ቅርበትን ጸሎትን ቅዱስ ኣቦና ንወላዲት ቪንሰንት ላምበርት ቅርበትን ጸሎትን ቅዱስ ኣቦና ንወላዲት ቪንሰንት ላምበርት 

ቅርበትን ጸሎትን ቅዱስ ኣቦና ንወላዲት ቪንሰንት ላምበርት

ቅዱስ ኣቦና ብስልኪ ንወላዲት ቪንሰንትን ንመላእ ስድራቤተንን ዘለዎም ሰብኣውን መንፈሳውን ቅርበት ገሊጾም ኣብ ጸሎተይ ህልዋን ኢኻትኩም ከምዝበልወን ዕለት 19 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም

ኣብ ፈረንሳ ብሓደጋ መኪና ምኽንያት ብዘጋጠሞ ከቢድ ማህሰይትን ነዚ ስዒቡ ብዝወረዶ ሕማም ልምሰት ዓንደ ሕቖን ንትሽዓተ ዓመት ዝኣክል ብሕክምና ዝእለይ ዝነበረ ፈረንሳዊ ቪንሰንት ላምበርት ኣብቲ ዝሕክመሉ ዝነበረ ቤት ክንክን ጥዕና ረይምስ  ብሕይወት ንኽጸንሕ ብሕክምና ዝወሃቦ ዝነበረ መግባውን ውህዶ - ማይን ፍወሳ ብምቁራጽ ዋላ’ኳ ኣብ ጫፍ ሞት ዘይነበረ ይኹን ኣብ ትሑት ነፍሰ ኣፍልጦ ዘለዎ ገሊኣቶም ኣውን ኣብ ዕጽዋተ ሕይወት ኣሎ እንክብሉ ዝገልጽዎ ዝነበረ ፈረንሳዊ  ወዲ 42 ዓመት ዕለት 11 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ክምዝዓረፈ ዝዝከር ኰይኑ፡ ቪንሰንት ባህርያዊ ሞት ዘይኰነ፡ ንኽመውት መታን እቲ ዝወሃቦ ዝነበረ ወይ ብሕይወት ክጸንሕ ዝድግፎ ዝገብሮ ሕክምና ስለ ዝተቛረጸ እዩ ዝዓረፈ።

ስምዖን ተ. ኣረኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ላምበርት ከምዝዓረፈ ምስ ሰምዑ ስሌኡ ከምዝጸለዩ ኣረጋጊጾም፡ እግዚኣብሔር ኣብ፡ ቪንሰንት ላምበርት ኣብ ሕቑፎኻ ተቐበል፡ ክነብር ዘይግኦ ሕይወት ቢልና ብምፍራድ ሰባት ንሞት ዝዳረግ ስልጣነ ኣይንሕነጽ፡ ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ወትሩ ክቡር እዩ ዝብል ናይ ትዊተር መልእኽቲ እውን ከምዝፈነዉን፡ ቪንሰት ዝወሃቦ ዝነበረ ሕክምና፡ ሓኻይም ካብ ዕለት 2 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ክቋረጽ ወሲኖም ነዚ ስዒቡ ዕለት 11 ከምዝዓፍረፈን፡ ኣብቲ እዋን ነዚ ዝሰምዑ ቅዱስ ኣቦና እግዚኣብሔር ኣቦ ኣብ ሕቖፎኡ ይቀበሎ እንክብሉ ከምዝጸለዩን ንወላዲት ላምበርት ቪንሰት ወደን ኣብ ዝዓረፈሉ ዕለት 11 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ብስልኪ ንወላዲት ቪንሰንትን ንመላእ ስድራቤተንን ዘለዎም ሰብኣውን መንፈሳውን ቅርበት ገሊጾም ኣብ ጸሎተይ ህልዋን ኢኻትኩም ከምዝበልወን ዕለት 19 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ሕብረተሰብ ሰብኣዊ ዝኸውን ሕይወት ምስ ዝከላኸል እዩ

ቪንሰንት ኣብ ጻዕረ ሞት እዩ ዝነበረ፡ ይኹን ደኣ እምበር ብዘይ ምንም ድጋፍ የስተንፍስን ህርመት ልቡ እውን ህያው እንተነበረን ብናይ ሕክምና መሳርዕ ድጋፍ መሰረት ዝወሃቦ ዝነበረ መግባውን ውህዶ - ማይን ፍወሳ ብምቁራጽ፡ ብጥምየትን ጽምእን ክምእተቐትለን፡ ብዙሓት ህሙማን ኣብ ገዛእ ርእሶም ተሓዲጐምን ንኽሞቱ ዝመርጽ ሕብረተሰብ፡ ሓደ ሕብረተሰብ ሰብኣዊ ዝኸውን ሕይወት ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነትን ኣበይን ብዘይገድስ ምስ ዝከናኸንን ዘኽብርን እዩ፡ ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ምዕቃብ፡ ሓኻይም ኣገልገልቲ ሕይወት እምበር ሕይወት ዝዀልፉን ዝቕንጽሉን ክይኰኑ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ጻውዒት የቕርቡ ከምዝነበሩ ይዝከር፡ ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ክኽበር ተተሓሳስብ።

ናይ ሕይወት ጐይታ እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ስም ላብነርት ከይጠቐሱ ብትኽክል ሰለስት ሳዕ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 15 ሚያዝያ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖን ዕለት 18 ሚያዝያ ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን እንግሊዛዊ ሕጻን ኣልፊየ ጠቒሶም፥ ህሙማን ብቑዕ ክንክን ጥዕና ክረኽቡን ኣባይቲ ስድራ ህሙማንን ሓኻይምን ሕብረተሰብን ሕይወት ኣብ ምክንኻን ክተግሁ፥ ናይ ሕይወት ጐይታ እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ፡ ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክዕቀብን፡ ናይ ሕይወት መጀመርታን ባህርያዊ ፍጻሜን እግዚኣብሔርን ኣብ እግዚኣብሔርን እዩ፥ እዚ ኸኣ ሓላፍነትና ሕይወት ምክንኻንን ምዕቃብን ምዃኑ የዘኻኽረና ከምዝበሉ ይዝከር።

ሕይወት ምፍቃርን ብጻይካ ምክንኻንን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ኵሎም እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ሕይወት ምክልኻል ናይ ዝዀነ ይኹን ሕይወት ሓደራ ይብሉን ይምዕዱን፡ እንነብረሉ ዘሎና ሕብረተሰብ ሰብ ከም ድርባይን ጓሓፍን ዝርእይ ኩነትን ኣነባብራን ዝፈጥርን ብፍላይ ንሕጻናትን ኣረጋውያንን ህሙማንን ድኻታትን፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ዕለት 30 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ናይ ስነ ምርምርን ስነ ሕይወትን ተቕዋም ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ናይ ሓደ ስልጣነ ምዕባለ ሕይወት ኣብ ምክንኻን ብዘለዎ ብቕዓት እዩ ዝምዘን፡ ኣክንዲ ንናይ እደ ጥበባዊ ምዕባለን ዝርጋሔኡን ምጥማት፡ ብፍላይ ሕይወት ኣብቲ ኣዚዩ ተኣፋፊ ኣብ ዝዀነሉ ኣርከን ክንክንን ሓለዋን ክግበረሉን፡ ብዛዕባ ሰብ ክንዛረብ እንከሎና እቲ ኣብ ልዕሊናይ ሕይወት ክቡርነት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ክንዝንግዕ የብልና፡ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሕይወት፥ ጽንሲ ምንጻል ድዩ፡ ኣሕዋትና ኣብ ማያት ባሕሪ ክጥሕሉ ምሕዳንግን ዝኣመሰሉ ፈተናታት፡ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕትን ውግእን ዓመጽን ቃንዛ ዘይብሉ ሞት ንገዛእ ራሱ እውን እዚ ዅሉ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሕይወት እዩ፡ ሕይወት ምፍቃር ወትሩ ምእንቲ ካልእ ሓልዮትን ንብጻይካ ምክንኻንን ጽቡቕ ምድላይን እቲ ደረት ሰገር ዝዀነ ክብሩ ምኽባርን

ከምዝበሉ ይዝከር።

ቅርበትን ጸሎትን ቅዱስ ኣቦና ንወላዲት ቪንሰንት ላምበርት
20 July 2019, 17:02