መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኢጣያን ናብ ሰበኻ ኣልባኖ መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኢጣያን ናብ ሰበኻ ኣልባኖ 

መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኢጣያን ናብ ሰበኻ ኣልባኖ

ዕለት 21 መስከረም 1953 ዓ.ም. ኣብ ሕይወተይ ዓቢይ ዕለት እዩ፡ በታ ዕለት ተመሃሮ ምኽንያት ናብቲ ዝተዳለወ በዓል ቅድሚ ምኻደይ፡ ኣብታ ዝሳተፈላ ቁምስና ክኸይድን ምስጢረ ኑዛዜ ክቕበል ደለኹ ነዚ እውን ፈጸምኩ፡ እታ ዕለት ምስቲ ዝጽበየኒ ዝነበረ ጐይታ ዝተራኸብኩላ ዕለት እያ፡

ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 21 መስከረም 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ላዚዮ ኣብ ዝርከብ ሰበኻ ኣልባኖ ላዚያዊ ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱ መደብ ከምዘለዎም ናይታ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ እቲ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስነቶም ኣብ ኣልባኖ ዝተፈላለየ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎም ፍጻሜታት እውን ዘጠቓልል እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኣልባኖ ላዚያዊ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮ፡ መደብ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተሓበሮም ዝተሰመዖም ናቶምን ናይ መላእ ሰበኻኦም ምእመናን ዓቢይ ሓጐስ ገሊጾም፡ ትዕድልቲ እዩ ቢሎም፡ እቲ ሰበኻ ዝተፈላለዩ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ታሪኻዊ ሕንጻታት ዝርከቦ እውን ብምዃኑ ምስ መንበረ ጴጥሮስ ዘጣምሮ ብዙሕ መንፈሳውን ባህላውን ሰብኣውን ሃብትታት ኣለዎ፡ ዕለት 21 መስከረም ቀዳም እዩ ዝውዕል፡ ናይቲ ሰበኻ ካቴድራል ዓመታዊ በዓለ ውካፈ እውን እዩ፡ ብፍላይ ከኣ ዕለት 21 መስከረም ቅዱስ ኣቦና ተመሃራይ እንከለዉ ካብ ጐይታ ንዝቐረበሎም ጸዋዕታ ሕራይ ዝበልሉ ዕለት እውን እዩ፡ ስለዚህ እቲ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ዓቢይ በዓል ዘብሎ ምኽንያት ብዙሕ እዩ ይብሉ።

ቅዱስ ኣቦና ናብ ሰበኻ ኣልባኖ ላዚያዊ ምብጻሕ ንኸካይዱ ካብ ሃገረ ቫቲካን ብማኪና እዮም ዝነቕሉ፡ ስለዚህ ናይ ማኪና ጉዕዞ እዩ፡ ብጐደና ኣፒያ ዘካይድዎ ናይ ማኪና ጉዕዞ እዩ፡ ዓመታዊ በዓል ናይ ኣልባኖ ካቴድራል ምኽንያ ኣብ ካቴድራል ምብጻሕ ከካይዱን፡ ኣብ ፊት እቲ ካቴድራል ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ እውን ክበጽሑን ኣብታ ናይታ ከተማ እውራ ኣደባባይ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ኣደባባይ ፒያ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ስብከት ክልግሱን እዮም። ኣደባባይ ፒያ ፊት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ ሕንጻ እዩ ዝርከብ፡ ስለዚህ ምስ መንበረ ጴጥሮስ ዓቢይ ታሪኻዊ ምትእስሳር ዘለዎ እዩ፡ ኣብኡ እውን ኣቲ ብኢየሱሳውያን ዝምራሕ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ከዋኽብቲ ስነ ምርምር ተዓዛቢ ማእከል ዝርከበሉ ስፍራ እውን እዩ፡ ዕጽዋት ማሕበር ደናግል ክላሪሰ ገዳም እውን ኣብ ፊቱ እየን ዝርከባ፡ እተን ደናግል ብመስኮት ናይ ገዳመን ኰይነን ነቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣደባባይ ፒያ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክከታተላ እየን።

ኣብ ኣልባኖ እትርከብ ባሲሊካ ቁስጥንጥንያዊት እያ፡ ኣብ ታሽዓይ ክፍለ ዘመን ዝተሓንጸትን፡ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ ካቴድራል ብዝተኻየደ ሕዳሴ ምኽንያት ስነ ስርዓት ባርዀት ሓድሽ መንበረ ታቦት ክሰርዑን መስዋዕተ ቅዳሴ ንኸዕርጉ ተዓዲሞም እቲ ምብጻሕ ዕለት 21 መስከረም 2008 ዓ.ም. ዝፈጸምዎ ክኸውን እንከሎ፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣልባኖ ምብጻሕ ዘካይዱሉ ዕለት መስከረም 21 እዩ፡ ዕለት 21 መስከረም 1953 ዓ.ም.  ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ዕለት 18 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ኣብ ዋዜማ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘምዕዎ ቃል

ዕለት 21 መስከረም 1953 ዓ.ም. ኣብ ሕይወተይ ዓቢይ ዕለት እዩ፡ ወዲ 17 ዓመት እየ ዝነበርኩ፡ ኣብ ኣርጀንቲና ወቕቲ ጽድያ ዝኣትወሉ እዩ፡ ኣብ’ዚ ኣብ ኢጣሊያ ቀውዒ ዝጅምረሉ ኣዋን እዩ፡ ስለዚህ በታ ዕለት ተመሃሮ ምኽንያት ናብቲ ዝተዳለወ በዓል ቅድሚ ምኻደይ፡ ኣብታ ዝሳተፈላ ቁምስና ክኸይድን ምስጢረ ኑዛዜ ክቕበል ደለኹ ነዚ እውን ፈጸምኩ፡ እታ ዕለት ምስቲ ዝጽበየኒ ዝነበረ ጐይታ ዝተራኸብኩላ ዕለት እያ፡

እንክብሉ ዕለት 21 መስከረም ኣብ ሕይወቶም ዘለዋ ዓቢይ መንፈሳውን ሰብኣውን ጦብላሕታ ከምዝገለጹ ብፁዕነቶም የዘኻኽሩ።

በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 21 መስከረም 2008 ዓ.ም. ናይ ኣልባኖ ባሲሊካ ምስ ተሓደሰ ንምብራኽ መንበረ ታቦት ኣብታ ሰበኻ ተረኺቦም መንበረ ታቦት ባሪኾምን መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፡ ካብኡ ንድሓር ዕለት 21 መስከረም ነታ ሰበኻ ዓቢይ ዕለት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ፡ ልሒቅ ር.ሊ.ጳ. መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስክበት እውን ነቲ ባሲሊካ ሕዳሴ ዝተኸፍለ ሰብኣውን ንዋታውን መስዋዕቲ ኵሉ ኣድኒቖም፡ ናይ ቅድስተ ማርያም ኣደነት ጠቒሶም ኣብዚ እዋን’ዚ ቅድስተ ማርያም ብእናታዊ ሓልዮታ ትዓቅብኩም ሓድሽ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ዝግለጽን ዝንበርን ብሕይወት ዝምስከር ቅድስትና ኣብ ምንባር ተዕብየኵም እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘኪሮም ብፁዕ ኣቡነ ሰመራሮ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኢጣያን ናብ ሰበኻ ኣልባኖ
13 July 2019, 18:07