ናይ ወርሒ ሓምለ 2019 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ

ኵሎም እቶም ኣብ ሕግን ፍትሕን ዝዓዩ ኣካላት ኣብ ዓለም ዝረአይ ኢፍትሓውነት ከብቅዕ ኣብ ኵለንተናዊ ፍትሒ ክነቕሑ ንጸልይ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኵላዊት ቤተ ንኵለንተናዊ ፍትሒ ክጽለይ ዘተሓሳስብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ብዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ርክባት ጸሎት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ማሕበር ክምእተዘርገሐ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሕግን ፍትሕን ኣካላት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብነት ብምስዓብ ኣብ ኣገልግሎት ኵለንተናዊ ፍትሒ ክተግሁ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኵሎም እቶም ኣብ ሕግን ፍትሕን ዝዓዩ ኣካላት ኣብ ዓለም ዝረአይ ኢፍትሓውነት ከብቅዕ ኣብ ኵለንተናዊ ፍትሒ ክነቕሑ ንጸልይ ዝብል ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ወርሒ ሓምለ 2019 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን የተሓሳስቡ።

ደያኑ ዘመሓላፍዎ ፍርዲ ንናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብንር ንብረትን እውን ዝትንክፍ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ምፍጻም ፍርዲ ኣድልዎን ደጋዊ ጸቕጢ እውን ከይህሉ ኣበርቲዖም ክዓዩ ከምዝግብኣን፡

         ደያኑ ኣብነት ኢየሱስ ክስዕቡን፡ ሓቂ ከየዋግዩን

ይምዕዱ፡

ጸረ ኢፍትሓዊ ስልቲ ምቛም

ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ርክባት ጸሎት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፈረደሪክ ፎርኖስ፡ ቅዱስ ኣቦና ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ናይ ሕግን ፍትሕን ኣካላት ድሕሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየድዎ ዓውደ ጉባኤ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ጸረ ኢፍትሓውነት ስልቲ ምቅላስን ናይ ሕጊ ፍትሓውነት ምስፋሕን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሮም።

ፍትሓውነት ተባራዪ ክብሪ ኣይኰነን

ቅዱስ ኣቦና ፍትሒ፡ ወትሩ ኵሉ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሕግን ፍትሕን ዝዓዩ ኵሎም ክኽደንዎ ዝግባእ ክብሪ ምዃኑ ንደያኑ መላእ ሃገራት ላቲን ኣምሪካ ኣተሓሳሲቦም ከምዝነበሩን፡ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ዘይሕጋውነት ንኸይስስን ዝድግፍ ከምዝዀነ ገሊጾም ከምዝነበሩ ኣብ ፎርኖስ ኣመልኪቶም።

ክፍኣት ክስተት ምግባረ ብልሽው

ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ርክባት ጸሎት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ማሕበር ዘመሓላለፎ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ወርሒ ሓምለ ናይ ጸሎት ሓሳብ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ክፍኣት ክስተት ምግባረ ብልሽውና ከይዲ ሕግን ፍትሕን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብር ዝዝርግ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ገሊጾም፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ 2004 ዓ.ም. ዛዕባ ምግባረ ብልሽውና ዝምልከት ናይ ውሳኔ ሰነድ ጠቒሶም፡ ምግባረ ብልሽውና ኢማዕርነት ዘስፍሕ ብምዃኑ ቀዳሞት ግዳያት ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ እያቶም ይብሉ።

ናይ ወርሒ ሓምለ 2019 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ
05 July 2019, 16:37