ድለ

ንኣይ ይጥዓመኒ ብዝብል መንፈስ ሸለልትነት ኣይንሰዓር! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 14 ሓምለ 2019 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ነቲ በቲ ትዊተር ‘ኣብ ናይ ሎሚ ቃለ ወኒገል ኢየሱስ ኣብነት ናይቲ ንሓው ከም ነፍሱ ዘፍቅር ሕያዋይ ሳምራዊ ክንስዕብ በዚ ከኣ ንእግዚኣአብሔር ኣምላኽና ብምሉእ ልብና ከም እነፍቅር ገሊጹ ምሉእ እምነትን ምሉእ ሰብኣውነትን ይገልጽ’ ክብሉ ንዘመሓለለፍዎ ሓጺር መልእኽቲ ብምትንታን ነዚ ዚስዕብ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ቃለ ወንጌል ነቲ ህቡብ ምሳሌ ‘ሕያዋይ ሳምራዊ’ የቅርበልና (ሉቃ 10.25-37 ተመልከት)። ዘለዓለማዊ ሕይወት ንምውራስ ዘድሊ ነገራት ንምፍላጥ ሓደ ምሁር ሕጊ ንኢየሱስ ምስ ሓተቶ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ክረኽቦ ይዕድሞ። እቲ ምሁር ከኣ ‘ንእግዜአብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ኃይልኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ ንብጻይካ እውን ከም ነፍስኻ’ (ኁ. 27) ኢሉ መለሰሉ። ኰይኑ ግን ነታ ‘ብጻይ’ ትብል ቃል ዝተፈላለየ ትርጉም ይወሃባ ስለዝነበረ እቲ ምሁር ሕጊ ‘መን ኢዩኸ እቲ ብጻየይ!’ (ኁ.29) ኢሉ ዳግም ይሓትት። ኢየሱስ ከኣ በዛ ጽብቅቲ ምሳሌ ይምልሸሉ። ንኩሉኹም ነዛ ናይ ሎሚ ወንጌል ሉቃስ 10.25 ክተንብብዎ እዕድመኩም። ካብተን ጽቡቃት ምሳሌታት ወንጌል ሓንቲ እያ። እዛ ምሳሌ እዚኣ ኣብ ሕይወት ክርስትና ዓቢ ትርጉም ሒዛ ትጐዓዝ። ሓደ ክርስትያን ከመይ ዝበለ መንገዲ ክኽተል ከምዘለዎ ሓባሪት ኰነት። ሉቃስ ውንጌላዊ ምስጋና ይብጽሓዮ ነዛ መዝገብ እዚኣ ረኺብና።

ኣብዚ ሓጺር ዛንታ ቀንዲ ተዋሳኣይ ሓደ ሳምራዊ ኰይኑ ኣብ መንገዱ ሓደ ብከተርቲ ተዘሪፉ ኣይምውት ኣይስሩር ሰብ ይረክብ እሞ ይርሕራሓሉ ይሓልየሉ ይሕክሞ። ኣይሁድ ንሳምራውያን ካብቲ ምሩጽ ሕዝቢ ፍሉያት ብምዃኖም ክሳብ ክንደይ ከምዘስተናዕቅዎም ንፈልጥ ኢና። በዚኸስ ኢየሱስ ኣብዚ ምሳሌ እዚ ከም ኣዎንታዊ ተዋሳኢ ሓደ ሳምራዊ ክመርጽ እንከሎ ኮነ ኢሉ እዩ። በዚ ከኣ ነቲ ዝነበረ ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ብምስጋር ሓደ ጓና ከይተረፈ ነቲ ሓቀኛ እግዚአብሔር ዘይፈልጥን ቤተመቅደሱ ዘይመላለስን ከይተረፈ ንጽጉም ሓው ርሕራሔ ብምግባር ብዝከኣሎ ዘበለ ኩሉ ብምሕጋዝ ከም ፍቃድ እግዚአብሔር ክዋሳእ ከምዝኽእል የመልክት።

በታ መንገዲ እቲኣ ቅድሚ እቲ ሳምራዊ ሓደ ካህንን ሓደ ሌዋውን ሓሊፎም ነበሩ። ክልቲኦም ከኣ ንኣገልግሎት እግዚኣብሔር ዝተወፈዩ ነበሩ። ኰይኑ ግን ነቲ መስኪን ምስ ረኣይዎ ርእዮም ከምዘይረኣዩ ደው ከይበሉ ሓለፉ። ምናልባት ብደም ከይራኸሱ ፈሪሆም ይኾኑ። ኣብታ ዓባይ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይቲ ምሕረት ዝደሊ ሕጊ እግዚአሔር ‘ብደም ኣይትራኸስ’ እትብል ሓንቲ ሰብኣዊት ሕጊ ሓጊጎም ነበሩ።

ኢየሱስ ከስ ከም ኣብነት ነቲ እምነት እኳ ዘይነበሮ ሕያዋይ ሳምራዊ የቅርብ! ንሕና እውን ምንም እምነት ዘይብሎም ግን ሠናይ ነገር ዝገብሩ ንዝክር ንኸውን። ኢየሱስ ኣብ ምሳሌኡ ከም ቀንዲ ተዋሳኢ ናይ እምነት ዘይኮነ ሰብ ይመርጽ። እዚ ሰብ’ዚ ከኣ ንብጻዩ ከም ገዛእ ርእሱ ገሩ ብምፍቃር ነቲ ዘይፈልጦ እግዚአብሔር ብምሉእ ልቡን ብምሉእ ሓይሉን ከምዘፍቅር የርኢ። ምስዚ ብዝተታሓሓዘ ከኣ ምሉእ ሃይማኖታውነትን ምሉእ ሰብኣውነትን ይገልጽ።

ኢየሱስ ነዛ ብጣዕሚ ጽብቅቲ ዝኾነት ምሳሌ ምስ ኣዘንተወ ናብቲ ‘ብጻየይከ መን እዩ’ ኢሉ ዝሓተቶ ምሁር ሕጊ ግልጽ ይብል እሞ ‘ካብዚኦም ነቲ ብከተርቲ ተዘሪፉ ኣይምውት ኣይስሩር ዝኾነ ሰብ መን እዩ ብጻይ ዝኾኖ!’ (ኁ.36) ኢሉ ይሓቶ። በዚ ከምዚኸስ ነታ ሕቶ ተገላቢጦሽ ዝኾነ ንናይ ኩልና ኣተሓሳስባ እውን ዝጻረር ርእይቶ የቅርብ። በዚ ከምዚኸስ በቲ ናትና ሚዛን ገርና ብጻይና ዝኸውን መን ምዃኑን መን ዘይምዃኑን እንፈርድ ንሕና ዘይኮናስ እቲ ኣብ ጸገም ዝተረኽበ ሰብ ብጻዩ መን ምዃኑ ባዕሉ ይፈልጦ ማለት ‘እቲ ምሕረት ዝገበረሉ’ (ኁ.37) እዩ። ራሕሪሕካን ምሕረት ገርካን ምኽኣል እታ መፍትሕ እዚኣ እያ። መፍትሕና እዚኣ እያ። ሓደ ኣብ ጸገም ዘሎ ሰብ ምስ ረኣኻ ድንጋጸን ርሕራሔን ዘይስመዓካ እንተዀይኑ ገለ ጸገም ኣሎ ማለት እዩ። ተጠንቀቅ እብለካ ንጠንቀቅ። ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል ሸለልትነት ከጥቅዓና ኣይነፍቅድ።  ራሕሪሕካን ደንጊጽካን ምኽኣል እምኒ ኵርናዕ ሕይወት ክርስትና ኰይና ትምህርቲ ኢየሱስ ከኣ ንሳ እያ። ኢየሱስ ባዕሉ ናይ እግዚአብሔር ኣቦ ርሕራሔን ምሕረትን ንዓና እዩ። ብመንገዲ ክትሓልፍ እንከሎኻ ሓደ ግዳም ሓደር ኣብኡ ተሰጢሑ እናረኣኻ ከምዘይረኣኻ ክትሓልፍ ምጽዓር ወይውን ብልብኻ ‘ሳዕቤን መስተ እዩ ዝኸውን ሰኺሩ እዩ ዝኸውን’ ትሓስብ ትኸውን፡ ናብ ልብኻ ምልስ በል እሞ ምናልባት እቲ ሰብ እቲ ኣይሰኸን ይኸውን ልብኻ ዘይደረቀ ከይከውን ልብኻ ከም በረድ ከርዲዱ ከይከውን ሕሰብ። ኣብዚ እንረኽቦ መደምደምታ ኣብ ቅድሚ ጽግምቲ ሕይወት ደቂሰባት እትረኤ ርሕራሔን ግብረሠናይን ሓቀኛ ገጽታ ፍቅሪ ምዃና እዩ። ከምዚ ብምግባር ከኣ ሓቀኛ ሓዋርያት ክርስቶስ ይኽውን ገጽታ እግዚአብሔር ከኣ ይግለጽ። ‘ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም መሓሪ ዝኾነ መሓርቲ ኩኑ’ (ሉቃ 6.36)እግዚአብሔር ኣቦና መሓሪ እዩ ከመይ ርሕራሔ ዝመልአ ስለዝኾነ ናብ ሥቃይናን ናብ ሓጢኣትናን ጒድልነታትናን ናይ ሓሳረ መከራ ናብራና ርሕራሔኡን ምሕረቱን ኣርእዩና።

እኖና ድንግል ማርያም ኣብ መንጎ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ጭቡጥ ፍቅሪ ብጻይን ነሕዋትናን ኣሓትናን እነርእዮ ልግስን ዘሎ ምትእስሳር ንምርዳእ ትደግፈና ጸጋ ርሕራሔ ኣውሂባ ብኣኡ ከም እንዓቢ ይግበረና። 

ብድምጺ ንምክትታል!
14 July 2019, 13:54