ቅዱስ ኣቦና ናይ ሩሲያ ርእሰ ብሔር ፑቲን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ

ኣብ 2000ን 2003 ዓ.ም. ርእሰ ብሔር ፑቲን ምስ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ኣብ 2007 ዓ.ም. ምስ በነዲክቶስ መበል 16ን ንፈለማ ግዜ ዕለት 25 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተራኸቡን

ቅንዕናን ፍስሓን ዝተነብሮ ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ርእሰ ብሔር ፑቲንን፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ብዛዕባ ዓለም ሓቆፍ ተንከፍ ጉዳያትን ምህዳርን (ከባቢ) ብዛዕባ ሕይወት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሩሲያን ዝምልከቱ ነጥብታት ሰፊሕን ጥልቅን ምይይጥ ከምእተገበረሎም ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣግልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ስምዕዕን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ ስነ ምህዳርን ዓለም ሓቆፍ ኣገዳስነት ዘለዎም ርእሰ ጉዳያት፥ ዛዕባ ሶሪያን ኡክራይንን ቨነዝወላን ከምኡ እውን ሕይወት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሩሲያን ዝምልከቱ ነጥብታት ዝተመያየጠ ልባዊ ምቅርራብ ዝተረአየሉ ክሌኣዊ ርክብ ምንባሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ዋና ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ድሕሪ እቲ ርክብ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፡ ርእሰ ብሔር ፑቲን ብናይ ወጻኢ ሚኒስተር ሰርገይ ላቭሮቭ ተሰንዮም ዘካየድዎ ምብጻሕ ከምዝዀነን፡ ርእሰ ብሔር ፑቲን ካብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክሌኣዊ ርክብ ከምዘካየዱ ኣፍሊጦም።

ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ቤተ መጻሕፍት ዝተኻየደ ርክብ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብናይ ቤተ ጳጳስ ህይነተ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ገዮርግ ጋንስዋይን ተሰንዮም ብናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስዊዘርላንድ ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታን ብናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ፈጸሚ ኣካላት ተሰንዮም ናብቲ ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍት ንዝበጽሑ ናይ ፈደራላዊት ሩስያ ርእሰ ብሔር ቭላድሚር ፑቲን ኣቀባብላ ምስ ገበሩሎም፡ ቅዱስ ኣቦናን ርእሰ ብሔር ፑቲንን ኣብቲ ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍት ናብ ዝርከብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍልዩ መንበር ኣትዮም ኣብ ዘካይድዎ ናይ 60 ደቓይቕ ናይ ግሊ ዝርርብ፥

ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር ሩሲያ

እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሩሲያ ናብ ዝበመለጸ ደረጃ ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ክሌኣዊ ርክብ ብኽልቲኦም ወገን ዝተሰምዖም ሓጐስ ገሊጾም፡ ኣብ መንጐ ሩሲያን ጳጳሳዊ ቤት ሕክምና ሕጻናት ሕጻነ ኢየሱስን ዝምልከት ናይ ስምምዕ ስነድ እውን ከምእተፈራረሙን ጂሶቲ ሓቢሮም።

ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት

ሰላምታን ናይ ገጸ በረኸት ምልውዋጥን ስነ ስርዓት ተፈጺሙ፡ ቅዱስ ኣቦና ንርእሰ ብሔር ፑቲን ናይ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምዝዛም እትገልጽ መዳልያን ነዚ ስዒቡ ዕለት 1 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰላም መልእኽትን ተፈስሑ ወተሓሰዩ ዘርስታ ሓዋርይዊ ምዕዳንን ክርስቶስ ህያው እዩ ድሕሪ ዛዕባ መንእሰያት ዝዘተየ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳንን እቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ምስ ናይ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ብሓባር ከቲሞም ዘውጽእዎ ሰነድን ንርእሰ ብሔር ፑቲን ከምዝለገሱን ርእሰ ብሔር ፑቲን እውን ብወገኖም ሓደ ቅዱስ ምስሊ ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎስን መጽሓፍ ስእላዊ ሰነድን ሓደ ብሩሲያዊ ናይ ፊልም ቀራጽን ደራስን ኣንድረይ ኮንቾሎቪስክይ ዝተቐርጸን ዝተደርሰን ቅዳሕ ፊልም ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ዋና ሓላፊ ጂሶቲ ገሊጾም፡

ዛዕባ ሶሪያ

ኣብ 2000ን 2003 ዓ.ም. ርእሰ ብሔር ፑቲን ምስ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ኣብ 2007 ዓ.ም. ምስ በነዲክቶስ መበል 16ን ንፈለማ ግዜ ዕለት 25 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተራኸቡን ሓቢሮም ብዛዕባ ምርግጋጽ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሶሪያን ዓመጽ ክውገድን ንሰላማዊ ሕዝቢ ናይ ሰብኣዊ ድጋፍ ንምቕራብ ዝግበር ጻዕርን ሰላማዊ መፍትሒ ንኽርከብ ብዛዕባ ዝግበሩ ዘለዉ ጻዕርታት ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ምይይጥ ናይ ሰላም ዘተ ዘለዎ ኣገዳስነት ብኽልቲኣቶም ወገን ከምተሰመረሉ ኣፍሊጦም።

ብኢንዳስትሪ ንዝማዕበላ ጉጅለ 20  ሃገራት ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ

ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ጉጅለ 20 ሃገራት ኣብ ፒተርስበርግ ናብ ዝተኻየደ ዋዕላ ብናይ ሩሲያ ርእሰ ብሔር ኣቢሎም ዘመሓላለፍዎ መልእኽትን ኣብቲ እዋን ቅዱስ ኣቦና እቲ ዓቢይ ሓደገይና ኩነታት ሶሪያ ጠቒሶም እተን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ 20 ሃገራት ኣብ ሶሪያ ሰላማዊ መፍትሒ ንኽርከብ ኣበርቲዔን ክዓያ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ጂሶቲ ኣዘኻኺሮም ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ተፈጻምነትን ተኻኣልን ዝዀነ ትብዓት እውን ዝሓትት ጉደና ሰላም ክነቓቓሕን ዘተ ርክብን ክህሉ ቅዱስነቶም ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ኣተሓሳሲቦም ብውግእ ንዝሳቐይ ዘሎ ህዝቢ ሰብኣዊ ድጋፍ ከይፍለዮ እውን ሓደራ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ቅልውላው ኡክራይን

ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ዒራቕን ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዝምልከትን ከምኡ እውን ኣብ ኡክራይን ዘሎ ቅልውላው ብምጥቃስ ቅዱስነቶምን ርእሰ ብሔር ፑቲንን ሓሳብ ንሓሳብ ከምእተለዋወጡን፡ ብዛዕባ ኡክራይን ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ እውን ርእሰ ብሔር ፑቲን ካብ ቅዱስ ኣቦና ተሰናቢቶም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዘካይድዎ ክሌኣዊ ርክብ ከምእተመያየጥሉ ጂሶቲ ኣፍሊጦም።

ናይ ሩሲያ ሰርጓዲት መርከብ ዘጋጠማ ሓደጋ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እታ ናይ ሩስያ ሰርጓዲት መርከብ ዘጋጠማ ሓደጋን ስዒቡ ዝወረደ ናይ 14 ዜጋታት ሕልፈት ምስ ተሓበሮም እግዚኣብሔር ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ንዘጋጠሞም ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ንስድራ ቤት ምዉታት እውን ብጸሎቶም ቀረባ ምዃኖም ዕለት 3 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ገሊጾም ከምዝነበሩ ዘዘኻኸሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣስዒቦም ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስነቶም ደጊሞም ብኣካል ንርእሰ ብሔር ፑቲን ዝተሰምዖም ከቢድ ሓዘን ከምዝገለጹሎም ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ብሔር ፑቱን ካብ ሃገረ ቫቲካን ተሰናቢቶም ብቐጥታ ናብ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሕንጻ ብምኻድ ምስ ናይ ኢጣሊያ ረፓብሊካዊት ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላን ቀጺሎም እውን ኣብ ሕንጻ ኪጂ ምስ መራሔ መንግስቲ ጁዘፐ ኮንተን ብዛዕባ ክሌኣዊ ርክብ ኢጣሊያን ሩሲያን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ናይ ኢጣሊያ በርገሳውያን ማሕበራት ኣሳቲፉ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ከምእተሳተፉን፡ ኣብ ሕንጻ ማዳማ ናይ ድራር ዕድመ ተገይሩሎምን ምስ መራሔ መንግስቲ ኮንተ ናይ ግሊ ርክብ ኣካይዶም ከምእተሰናበቱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣኪይሊኖ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ናይ ሩሲያ ርእሰ ብሔር ፑቲን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ
05 July 2019, 16:25