ሙራይ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን ምኽትል ዋና ሓላፊ ንኽዀና ብር.ሊ.ጳ. ተሰምየን ሙራይ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን ምኽትል ዋና ሓላፊ ንኽዀና ብር.ሊ.ጳ. ተሰምየን 

ሙራይ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን ምኽትል ዋና ሓላፊ ንኽዀና ብር.ሊ.ጳ. ተሰምየን

ብወገኖም፡ ሰብኣውን ፍልጠታውን ሃብትን ተመክሮን ራዲዮ ቫቲካንን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜናን ኣፍልጦ ዝህብ ሕርየት እዩ

ኣብ ብራዚል ሪዮ ደ ጃነይሮ ዝተወልዳ በዓል ሓዳር ኣደ ክልተ ቆልዑ ካብ 1995 ዓ.ም. ኣትሒዘን ኣብ ራዲዮ ቫቲካን መደብ ቋንቋ ፖርቱጋል ብጋዜጠይናነት ምግልግላ ዝጀመራን ካብ 2018 ዓ.ም. ኣትሒዘን እውን ነቲ ዛዕባ ኣማዞን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብናይ ከባቢ ሃገራት ኣማዞን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ 2019 ዓ.ም. ዝካየድ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳ ኣብ መደብ ምስንዳው ዘገልግላ ዘለዋን ዶክተር ክሪስቲያነ ሙራይ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምኽትል ዋና ኣመሓዳሪት ንኽዀና ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ከምእተሰመያ ሎሚ ዕለት 25 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ብወግዒ ከምእተገልጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ክርስቲያነ ሙራይ ኣብ ብራዚል ከተማ ሪዮ ደ ጃነይሮ ኣብ 1962 ዓ.ም. ዝተወልዳን ብስነ ምሕደራ ትካላን ስነ ቁጠባን ሪዮ ደ ጃነይሮ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ዝተመረቓን ካብ 1995 ዓ.ም. ኣብ ራዲዮ ቫቲካን መደብ ቋንቋ ፖርቱጋል ብጋዜጠይናነት ሙያ ምግልጋል ዝጀመራን ናይ ቫቲካ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና መደብ ቋንቋ ፖርቱጋል ወግዓዊ ድረ ገጽን ፍፈይስ ቡክን ትዊተርን ኢንስታግራምን ዩቱይብን ዘመሓድራን ካብ ዕለት 22 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምኽትል ኣመሓዳሪ ኰይነን ንኸገልግላ ብቕዱስ ኣቦና ተሰምየምን።

እቲ ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ዛዕባ ኣማዞን ዝዝትይ ሲኖዶስ ካብ 2018 ዓ.ም. ዝተበገሰ ኣብ መደብ ቅድመ ምድላዋት ምስ ዝዓዩ ድርገት ዝዓያን ቋንቋ ፖርቱጋልን ኢንግዘይናን ስፓይኖሎን ፈረንሳይናን ዝፈልጣ እየን፥

ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሓላፍነ’ዚ ከምዝሰመዩኒ ምስ ሰማዕዅ ታሕጓስን ከምኡ እውን ዓቢይ ሓላፍነትን እዩ ዝስምዓኒ ቢለን፡ እዚ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ነዘኻዕበቶ ተመክሮ ኣፍልጦ ዝህብ እዩ ቢለን ንወጌልን ቃል ቅዱስ ኣቦናን ቅድስቲ መንበርን ናብ ኵሉ ምብጻሕ ዝብል ተልእዀ ዘለዎ ኣገልግሎት እዩ ቢለን ቅድም ቀዳድም ቅዱስ ኣቦና አመስግን ከምኡ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንት ሩፊኒን ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ኣሰናዳኢ ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ቶርኒየሊን ናይ ብፁዓን ጳጳሳ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ባልዳሰሪን አመስግን ቢለን ንናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን ዋና ሓላፊ ብሩኒን ንመላእ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን ሰራሕተይናታት ምሉእ ምትሕብባር አረጋግጽ እንክብላ ምስ ቫቲካን ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ኣፍሊጠን።

ህየንተ ሩፊኒ፡ እዚ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓንን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ጉዳይ ኵላውነት ባህርይኡ መግለጺ ምዃኑ የረጋግጽ እንክብሉ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን ዋና ሓላፊ ብሩኒ፥ ሙራይ ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ምኽልት ዋና ሓላፊት ኰይነን ምሕራየን ዝተሰምዖን ሓጐስ ገሊጾም ብስሞምን ብመላእ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ሰራሕተይናታት ስም እንቋዕ ደሓን መጻእክን ይብሉ፡ ኣሰናዳኢ ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ቶርኒየሊ እውን ብወገኖም፡ ሰብኣውን ፍልጠታውን ሃብትን ተመክሮን ራዲዮ ቫቲካንን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜናን ኣፍልጦ ዝህብ ሕርየት እዩ እንክብሉ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይገልጹ።

ሙራይ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን ምኽትል ዋና ሓላፊ ንኽዀና ብር.ሊ.ጳ. ተሰምየን
25 July 2019, 17:28