ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ካብ ጐድኖም ንኸፍለይ ዝገበርዎ ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ካብ ጐድኖም ንኸፍለይ ዝገበርዎ ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ጴጥሮስ 

ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ካብ ጐድኖም ንኸፍለይ ዝገበርዎ ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ጴጥሮስ

ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢየሩሳሌም ጳውሎስ ሻድሻይን ኣብቲ እዋን ናይ ቁስጥንጥንያ ፓትሪያክ ምስ ዝነበሩ ብፁዕ ወቅዱስ ኣተናጐራ ድሕሪ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ እናጸንዔ ዝኸይድ ንዘሎ ምትእስሳር ኣፍልጦ ንምሃብ

ዕለት 26 ሰነ 1968 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ክልተ መዓልቲ ቅድሚ ምዝዛም ናይ እምነት ዓመት ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተክርስቶስ ኣብ ዝለገስሉ እዋን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ዓምጽ ምዃኑ ተፈልዩ ዝተለለየ ቅዱስ ቅርሲ ተረኺቡ እንክብሉ ዘበሰርዎ ብናይ ስነ ጥንቲ ተመራማሪት ማርገሪታ ጉዋርዱቺ ዝተመርሐ ጉጅለ ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ተፈልዩ ዝተረኽበ ጭራፍ ትሽዓተ ቅድስ ዓጽም ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንበርጠለመዎስ ቀዳማዊ ከምዝለገሱን፡ እዚ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ንር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ክቡር ቅዱስን ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ክቡር ናይ እምነት መግለጺ ቅዱስ ዓጽም ጭራን ንናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ፓትሪያርክ ተኸታሊ ቅዱስ እንድሪያስ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ዝሃብዎ ዓቢይ ህያብ ማንም ዘይተጸበዮ ከምዝነበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ብዘይ ቅድመ ሓበሬታ ንናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ተኸታሊ ቅዱስ እንድሪያስ ዝለገስዎ ቅዱስ ህያብ ፒዮስ መበል 12 ወርሒ ሰነ 1939 ዓ.ም. ቁሩቡ መዓልታት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ፡ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ትሕተ ምድር ናይ ዝካየድ ድልያን ምርምርን ስነ ቅርስን ስነ ጥንትን ዕዮ ንብፁዕ ኣቡነ ልድዊግ ካኣስ ክመራሕዎ ገይሮም ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ድልያን ምርምርን ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተቐበረሉ ቦታ ተፈልዩ ክርከብ እንከሎ፡ ቅዱስ ዓጽም ግና ኣብቲ እዋን ከምዝይተረኽበን፡ ኣብ 1950 ዓ.ም. በዓለ ልደት ዘእግዚእነ፡ ር.ሊ.ጳ. ፓቸሊ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ መቓብር ከምእተረኸበ ብዓብይ ታሕጓስ ንመላእ ኵልዊት ቤተ ክርስቲያን ከምዘበሰሩን፡ ተመራመርትን ናይ ስነ ቅርስ ሊቃውንቲ እውን ከምዘረጋገጽዎ ኣበሰሩ።

ር.ሊ.ጳ. ዘፈሪኖ (199-217 ዓ.ም.) ኣብቲ እዋን ናይ ሓደኣውነት መለኰት ዝብል ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርተ ነገረ መለኰት ኣማእኪሎም ምስ ሮማዊ ካህን ጋዮ ኣብ ዘካየድዎ ናይ መልእኽቲ ምልውዋጥ፡ ፕሮክሎ ነቲ ሓደኣነት ዝብል ጌጋ ትምህርቲ ሰዓቢ፡ ብጐደና ኦስቲየንሰ ኣቢልካ ናብ ሃገረ ቫቲካን እንተመጻእኻ፡ ነታ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ዘጽንዕዋ ዓወት ቅዱሳት መቓብር ጲጥሮስ ወጳውሎ ክትርእይ ኢኻ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ካብቲ ዝስዕቦ ዝነበረ ሓራጥቃዊ ትምህርቲ ክርሕቕ ከምዝመዓዱ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህዳር ይሕብር።

ኣብ 1952 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ጴጥሮ መቓብር ንምልላይ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ስነ ጥንቲ ዕዮ ትሕተ ምድር ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዳግም ተጀሚሩን ኣብቲ ዕማም ናይ ስነ ጥንቲ ተማራማሪት ማርገሪታ ጓርዱቺ እውን ከምእተዋስኣን፡ ኣብ 150 ዓ.ም. ዝተሓንጸ መንደቕ ምስ ተረኽበ፡ እቲ መንደቕ ብቀይሕ መደንቕ ዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ከይኑ፡ ኣብ 160 ዓ.ም. ዝተጻሕፈ ጴጥሮስ ኣብዚ ውሽጢ ኣሎ ዝብል ብግሪክ ቋንቋ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ከምእተረኽበን፡ እዚ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ መቓብር ምዃኑ ዝሕብር ጽሑፍ ስዒቡ ኣብ ዝተኻየደ ምርምር ኣብኡ ዝተረኽበ ዓጽም ኣብ 1964 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ምዃኑ ከምእተረጋገጸን፡ ኣብ 1965 ዓ.ም. ናይቲ ዝተበጽሐ ምርምር ውጽኢት ብወግዒ ተገልጸ። ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ ዘረጋግጽ ሓቀይና ኣንፈት ተረኽበ … ።

ዕለት 26 ስነ 1968 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ጽኑዕ ስነ ምርምር ስነ ቅርስን ስነ ጥንትን ዘዕተሮ ወጽኢት ብወግዒ፥ እቲ ዝተረኽበ ዓጽም ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ምዃኑ ከምእተለለየን፡ ነቶም ከይተሓለሉ ጽኑዕ ስነ ምርምርን ስነ ጥንታዊ ድልያ ንዘካየዱ ስለ ድኻሞም ኵሉ ነመስግን ከምዝበሉ ቶርኒየሊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ጠቒሶም ይሕብሩ።

ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ እቲ ቅዱስ ዓጽም ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ግሊ ቤተ ጸሎት ክቕመጥ ከምዝገበሩን፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ሕዳር 2013 ዓ.ም እብቲ ዝኣወጅዎ ናይ እምነት ዓመት መዛዘሚ ኣብ መበረ ታቦት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክንበር ከምዝገበሩን፡ ቅዱስ ኣቦና ካብቲ ቅዱስ የዕጽምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢየሩሳሌም ጳውሎስ ሻድሻይን ኣብቲ እዋን ናይ ቁስጥንጥንያ ፓትሪያክ ምስ ዝነበሩ ብፁዕ ወቅዱስ ኣተናጐራ ድሕሪ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ እናጸንዔ ዝኸይድ ንዘሎ ምትእስሳር ኣፍልጦ ንምሃብ ንፓትሪያርክ በርጠለመዎ ቀዳማዊ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ዕለት 29 ሰነ ክብረ በዓል ኣብቲ በዓል ብዝተረኽቡ ናይ ቅዱስጥንጥንያ ፓትሪያርክ ልኡካን ኣቢሎም ይብጻሕ ናብ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ እንክብሉ ከምዝለገሱ ቶርኒየሊ ሓቢሮም።

(Andrea Tornielli) 

[ Audio Embed ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ካብ ጐድኖም ንኸፍለይ ዝገበርዎ ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ጴጥሮስ]

 

01 July 2019, 17:48