ተልእኮ ቤተክርስትያን ስብከተወንጌልን ምስክርነትን እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 7 ሓምለ 2019 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ምእመናን ሮማን ነጋድያንን መልአከ እግዚአብሔር ምድጋም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል ተመሥሪቶም ጐይታ ናብ ዓለምና ልኡኻት ወንጌል ክሰድድ ብክፉት ልቢ ክንጽሊ ከምዘሎና ድሕሪ ኣዘካኺሮም መልኣከ እግዚኣአብሔር ምስ ደገሙ ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ ግዜ ስለእቶም ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ኣብ ሊብያ ብደብዳብ ነፈርቲ ስለዝተጐድኡን ኣብ ኣፍጋኒስታንን ማልን ቡርኪናፋዞን ኒጀርን ብዝሰዓበ ሓደጋትት ስለዝተጐድኡን ንጸሊ ድሕሪ ቢሎም ምእንቲ ሕዝቢ ኤርትራ ከምዝጽልዩ ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንሰንበት ዕለት 7 ሓምለ 2019 ዓምፈ ዝቀረበ ወንጌል ሉቃስ 10:1-12;17-20 ኮይኑ ሰብዓ ኣርድእቲ ሰሪዑ በብኽልተ ኣብቲ ንሱ ኪኸዶ ዝነበረ ቦታ ብምስዳድ ‘እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ፡ ለምንዎ። መገድኹም ኪዱ። እንሆ፡ ኣነ ኸም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ። ማሕፉዳን ለቘታን ኣሳእንን ኣይትማልኡ፡ ኣብ መገዲ ንሓደ እኳ ኸመዓልካ ኣይትበሉ። ኣብ ዝኣቶኹምዋ ቤት፡ ቅድም፡ ነዛ ቤት ሰላም ይኹን፡ በሉ። ኣብኣ ወዲ ሰላም እንተሎ፡ ሰላምኩም ኣብኡ ኺሐድር እዩ፡ እንተ ዜልቦ ግና፡ ሰላምኩም ኪምለሰኩም እዩ።’ ዝብል ይርከቦ።

ቅዱስነቶም እዚ ዝሰማዕናዮ ቃል ወንጌል ምስቲ ምልኣኽ ዓሠርተ ክልተ ሓዋርያት ተደሚሩ ‘ነቲ ቤተክርስትያን ንኩሉ ዓለም ወንጌል ክትሰብኽ ንዝተዋህባ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ዘመልክት እዩ’ ምስ በሉ ነቲ ጐይታ ሓደራ ዝበላ ጸሎት ብምድጋም ከኣ ‘እግዚኣአብሔር ኣብ ግራቱ ዝኾነ ዓለም ዝሰርሑ ሠራሕተኛታት ክሰድድ ንለምን’ ኢሎም።

“ነፍሲወከፍና ነዚ ጸሎት እዚ ብክፉት ልብን መንፈስ ተልእኮ ስብከተወንጌልን ክገብሮ ይግባእ። ጸሎትና ኣብ ግድነታትና ጥራይ ተደሪታ ክትተርፍ የብላን። ጸሎት ሓቀኛ ናይ ክርስትያን ጸሎት ዝኾነሉ ንኩሉ ዘጠቃልል ኣድማሳዊ ምስ ዝኸውን እዩ።”

ተልእኮን ጸሎትን!

ናብ ኩሉ ሕዝቢ ወንጌል ናይ ምስባኽ ተልእኮ ኣብ ጸሎት ይምስረት። ሰብኻ ሳግማዊ ኰንካ ምንም ነገር ከይተማላእካ ብምናኔን ድኽነትን ዝንበር እዩ። እዚ ተልእኮ እዚ ሰላምን ምሕዋይ ሕሙማትን የስዕብ። እዚ ከኣ ምልክታት ናብ እግዚአብሔር ከም እትቀርብ ዘመልክት እዩ። እዚ ተልእኮ እዚ ሰባት ናባኻ ክትሰድዕ ኢልካ ዝግበር ዘይኮነስ ስብከተወንጌልን ምስክርነትን እዩ።

“ነቲ ዝወሃብ ምስክርነት እንተዘይተቀቢሎም ግን ብዘይ ምንም ውግዘትን መርገምን ሓላፍነቶም ከምዝኾነ ገሊጽካ ናብ ካልእ ንምስጋር ግሉጽነትን ወንጌላዊ ናጽነትን የድሊ።”

ጒዕዞ ምስ ኢየሱስ !

ቅዱስነቶም ንተልእኮ ስብከተ ወንጌል ኣመልኪቶም ነፍሲውከፍ ተኸታሊ ክርስቶስ ልኡኽ ስብከተ ወንጌል ምዃኑ ፈሊጡ እዚ ኢየሱስ ኣሰኒዩካ ምስ ኢየሱስ ጐይታ ምጉዓዝ እዩ። ካብ ኩሉ ነጻ ኰንካ ኣሰሩ ንምስዓብን ንካልኦት ንክተገልግልን ካብኡ ምምሃር የድሊ። ተልእኮ ቤተክርስትያን ከም ዝግባእ ኣብ ግብሪ እንተውዒላ ብሓጐስ ትስነ።

“እቶም ሰብዓን ክልተን ኣርድእቲ ብታሕጓስ መሊኦም ተመልሱ ይብል ወንጌል። እዚ ሓጐስ እዚ ካብ ዓወት ስብከተወንጌል ዝወጽእ ናይ ላዕሊ ላዕሊ ስምዒታዊ ዘይኮነ ኣብታ ጐይታ ዝሃባ ተስፋ ዝተመሥረተ ምዃኑ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ኢየሱስ `ኣስማትኩም ኣብ ሰማያት ስለዝተጻሕፋ ተሓጐሱ’ ይብሎም። ከምዚ ክብል ከሎ ብዛዕባ ውሻጣዊ ደስታ ኰይኑ ነዚ ሓጐስ እዚ ዝድምስስ ምንም የለን ከመይ እዚ ካብ ብእግዚአብሔር ንወዱ ክትክተል ዝቀርብ ጸዋዕታ ምፍላጥ ዝውለድ እዩ። እዚ ከኣ ረድኡ ምዃን ማለት እዩ።”

እታ ሓቐኛ ደስታ!

ነፍሲ ወከፍና ኣብ ዕለተ ጥምቀቱ ዝተዋህቦ ሽም እሞ ንሕሰብ እቲ ሽም እቲ ኣብ ሰማያት ተጻሒፉ ኣሎ። ኣብ ልቢ እግዚአብሔር ተጻሒፉ ኣሎ እንክብሉ ነቲ ኣብ ዕለቱ ትዊተር ብዝበሃል መራኸብቲ ብዙሓን ‘ሎሚ ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ ንሓዋርያቱ ኣስማትኩም ኣብ ሰማያት ስለዝተጻሕፋ ተሓጐሱ እንክብል ሓቀኛ ሓጐስ ኣየናይ ምዃኑ ይሕብረና’ ኢሎም ብዝጸሓፍዎ ሓጺር መልእኽቲ ትሕዝቶ ኣስምህሮኦም ዛዚሞም ድንግል ማርያም ንኩሉ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ኣርድእቲ ክርስቶስ ክትድግፍ ጸልዮም መልአከ እግዚአብሔር ደገሙ።

ጸሎት ስለእቶም ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብመጥቃዕትን ባህርያዊ ሓደጋን ዝተጐድኡ!

ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ስለእቶም ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ኣብ ሊብያ ብደብዳብ ነፈርቲ ስለዝተጐድኡን ኣብ ኣፍጋኒስታንን ማልን ቡርኪናፋዞን ኒጀርን ብዝሰዓበ ሓደጋትት ስለዝተጐድኡን ንጸሊ ድሕሪ ኢሎም።

ጸሎት ር.ሊ.ጳ ስለሕዝቢ ኤርትራ!

ኣብ ካብ ሮማ ዝተረኽቡ ኤርትራውያን ዘኪሮም ከምዚ ኢሎም

“‘ኣብ ሮማ ንእትርከብ ማሕበረኮም ኤርትራ ሰላም እብል! ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ስለሕዝብኹም እጽሊ ኣሎኹ’።”

ብድምጺ ንምክትታል!
07 July 2019, 16:00