርዎ ይሸጦ ነቲ ዋጋ ከኣ ኣብ እግሪ ሓዋርያት የንብሮ (ግሐ 4.36-37)። ጐድኒ ጐድኒ እዚ ጽቡቅ ኣብነት ዘሕዝን ኣብነት እውን ኣሎ ኣናንያን በዓልቲ ቤቱ ሳፊራን መሬቶም ይሸጡ ኰይኑ ኩሉ ዘይኮነ ክፋል ናይቲ ሽያጥ ኣብ እግሪ ሓዋርያት የውድቑ ዝተረፈ ከኣ ንገዛእ ርእሶም ይሓብእዎ (ግሐ 5.1-2)። ነታ ብጽቡቅ ትጐዓዝ ዝነበረት ዘሎካ ናይ ምክፍፋል ጒዕዞ እዛ ፍጻሜ እዚኣ ትኰልፋ ሳዕቤኑ ከኣ ብጣዕሚ ዘሕዝን ይኸውን ብሞት ይዛዘም (ግሐ 5.5,10)። ሓዋርያ ጴጥሮስ ንዘይቅንዕና ኣናንያን በዓልቲ ቤቱን የጋልጽ ‘በል ሃናንያ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ክትሕሱ ኻብ ዋጋ እቲ ምድሪ ኸኣ መቒልካ ኽትሐብእሲ፡ ስለምንታይ ሰይጣን ንልብኻ መልኦ፧ ከይተሸጠስ ናትካዶ ኣይነበረን፧ ምስ ሸጥካዮስ፡ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን፧ ከመይ ጌርካኸ ነዚ ነገርዚ ብልብኻ ሐሰብካዮ፧ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሐሶኻን፡ በሎ።’ (ግሐ 5,3-4)ሃናንያ እንታይ ወረዶ እንተኢልና ሕልናኡ ተነጺሉ ግብዝና ኣጽይዎ በዚ ከኣ ንእግዚኣአብሔር ክሕሱ ጥቅሚ ገዛእ ርእሱ ከቀድም ክብለጽ ደልዩ። እቲ ቀዳማይን ሕሱምን ጸላኢ ናይዛ ማሕበረክርስትያን ግብዝነት ነበረ! ፍቅሪ ክርስትና ቆሰልው! እዚ ከኣ ከምእትፈቅር እናኣምሰልካ ጥቅሚ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ሃሰስ ትብል።  ሃናንያ እዚ ቓልዚ ምስ ሰምዔ፡ ወደቐ፡ ነፍሱ ኸኣ ወጸት።

በዚኸስ ወይ ነቲ ንጹሕ ምክፍፋል ዘሎካ ተጉድል ወይውን ነቲ ንጹሕ ፍቅሪ ተጉድል እዚ ከኣ ግብዝና ይብሃል! ካብ ሓቂ ምርሓቅ ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ይዕብልል ነቲ ናይ ሕውነትን ሓድነትን መንፈስ የቅህም እቲ በዚ ዝተጠቅዔ ከኣ ብውሽጡ ከርዲዱ መይቱ ክንብሎ ንኽእል። ከምዚ ዝገብር ኣብ ቤተክርስትያን ከም ጋሻ እዩ ዝነብር። ኣብ ቤተርክስትያናትና ብዙሓት ኣጋይሽ ሓለፍቲ መንገዲ ቱሪስት ወይ በጻሕቲ ኣለውና! ከም ምእታው ኣብ ቤተክርስትያን ይኣትው እዚኦም ዳርጋ ቱሪስት ናይ ካታኮምበ ክንብሎም ንኽእል። ነዚ ከምዚ ዓይነት ክርስትና ኣይፋል ንበሎ ነንሕድሕድና ከም ኣሕዋት ንነብረላ ቤተክርስትያን ደኣ ትሃልወና። መኽሰብ ጥራይ ንክትረክብ ካብ ካልኦት በለስ ክህልወካ ዝግበር ሕይወት ውዒሉ ሓዲሩ ውሽጣዊ ሞት እዩ ዘስዕብ። ዘሎኻ ይመስለካ እምበር መትካ ኢኻ። ክንደይ ሰባት ንቤተክርስትያን ቀረባ እዮም ኣዕሩኽቲ ካህናትን ኣቡናትን እዮም እንብሎም ጥቅሚ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ሃሰስ ክብሉ ምርኣይ የሕዝን። ንቤተክርስትያን ዘዕንው ኸኣ እዘን ግብዝናታት እዚአን እየን።

ሎሚ ጐይታ ኣብ ልዕሊ ኩልና ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍና ናይ ምድንጋጽ መንፈስ ኣፍሲሱ ንዝኾነ ናይ ግብዝና መንፈስ ኣሸኒፍና ንምድግጋፍ ክርስትና ክንዕጠቅ እሞ ቤተክርስትያን ናይ ንዋታዊ ምትሕጋዝ ማእከል ዘይኮነስ ደንጋጺት ኣደ ኩሎም ምናዳ ድኻታት ኰይና ነቲ ኣብ መሠረታ ዝነበረ ዘይበርስ ባህራ ክትለብስን ክትምስክርን ይሓግዘና እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

21 August 2019, 17:51