ሃገረ ቫቲካን፡ ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ርእሰ ብሔር ፑቲን ሃገረ ቫቲካን፡ ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ርእሰ ብሔር ፑቲን 

ሃገረ ቫቲካን፡ ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ርእሰ ብሔር ፑቲን

ኣብ 2013 ዓ.ም. ደሓር እውን ኣብ 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦናን ርእሰ ብሔር ፑቲን ክሌኣዊ ርክብ ኣካይዶም ከምዝነበሩን እዚ ዕለት 4 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ ርክብ ንሳልሳይ ግዜ ምዃኑ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 4 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት ክልተ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ፈደራላዊት ሩሲያ ርእሰ ብሔር ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ርእሰ ብሔር ፑቲን ነሰነይቶም ናይ ሃገሮም ዓበይ ቲሰበ ስልጣናት ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣላልዮም ምስ ኣብቁዑ፡ ንሓደ ሰዓት ዝወሰደ ግላዊ ዘተ ከምዘካየዱን ድሕሪ ፍጻሜ እቲ ርክብ ርእሰ ብሔር ፑቲን ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ፑቲን ብናይ ሃገሮም ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ሰርገይ ላቭሮቭን ካልኦት ዓበይቲ ሰበ ስልጣናትን ተሰንዕዮም ሰዓት ክልተ ሃገረ ቫቲካን ምስ ኣተዉ ኣብቲ ሓደ ሰዓት ዝወሰደ ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ዝርከብ ቤተ መጻሕፍት ድሕሪ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሰላምታን ናይ ገጸ በረኸት ምልውዋጥን ስነ ስርዓት ተፈጺሙ፡ ቅዱስ ኣቦና ንርእሰ ብሔር ፑቲን ናይ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምዝዛም እትገልጽ መዳልያ ከምዘርኣይዎምን ነዚ ስዒቡ ዕለት 1 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ብምኽንያ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰላም መልእኽትን ተፈስሑ ወተሓሰዩ ዘርስታ ሓዋርይዊ ምዕዳንን ክርስቶስ ህያው እዩ ድሕሪ ዛዕባ መንእሰያት ዝዘተየ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳንን እቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ምስ ናይ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ብሓባር ከቲሞም ዘውጽእዎ ሰነድን ንርእሰ ብሔር ፑቲን ከምዝለገሱን ርእሰ ብሔር ፑቲን እውን ብወገኖም ሓደ ቅዱስ ምስልን መጽሓፍን ሓደ ዝተቐርጸ ፊልም ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ እቲ ናይ ሓምሳ ደቓይቕ ዝወሰደ ርክብ ርእሰ ብሔር ፑቲን ካብ ቅዱስ ኣቦና ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣብ 2013 ዓ.ም. ደሓር እውን ኣብ 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦናን ርእሰ ብሔር ፑቲን ክሌኣዊ ርክብ ኣካይዶም ከምዝነበሩን እዚ ዕለት 4 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ ርክብ ንሳልሳይ ግዜ ምዃኑ ይሕብር።

ሃገረ ቫቲካን፡ ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ርእሰ ብሔር ፑቲን

 

04 July 2019, 17:40