ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንፓትሪያክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ዝለገስዎ ሓደ ጭራፍ ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንፓትሪያክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ዝለገስዎ ሓደ ጭራፍ ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ጴጥሮስ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንፓትሪያክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ዝለገስዎ ሓደ ጭራፍ ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ጴጥሮስ

ብናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣንድረያ ፓልሚየሪ ንፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ከምእተረከበን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዕለት 29 ሰነ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ወኪሎም ብዝተረኽቡ ልኡካን ኣቢሎም ካብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ቤተ ጸሎት ዝተነብረ ቅዱስ የዕጽምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓደ ጭራፍ ቅዱስ ዓጽም ከብር ናይ እምነት ህያብ ናብ ፓትሪያክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ከምዝለኣኹ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ዣን ሻርል ፑዞሉ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ወኪሎም ዕለት 29 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ክብረ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ብዝሓበሩ ልኡካን ኣቢሎም ማንም ከይሓሰቦን እቶም ልኡካን እውን ይዅን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ እውን ዘይተጸበይዎ ጭራፍ ቕዱስ ኣጽም ቅዱስ ጴጥሮስ ንብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳምዊ ከምዝለኣኹን ቅዱስ ኣቦና ብዝገበርው ዓቢይ ግብረ ልግሲ መላእ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት በተ ክርቲያንን በርጠለመዎስ ቀዳማውን ብምድናቕ ዓቢይ ሓሴት ክምዝፈጠረሎም ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ቅዱስ ህያብ ክልግሱ ምዃኖም ዕለት 29 ሰነ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፡ ንፓትሪያርክ ሓወይ በርጠለመዎስ ብኣኻትኩም ልኡካን ኣቢለ ገጸ በረከት ክልእኽ እየ ዝብል ቃል ከምዘስምዑን እቶም ልኡካን እውን እንታይን ዓይነት ገጸ በረከት ይኹን ዝፈልጥዎ ነገር ኣይነበረን፡ ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክስዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ዝመርሑ ንሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጃብ ሓቢሮም ምስኦም ናብ ናይ ኣርእስቲ ሊቃነ ጳጳሳት ቤተ ጸሎት ክኸዱ ዓዲሞም ነቲ ኣብቲ ቤተ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ክዕቀብ ዝገበርዎ ካብቲ ቅዱሳን የዕጽምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓደ ፍንጫል ነቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ውህደት ዝሓቀነ ዝግበር ዘሎ ናይ ሓባር ጉዕዞ ንዘዕተሮ ዓበይቲ ውጽኢት ኣፍልጦ ሂቦም ናብ ውህደት ንዝግበር ጉዕዞ ጭቡጥ ትእምርቲ ዝምስክር ከም ገጸ በረከት ከምዝልገሱ ፑዞሉ ገሊጾም።

ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ዝተሰምዖም ሓቢይ ሓጐስ

ናይ ተልሚሶስ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውሁደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ዝመርሑ ብፁዕ ኣቡነ ጆብ ስለ እቲ ዝተወሃበ ገጸ በረከት ንፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ምስ ሓበሩ ብፁዕ ቅዱስ በርጠለመዎስ ዝተሰምዖን ዓቢይ ሓጐስ ከምዝገለጹን፡ እቲ ጭራፍ ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ኢስጣምቡል ንምብጻሕ ፍልዩ ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ተዳልዩን ዕለት 30 ሰነ 2019 ዓ.ም.  ብናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣንድረያ ፓልሚየሪ ንፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ከምእተረከበን፡ ባዕሎም ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎ ዕለት 29 ሰነ ኣብ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎ ኣብ ዝበዓለትሉ ዕለት 30 ሰነ ንመላእ ምእመናኖም ከምዝገለጹን ንመላእ እታ ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ዓቢይ ምኽንያት ሓጐስ ከምዝዀነ ፑዞሉ ሓቢሮም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንፓትሪያክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ
01 July 2019, 17:55