ር.ሊ.ጳ. ሩሲያ ሰርጓዲት መርከብ ብዘጋጠማ ሓደጋ ምኽንያት ናይ ሓዘን መግለጺ ምልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ር.ሊ.ጳ. ሩሲያ ሰርጓዲት መርከብ ብዘጋጠማ ሓደጋ ምኽንያት ናይ ሓዘን መግለጺ ምልእኽቲ ኣመሓላሊፎም 

ር.ሊ.ጳ. ሩሲያ ሰርጓዲት መርከብ ብዘጋጠማ ሓደጋ ምኽንያት ናይ ሓዘን መግለጺ ምልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እታ ናይ ሩስያ ሰርጓዲት መርከብ ዘጋጠማ ሓደጋን ስዒቡ ዝወረደ ናይ 14 ዜጋታት ሕልፈት ምስ ተሓበሮም እግዚኣብሔር ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ንዘጋጠሞም ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ንስድራ ቤት ምዉታት እውን ብጸሎቶም ቀረባ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሩሲያ ሰርጓዲት መርከብ ዘጋነፋ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ምኽንያት ናይ ሞት ሓደጋ ብዘጋጠሞም 14 ዜጋታት ዘሕደረሎም ሓዘን ከቢድ ምዃኑን ሓቢሮም፡ ዕለት 4 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ናይ ፈደራላዊት ሩሲያ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ክኣትዉ ምዃኖም በዘ ኣጋጣሚ’ዚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣዘኻኺሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እታ ናይ ሩስያ ሰርጓዲት መርከብ ዘጋጠማ ሓደጋን ስዒቡ ዝወረደ ናይ 14 ዜጋታት ሕልፈት ምስ ተሓበሮም እግዚኣብሔር ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ንዘጋጠሞም ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ንስድራ ቤት ምዉታት እውን ብጸሎቶም ቀረባ ምዃኖም ከምዝገለጹን ሓቢሮም።

መንግስቲ ሩስያ ናይቲ ሓደጋ ምኽንያት መንቀሊ ክጻረይ መርመራ ከምዝጀመረ

እታ ሰርጓዲት መርከብ ኣብ ናይ ሩስያ ሀገራዊ ባሕሪ ከባቢ እንከላ ዘጋጠማ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ን 14 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ናይ ሞት ምኽንያትን  መንቀሊ ናይቲ ባርዕ ሓዊ እንታይ ምዃኑ ክጻረይ መንግስቲ ሩስያ ከምዝወሰነን፡ እታ ሰርጓዲት መርከብ ኣብ ዓቢይ ጥልቂ ባሕሪ ንዝካየድ ስነ ምርምር መሳለጢት ከምዝነበረትን ድሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ሰቨሮሞርስክ ባሕሪ ሓይሊ መዓስከር ከምእትርከብን ርእሰ ብሔር ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ንክመያየጡ ዝነበሮም ካልእ ፍጻሜታት መራሓ ግብሪ ኩሉ ሓዲጐም ዕለት 2 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ናይ ሩስያ ሚንስተር ሓይሊ ምክልኻል ዘስተፈ ኣኼባ ከምዝጸውዑን ድሕሪ እቲ ብኣኦም ተመሪሑ ዝተኻየደ ኣኼባ ስለ እቲ ዘጓነፈ ዓቢይ ሰብኣዊ መጉዳእቲ ዝተሰምዖን ሓዘን ገሊጾም ናይቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ መንቀሊ ክጻረ ፍልዩ ምርመራ ክካየድ ከምዝወሰኑ ይንገር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ናይ ክረምሊን ወሃቢ ቃል ዲሚትሪ ፐስኮቭ ስለ እቲ ባርዕ ሓዊ ንምጽራይ ዝካየድ መርመራን ውጽኢቱን ብሃገራዊ ምስጢር ዝተዓቀበ ከምዝኸውን ይሕብሩ።

ር.ሊ.ጳ. ሩሲያ ሰርጓዲት መርከብ ብዘጋጠማ ሓደጋ ምኽንያት ናይ ሓዘን መግለጺ ምልእኽቲ ኣመሓላሊፎም
03 July 2019, 17:53