ድለ

ሃገረ ቫቲካን፥ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡይክራይን ሃገረ ቫቲካን፥ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡይክራይን 

ሃገረ ቫቲካን፥ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡይክራይን

ኣብዚ ዓውደ ርክብ’ዚ ኣብ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓተ ኣምልዀ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ኪየቭ ዓቢይ ሊቀ ጳጳስ ሃልቪች ስቭጃቶስላቭ ሸቭቹክን ናይ ሲኖዶስ ቀዋሚ ኣባላትን እቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝምልከቶም ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ኵሪያ ሮማና ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ላዕለዎት ኣካላት ይሳተፉ ከምዘለዉ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ስንኩፍ ዝዀነ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡክራይን እትነብሮ ኩነት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ር.ሊ.ጳ. ምይይጥ ንምክያድ ብዘቕረብዎ ውሳኔ መሰረት ናይታ ኣብ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባላት ቋሚ ሲኖዶስ ሃገረ ቫቲካን ከምዝኣተዉን እዚ ኪደት’ዚ ር.ሊ.ጳ. ንምስራቓውያን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ንዘለዎም ቅርበት ትእምርቲ ምዃኑ ይግለጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ክሳብ ዕለት 6 ሓምለ ዝቕጽል ዓውደ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ቋሚ ሲኖዶስ ኣባላት ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡክራይን ሎሚ ዕለት 5 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከምእተጀመረን፡ ኣብዚ ዓውደ ርክብ’ዚ ኣብ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓተ ኣምልዀ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ኪየቭ ዓቢይ ሊቀ ጳጳስ ሃልቪች ስቭጃቶስላቭ ሸቭቹክን ናይ ሲኖዶስ ቀዋሚ ኣባላትን እቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝምልከቶም ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ኵሪያ ሮማና ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ላዕለዎት ኣካላት ይሳተፉ ከምዘለዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

ትእምርቲ ቅርበት

ዝሓለፈ ዕለት 4 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኡክራይን እትርከበሉ ስንኩፍ ኩነት ኣመልኪቱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት፥ ቅዱስ ኣቦና ቅርበቶም ነታ ኣብ ኡክራይን ንእትርከብ ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጢ ኡክራይንን ወጻእን ንእተሳልጦ ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልው ንምርግጋጽን ብዛዕባ ስንኩፍ ኩነታት እታ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡክራይን ንኽመኽሩን ብሓባር መፍሒ ንኸናድዩ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዓውደ ምይይጥ ንኽካየድ ከምዝጸውዑን እዚ እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል እትስዕቦ ኪደት ሜላታቱን ስሉጥነቱን ፍርያምነቱን ንምትብባዕን ድጋፍን ነቶም ዝሳቐዩን ሰላም ንምንቕቓሕን እታ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡክራይን እተቕርቦ ድጋፍን ኣስተዋጽኦን ዘጽንዕ እውን ምዃኑ ቸንቶፋንቲ ኣፍሊጦም።

ብቕዱስ ኣቦና ዝተነቓቕሔ መደብ ሰብኣዊ ድጋፍ ንኡክራይን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘለዎም ቅርበት ግልጽን ንጹርን እዩ፡  ኣብቲ ሓሙሽተ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ውጥረት ኣብ ዝረአይሉ ከባቢ ንእትርከብ ኣብ ኡክራይን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጭቡጥ ድጋፍ ብምቕራብ ካብ 2016 ዓ.ም. ሰብኣዊ ድጋፍ ናይ ምቕራብ ጐስጓስ ኣበጊሶምን ኣብዚ መደብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳን መላእ ምእመናን ዓለምን ዘሳተፈን ካልኦት ሃይማኖታትን ኣቢያተ ክርስቲያንን ዘተሓባበረን እውን ምንባሩ ይዝከር።

ጸሎት ምእንቲ ሰላም

ኣብ ኡክራይን ሰላም ክወርድን ውሑስ ክኸውንን ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ቅዱስ ኣቦና ንጹር እዩ፡ ዕለት 21 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም.፥ ኣብዚ እነብዕሎ በዓለ ፋሲካ፡ ናይቲ ኣብቲ ውጥረት ገና ዝቕጽለሉ ኣብ ዘሎ ከባቢ ምብራቕ ኡክራይን ዝነብር ሕዝቢ ምጽንናዕ ክዕደልን ጐይታ ነቲ ሕዝቢ ንምድጋፍን ነባሪ ሰላም ውሑስ ንምግባር ንዝነቓቕሑ ተበግሶታት የበርትዕ ቢሎም ከምዝነበሩ ቸንቶፋንቲ የዘኻኽሩ።

ርክብ ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን

ዕለት 21 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኡክራይን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ጉጀሮቲ ተቐቢሎም ኣብ ዘዛራረብሉ እዋን፡ ብዛዕባ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡክራይን ዘሎ ውሽጣዊ ጸገምን፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡክራይን እቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ውጥረት ንኽእለይ ንናይ መላእ እታ ሃገር ሕዝቢ ረብሓ እተነቓቕሖን እተተባብዖን ኪደት ሰላምን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ምይይጥ ምክያዱ ኣብቲ እዋን ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ወኪል ኣብ ኡክራይን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ ከምዝነበረን።

ዓለም ሓቆፍ ሕጋውነት መሰረት ዝገበረ ኪደት

ዕለት 7 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ብቤተ ክርስቲያንን ብዝተፈላለዩ ተቕዋማታን እውን ኣቢላ ኣብ ኡክራይንን ኣብተን ጸገም ዝረአየለን ሃገራት ነቲ ዝሳቐይ ሕዝቢ ሓለፋ ዝብል ሰብኣዊ ድጋፍ ከምዝቐርብ ኣረጋጊጾም፡ ብቐጥታ ይዅን ብተውዘዋዋሪ ቤተ ክርስቲያን ኪደት ሰላም ብምንቕቓሕን ብምድጋፍን እቲ ማሕበራዊ ናብራን ጸጥታን ደሕንነትን ኣብ ምውሓስ መሰረት ዝዀነ ዓለም ሓቆፍ ሕጋውነት ዘኽብርን ፍትሕን ሕጋውነትን ተተባብዕ ቢሎም ከምዝነበሩ ቸንቶፋንቲ ምልስ ቢሎም የዘዘኻኽሩ።

ሕውነትን ምሕዝነትን

ዕለት 25 ታህሳስ 2018 ዓ.ም. ብምኽንያት በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ጐይታ ኣብተን ስቓይን መከራን ዘይተፈልየን ሃገራት ድጋፉን ሓልዮቱን ክህልውን … ሰላም ናይ ኵለን ሃገራት መሰልን ክብርን ብምኽባርን ናይ ዜጋታት ሰላማዊ ናብራ ውሑስ ክኸውን ቢሎም ኩነታት ኡክራይን ዘኪሮም። ንናይቲ ከባቢ ማሕበረ ክርስቲያን ቅርበቶም ገሊጾም ናይ ሕውነትን ምሕዝነትን ርክብ መጋበርያ ክዀኑ እጽልይ ከምዝበሉ ዘዘኻኸሩ ቾንቶፋንቲ ኣስዒቦም፡

ብፁዕ ካርዲናል ቱርኮስን ኣብ ኡክራይን

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2018 ዓ.ም. ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ብዋና ጸሓፊኦም ብፁዕ ኣቡነ ሰጉንዶ ተኻዶ ሙኞዝ ተሰንዮም ኣብ ኡክራይን ናይ ሰብኣዊ ድጋፍ ተልእኾ ከምዘካየዱ ዘኪሮም፥

ተቐማጦ ሮማ ናይ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን

ዕለት 28 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተቐማጦ ሮማ ናይ ኡክራያን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ሶፊያ ሓውጾተ ኖልዎ ኣካይዶም፥ ኣብዚ ምርኻበይ ቀረባኹም ከምዝዀንኩን ብጸሎትን ብልብን ቀረባኹም ምዃነይ ዘረጋግጽ እዩ፡ ብፍላይ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ እነዕርገሉ። ናይ ሰላም ጐይታ ኣጽዋር ውግእ ትም ከብልን ኣባይቲ ስድራኹም ንኽትናብዩ እትኸፍልዎ መስዋዕትነት ከቢድ እዩ እሞ እትኸፍልዎ መስዋዕቲ ከብቕዕ እጽልይ ከምዝበሉ የዘኻኽሩ።

ሃገረ ቫቲካን፥ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡይክራይን
05 July 2019, 16:33