ንኣማዞንያ ዘቃጽል ዘሎ ሓደጋ ቀልጢፍና ደው ነብሎ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ሰንበት ዕለት 26 ነሐሰ 2019 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናንን ነጋድያን ጸሎተ መልአከ እግዚኣአብሔር ምስ ደገሙ ነቲ ኣብዚ ዕለታት እዚ ነቲ ከም ሳንቡዕ ዓለምና ዝፍለጥ ዞባ ኣማዞን ዘቃጽል ዘሎ ባርዕን ንልዕሊ 2,250 ትርቢዒት ኪሎመትር ሸፊኖ ዘሎ ትክን ብምዝካር ‘ብጃኹም ነዚ ሓደጋ ባሪዕ እዚ ደው ነብሎ’ እንክብሉ ሓያል ጻውዒት ኣቅሪቦም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብዚ ዕለታት እዚ ብመራኸቢ ብዙሓን ንከታተሎ ከምዘሎና ጠንቁ ገና ዘይተፈልጠ ባርዕ ሓዊ ነቲ ብሳንቡእ ዓለምና ዝፍለጥ ኣብ ዞባ ኣማዞን ዝርከብ ዱር ይህሞኾ ከምዘሎን ነቶም ዑቚባኻ ኣሎና ኢሎም ኣብቲ ዱር ዝነብሩ ዝነበሩ መበቆሎም ኣብኡ ዝኾነ ዜጋታት ዓቢ ጥፍኣት እንከስዕብ ንመላእ ዓለም ከኣ ኣብ ብከላ ከባብን ንዓለምና ዘዛርብ ዘሎ ክብታ ሙቐት ዓለምና ነውጺ ክሊማዊ ለውጥን ዓቢ ተጽዕኖ ከምዘለዎ እውን ተመልኪቱ።

እቶም ብጂ7 ወይውን ጉጅለ ሸውዓተ ዝፍለጣ ናይ ዓለምና ብቚጠባን ካልእን ዝሓየላ ናይ ዓለምና ሃገራት ጉባኤ የካይዳ እኳ እንተለዋ ንሃገረ ሩስያ ከኣ በቲ ንክረመያ ዝበሃል ክፍሊ ሃገር ኡክራይና ብምውራራ ወሰና ዘትሓዝዋ ክሳብ ናይታ ርእሰ ሓያላን ዝኾነት ኣመሪካ መራሒ ንክሊማዊ ለውጢ ንምግታእ ዝግበር ቃልሲ ኣይሓብሮን እየ ኢሉ ዝእውጅ ሓባራዊ ጉዳይ ዝነበረ ለውጢ ክሊማ ዓለምና ሎሚ ግን ጉዳይ ዞባ ኣማዞንያ ንኩሉ ዝትንክፍ  ብምዃኑ ኣብቲ ጉባኤ ጂ7 ዓቢ ጽልዋን ሻቅሎትን ኣስዒቡ ከምዘሎ እውን እንክምልከት ቅዱስነቶም ትማሊ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚእብሔር ነዚ ሳንቡእ ዓለምና ዝምርዝን ዘጥርፍእን ዘሎ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብዘይ ወዓል ሕደር ክንገትኦ ነዚ ዚስዕብ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

“ኣብ ኣማዞንያ ብዝተኸስቱን ገና እውን ይላብዑ ብዘለው ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኩልና ንሻቀል ኣሎና። ብጻዕሪ ኩልና ብዝቀልጠፈ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክውዕል ኩልና ኣብ ጸሎት ንጸመድ ዝተኻእለና ከኣ ነበርክት። እዛ ሳንቡእ ዓለምና ዝተሰምየት ዱር እዚኣ ንመላእ ኣህጉር ዓለምና ብግዲ ተድሊ እያ ኢሎም።”

ሕጹጽ ጉዳይ ኣብ ዘተ ጉጅለ 7

ብዛዕባ ቊጠባውን እዋናውን ጉዳያት ንክዛተዩ ኣቡ ከተ ብያሪጽ ናይ ሃገረ ፈረንሳ ተጋቢኦም ንዘለው መራሕቲ ሸውዓተ ብቚጠባ ዝሰልጠና ሃገራት ንጉዳይ ሓደጋ ባርዕ ኣማዞንያ እኹል ኣቃልቦ ብዘይምሃቦም ፕረሲደንት ሃገረ ብራዚል ቦልሶናሮ ቅሬታኦም ገሊጾም። እንተኾነ ሽሕኳ ዝዓበየ ክፋል ናይቲ ብሓዊ ዝተጠቅዔ ክፍሊ ኣማዞንያ ኣብ ክፍልታት ቦሊቭያን ብራዚልና ዝርከብ እንተኾነን ካብ ትማሊ ጀሚሩ ከኣ ናብ ወገን ኡራጋይ እውን ይላባዕ እንተሎ ንባዕላ እታ ንጉጅለ ሸውዓተ ብሸለልትነት ትኸስስ ዘላ ሃገረ ብራዚል ቅድሚ ትማሊ እያ ሠራዊታን ዘሎ ሓይላን ነቲ ባርዕ ንኸጥፍኡ ዘንቀሳቀሰት። ኣብ ዜናታት ይግለጽ ከምዘሎ ሃገረ ብራዚል ልዕሊ 44 ሺሕ ሠራዊታ ብሓይሊ ኣየርን መራኽብን ምድርን ተሰንያ ዘንቀሳቀሰት ቅድሚ ትማሊ እዩ።

እቲ ቀንዲ ጸገም ናይዚ ክፍሊ እዚ ነቲ ሳንቡእ ዓለምና ተባሂሉ ብዓለም ለኸ ደረጃ ክሕዛእ ተወሲኑ ዘሎ ዱር ኣማዞን ንዝተፈላለየ ቊጠባዊ መዓላ ንኸውዕልዎ ዝሻመው ዘሎ ሃብታማት ዓለምና ነቲ ቦታ ዱር ወይ ንሕርሻ መኽሰብ ዘሎዎ ነገራት ወይውን ካልእ ማዕድናት ሃሰስ ንምባል ብፍላጥ ሰደድ ሓዊ ብምርኳዕ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ልዕሊ 72 ሺሕ ባርዕ ሓዊ ከምዝተኸስተ ይግለጽ። እዚ ከኣ ነቲ ብዱር ዝተሸፈነ ከባቢ ንምዕናው ብ2018 ዓም ዝተገብረ ኮነ ኢልካ ዝፍጸም ዕንወት ብ84%% ከምዘዕበዮ እዩ ዝምልከት። እዚ ከኣ ዝገፍሔ ቦታ ሕርሻ ንምርካብ ክነ ኢልካ ዝግበር ምዃኑ ይግለጽ።

ጻውዒት ኣቡናት ደቡብ ኣመሪካ

ረኪበ ጳጳሳት ብራዚል ናይዚ ሓደጋ እዚ ሳዕቤን ብምዕዛብ ደጋጊሞም እዚ ጉዳይ እዚ ደው ክብል ጻውዒት ብምቅራብ ካብ ዝቃለሱ ጉባኤታት ረኪበ ጳጳሳት ላቲን ወይ ደቡብ ኣመሪካ ምዃኖም እንክምልከት ‘ዞባ ኣማዞን ዝግበኤን መንግሥታት ብሕልፊ ከኣ ሃገረ ብራዚል ኩነታት ኣየር ዓለምና ኣብ ምምዝዛን ዓቢ ግደ ንዘለዎ ዱር ኣማዞን ንምዕቃብ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ናይ ምክልኻል ውሳኔ ክ ወስዳ ንጽውዕ። ኣብዚ ግዜ እዚ ብዘረባን ቅድሚ ኩነታዊ ፍርድን ብምሃብ ዝግበር ወሳኔታት ቦታ የብሉን። ብግብሪ ሓደ ስጒምቲ እንተዘይተወሲዱ ሳዕቤኑ ሓያል ክኸውን እዩ። ከመይ 20%% ኦክሲጅን ዓለምና ዘውሕስን 10% ዝተፈላለዩ ፍጥረታት ዓለምና ዘዕቚብን ዱር ኣማዞን ምዕናው ማለት እትነብረሉ ካልእ ዓለም ሃሰስ ከም ምባል እዩ’ እንክብሉ ሓያል ጻውዒት ኣመሓላሊፎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
26 August 2019, 17:10