ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሕውነት ስም እግዚኣብሔር ብምርካስ ኣብ ልዕሊ ዝፍጠር ዓመጽ ተዓዋቲ እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሕውነት ስም እግዚኣብሔር ብምርካስ ኣብ ልዕሊ ዝፍጠር ዓመጽ ተዓዋቲ እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሕውነት ስም እግዚኣብሔር ብምርካስ ኣብ ልዕሊ ዝፍጠር ዓመጽ ተዓዋቲ እዩ

እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምኽንያት ስለ እቶም ሞትን ማህሰይትን ዝወረዶምን ኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ጉድኣትን ወትሩ ዝጽልዩ ምዃኖም ከረጋግጹ እንከለዉ

ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 25 ዓመት መጥቃዕቲ ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ልዕሊ ዋና መቐመጢ ማሕበር ጥርናፈ እስራኤላውያን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጸም ድሮ 25 ዓመት ሓሊፉ፡ ሎሚ ልክዕ ከምቲ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፍጸመሉ ዕለት 18 ሓምለ ኣብ ዝካየድ መዓልቲ ዝኽሪ፡ ብጸሎተይን ብልብን ነቶም ኣብቲ እዋን ግዳይ መጥቃዕቲ ንዝዀኑ እዝክር፡ ኣባይቲ ስድራኦምን ሰዓብቲ ሃማኖት ኣይሁድን ሰዓብቲ እምነት ክርስትናን ኵሎም አሰንይን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብስም ሃይማኖት ናይ ሰባት ሕይወትን ተስፋን ምስትንዓቕን ምክሳፍን  ጽላለን ስም እግዚኣብሔር ምርካስን እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ዋና መንበር ማሕበር ጥርናፈ እስራኤላውያን ኣብ ኣርጀቲና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ዝዝከረሉ ቅነ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ዕለት 18 ሓምለ 1994 ዓ.ም. ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 85 ሰባት ንሞት ካልኦት 800 ንማህሰይቲ ሓደጋ ዘቃልዔን እዚ ዝኽሪ’ዚ ነቲ ናይ ዓቢይ ሰብኣዊ ስድራ ኣካል ንዝዀነ ንናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ሕልናን ሓላፍነትን መግናሕትን ወቐሳን እዩ።

ንውግእ ዘለዓዕል ሃይማኖት ዘይኰነ እቲ ኣብቶም ዘይስነ ሞጐታዊ ተግባራት ኣብ ዝፍጽሙ ሰባት ጸልማተ ልባቶም ምዃኑ ኣጸቢቕና ንፍለጦ

ዝበሉ ቅዱስነቶ ናብቲ ናይቲ ናይ ኣርጀንቲና ናይ ኣይሁድ ማእከል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽትን ብናይ ኣርጀንቲና መራኸቢ ብዙሓን ዝተዘርግሔን መልእኽቶም  ኣስዒቦም፡ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምኽንያት ስለ እቶም ሞትን ማህሰይትን ዝወረዶምን ኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ጉድኣትን ወትሩ ዝጽልዩ ምዃኖም ከረጋግጹ እንከለዉ፡

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት 18 ሓምለ ልክዕ ከምቲ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመላ ዕለት ብጸሎትን ብልብን ነቶም ኣብቲ እዋን ግዳይ መጥቃዕቲ ንዝዀኑ እዝክር፡ ኣባይቲ ስድራኦም ሰዓብቲ ሃማኖት ኣይሁድን ሰዓብቲ እምነት ክርስትናን ኵሎም ብጸሎተይ አሰይን፡ እግዚኣብሔር ነቶም በቲ ግብሪ ጽላለ ግዳይ ዝዀኑ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ክጽግወኦም ካብታ ዕለት እቲኣ ኣትሒዘ ካብ ምጽላይ ኣይበዀርኩን፡ ነቶም ካብቲ መጥቃዕቲ ንዝተረፉን ማህሰይቲ ጥራሕ ንዘጋጠሞም እውን እጽልይ፡ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብርግጽ ኣብ ኣርጀንቲና ይፈጸም ደኣ እምበር ኣብ ኣርጀንቲና ዘይውሰን መልእኽቲ ከምዝነበሮ ፍሉጥ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ኣስዒቦም በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ናይቲ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍና ዝጸወዓና ኣሕዋት ናይ ምዃንና ጸዋዕታ ትርጉምን ሓላፍነትን ብምዝኽኻር፡

ውግእ ዘለዓዕልን ናብ ውግእ ዘጣቝስን ሃይማኖት ዘይኰነስ እቲ ኣብቶም ኢርትዓዊ ተግባር ዝፍጽሙ ሰባት ዘሎ ጸላማት ልባቶም እዮ”፡ እግዚኣብሔር ከም ኣሕዋት ብሓባር ንኽንነብር እዩ ዝጸውዓና፡ እዚ ሕውነታውነት’ዚ ክንየው ኵሉ መልክዓ ምድራኣዊ ኣቀማምጣን ስነ ሓሳብን ፍልልያት የተሓቛቑፈናን የሕብረናን። ልዕሊ ኵሉ ኣብ ምክብባርን ምቅብባልን ዕሴታት ዓቢይ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ንኸነቕውም የብቅዓና፡ እዚኣቶም ዕሴታት ንመጻኢ ትውልድ ከነመሓላልፎም ዝተጸዋዕና ኢና። እግዚኣብሔር ብዅሉ መሰልን ክብርን ማዕረ ገይሩ እዩ ዝፈጠረና፡ ኣብ ሓላፍነት እውን፡ ሰላምን መሰልናን ሓላፍነት እውን እዩ፡ ኣብዚ ኣብ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምሳዅም እሓብር ምሳዅም ሓቢረ እጽልይ፡ ምእታዅም እጽልይ!  

እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ካምፓኒለ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሕውነት ስም ኣግዚኣብሔር ብምርካስ ኣብ ልዕሊ ዝፍጠር ዓመጽ ተዓዋቲ እዩ
13 July 2019, 17:49