ፓሮሊን ንቤት ክንክን ጥዕና ሕጻነ ኢየሱስ፥ ወትሩ ዓቃቢ ሕይወት ፓሮሊን ንቤት ክንክን ጥዕና ሕጻነ ኢየሱስ፥ ወትሩ ዓቃቢ ሕይወት 

ፓሮሊን ንቤት ክንክን ጥዕና ሕጻነ ኢየሱስ፥ ወትሩ ዓቃቢ ሕይወት

ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንትሑታት ዝከናኸን ስሌኦም ዝሓሊ ምስ እግዚኣብሔር ብምዃን እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብ ዝነጽግን ከም ውዳቕን ተረፍን ዝሓስብ ባህሊ ተዓዋቲ እዩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ሕክምና ሕጻናት ሕጻነ ኢየሱስ ናይ 2018 ዓ.ም. ኣብ ምርምር ስነ ሕክምናን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ማሕበራዊ ውዳነኡን ጸብጻብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዝተረኽብሉ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 24 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ከምዘቕረበን ብፁዕነቶ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ቤት ሕክምና ኣብ ስነ ትካኤ ናይ ውሽጢ ኣካላትን ስነ ምርምራዊ ምሕዞታቱን ተበጽሖታቱን ዘቕርቦ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ብዝርዝር ኣቕሪቦም ኣብዚ መዳይ ዘርእዮ ዘሎ ስጉምቲ ዝድነቕ እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኤውጀኒዮ ሙራሊ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰናይ ምግባር ዝከኣል እዩ፡ ስለዚህ ሰናይ ተግባር ብጽቡቕ ተግባር ክፍጸም ኣለዎ፡ እዚ እቲ ናይቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሕጻናት ቤት ሕክምና ዘቕረቦ ጸብጻብ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ፡ ሰናይ ተግባር ብጽቡቕን ሕጉስን መንፈስ ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ናይቲ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ጨንፈር ኣብ ዝዀነ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ እተሰምየ መንበሩ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ቤት ሕክምና ዝዓተሮ ውጽኢት ምኽንያት ንዅሎም ናይ ሕጻነ ኢየሱስ ቤት ሕክምና ኣባላት ቤት ምሕደራን ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ብስም ቅዱስ ኣቦናን ብስሞምን ምስጋና ኣቕሪቦም፡ ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንትሑታት ዝከናኸን ስሌኦም ዝሓሊ ምስ እግዚኣብሔር ብምዃን እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብ ዝነጽግን ከም ውዳቕን ተረፍን ዝሓስብ ባህሊ ተዓዋቲ እዩ ከምዝበሉ ብፁዕነቶም ገሊጾም፡ ናይቲ ቤት ሕክምና ጸብጻብ ዘደንቕ ብሰብኣውን ስነ ምርምራውን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ብዅሉ ንጥፈታቱ ዝነኣድ እዩ ቢሎም፡ እቲ ዝተበጽሐ ውጽኢት እቲ ቤት ሕክምና ዘቕርቦ ክንክን ጥዕና ኣዚዩ ብሉጽ ንምግባር ንዝካየድ ጻዕሪ ዘዳኽምን በጺሔ ቢልካ ስጉምትኻ ንምግታእ ዝድርኽ ክኸውን የብሉን፡ ወትሩ ንተበላለጽ ዘይኰነስ ንብሉጽነትን ናብ ዝበለጸን ሓደራ፡ ሕጻናትን መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራኦምን ናይዚ ቤት ሕክምና ማእከል እዮም ክዀኑ ዘለዎም፡ ኣብነት ሰብኣውነት ናይ ዘማእከለ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና።

ቪንሰንት ላምበርት እናሓሰቡ፥ ወትሩ ሕይወት ምዕቃብን ምኽባርን

ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዝተወሃቦ ሓላፍነት ብቑዕ ኰይኑ ክርከብን፡ ብትሕትናን ናይቲ ዝተወሃቦ ሓላፍነት ግንዛበ ሃሊዎ ክዋሳእ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብ ፈረንሳ ብሓደጋ መኪና ምኽንያት ብዘጋጠሞ ከቢድ ማህሰይትን ነዚ ስዒቡ ብዝወረዶ ሕማም ልምሰት ዓንደ ሕቖ ንትሽዓተ ዓመት ኣብ ሕክምና ዝነበረ ፈረንሳዊ ቪንሰንት ላምበርት ኣብቲ ዝሕክመሉ ዝነበረ ቤት ክንክን ጥዕና ረይምስ ብሕይወት ንኽጸንሕ ብሕክምና ዝወሃቦ ዝነበረ መግባውን ውህዶ - ማይን ፍወሳ ብምቁራጽ ዋላ’ኳ ኣብ ጫፍ ሞት ዘይነበረ ይኹን ኣብ ትሑት ነፍሰ ኣፍልጦ ዘሎ እንክብሉ ገሊኣቶም እውን ኣብ ዕጽዋተ ሕይወት ኣሎ ቢሎም ዝገልጽዎ ዝነበረ ፈረንሳዊ ወዲ 42 ዕለት 12 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ባህርያዊ ሞት ዘይኰነ፡ ንሞት ዝተመሓላለፈን ዘኪሮም፡ እቲ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ኣብ ኣፈ ሞት ንዝርከቡ ብዝተኻእለ መጠን ዝከናኸንን ብከቢድ ሕማም መንሽሮ ዝተጠቕዑን ክሳብ ናይ ውሽጢ ኣካል ስነ ትካኤ ብምፍጻም እውን ዘርእዮ ጉዕዞን ዘስፍሖ ናይ ሕይወት ባህልን ሰብኣዊ ፍጥረት ሕይወት ንኽዕቅብ ዝተጸውዔ ምዃኑ ዝምስክር እዩ፡ ቪንሰንት ላምበርን ኣለፊየ አቫንስ ድዩ ቻርሌ ጋርድን ዘኪሮም፡ ሕማም ዘሎ እዩ፡ ፈውሲ ዝይተረኽቦ ሕማም ኣሎ ዘይድሕን ሕማም ግና የልቦን፡ ምክንኻን ግንድ ምፍዋስ ወይ ምሕዋይ ማለት ኣይኰነን፡ እንታይ ደኣ ንህሙማን ኣብቲ ዘጓነፎም ፈውሲ ዘይተረኽቦ ሕማም ቀሪብካ ምክንኻንን ምስናይን የድሊ፡ እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ናይ ሕይወት ጐይታ። ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሓላፍነት ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ምክንኻንን ምስናይን ምዕቃብን እዩ ከምዝበሉ ሙራሊ ሓቢሮም።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ድሕሪ እቲ ዓውደ ርክብ ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቕረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ ብፍላይ ብዛዕባ ቅድስቲ መንበርን እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ናይ ሶሪያ ርእሰ ብሔረ ኣሳድ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንዝምልከት ሕቶ እንክምልሱ፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሶሪያ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘተሓሳስባን ኣዚዩ ዘሰፍክፋን ምዃኑ እዩ ዝገልጽ እንክብሉ ኣብ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዝሃብዎ መልሲ ደጊሞም የረጋግጹ።

ናይ ሕጻነ ኢየሱስ ቤት ሕክምና ንጥፈታት ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ናይቲ ቤት ሕክምናዋና ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ ሩጀሮ ፓሮታን ከምኡ እውን ናይቲ ቤት ሕክምና ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣመሓዳሪ ማሲሚሊያኖ ራፖኒን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ 2018 ዓ.ም. ንክልተ ሚሊዮን ዝግመቱ ህሙማን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ከምዝሃበን፡ 29 ሺሕ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ህክምና ኣአንጊዱ ከምዝፈወሰን፡ 324 ናይ ሰብነት ውስጠ ኣካል ስነ መጥባሕቲ ከምዘካየደን፡ ናይ 21 ህሙማን ሓደስቲ ዓይነት ሕማማት ፈሉዩ ዝረኸበን 13 ሺሕ ሳሕቲ ብዝረኣይ ክቢድ ሕማም ንዝተጠቕዑ ሕክምን ከምዝሃበን 679 ናይ ስነ ምርምር ውጽኢት መጽናዕቲ ዘቕረበ ምዃኑ ከምዘመልከቱ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ሙራሊ ኣስዒቦም፡ ህሙማን ሕጻናት ደቃቶም ዘሰነዩ 4,500 ኣባይቲ ስድራ ዘአገደን ን2,100 ኣባላት ስድራ ቤት ሕክምናዊ ክትትል ከምዘካየደን፡ 62 ካብ ዝተፈላለያ 28 ሓገራት ዝተዋጽኡ ብከቢድ ሕማም ንዝተጠቕዑ ሕጻናት ኣአንጊዱ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ከምዝሃበን በዚ ዓቢይ ውጽኢት’ዚ ኣቢሉ መበል 150 ዓመት ምስረታኡ የብዕል። ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 20 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንናይ ሕጻነ ኢየሱስ ቤት ሕክምና ሕጻናት ንዘካይዶ ስነ ሕክምናዊ ስነ ምርምርን መጽናዕትታትን ንዝህቦ ሰብኣዊ ኣገግሎት ክንክን ጥዕናን ብፍላይ ንናይ ጸረ ሕማም መንሽሮን ስነ ትካኤ ውሽጣዊ ኣካልን ንዝህቦ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን መሳለጢ ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብ ንምርካብ ዝድግፍ ፍልዩ መደብ ክካየድ ምዃኑ ከምዘፍለጡ ሙራሊ ይሕብሩ።

ፓሮሊን ንቤት ክንክን ጥዕና ሕጻነ ኢየሱስ፥ ወትሩ ዓቃቢ ሕይወት

Photogallery

ፓሮሊን ንቤት ክንክን ጥዕና ሕጻነ ኢየሱስ፥ ወትሩ ዓቃቢ ሕይወት
25 July 2019, 17:20