ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሕንጻ ጠቕላሊ ሓለቓን መማክርትን ማሕበር ኢየሱሳውያን ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሕንጻ ጠቕላሊ ሓለቓን መማክርትን ማሕበር ኢየሱሳውያን 

ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሕንጻ ጠቕላሊ ሓለቓን መማክርትን ማሕበር ኢየሱሳውያን

ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ባሕረ ሓሳብ ዕለት 31 ሓምለ ዝበዓል ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘሎዮላ መስራቲ ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ኢየሱሳውያን ምኽንያት

ዕለት 8 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ወጻኢ ሃገራት ናይ መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጋዜጠናታት ንዘቕረብሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሕንጻ ጠቕላሊ ሓለቓን መማክርትን ማሕበር ኢየሱሳውያን ምብጻሕ ከምዘካየዱ ኣረጋጊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ባሕረ ሓሳብ ዕለት 31 ሓምለ ዝበዓል ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘሎዮላ መስራቲ ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ኢየሱሳውያን ምኽንያት ኣብ ሮማ ግዳማዊ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ሕንጻ ጠቕላሊ ሓለቓን መማክርትን ማሕበር ኢየሱሳውያን ዕለት 7 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ምብጻሕ ከምዘካየዱን ኣብኡ ምስ ማሕበር ኢየሱሳውያን ጠቕላሊ ሓለቓን መማኽርቶምን ናይ ምሳሕ መኣድ ከምእተቛደሱን ጂሶቲ ገሊጾም፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እውን ንናይ ማሕበሮም ኢየሱሳውያን ኣሕዋቶም ዝመሓደሩሉ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ጠቕላሊ ሓለቓን መማክርትን ሕንጻ ብምኻድ ግላዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ከምዝነበሩ እውን ኣዘኻኺሮም ብፍላይ ብምኽንያ ዓታዊ በዓል ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘሎዮላ መስራቲ ማሕበር ኢየሱሳውያን ዝፍጽምዎ እዩ ኢሎም።

ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሕንጻ ጠቕላሊ ሓለቓን መማክርትን ማሕበር ኢየሱሳውያን
09 July 2019, 18:17