ተልእኮ ቤተክርስትያን ስብከተወንጌልን ምስክርነትን እዩ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንሰንበት ዕለት 7 ሓምለ 2019 ዓምፈ ዝቀረበ ወንጌል ሉቃስ 10:1-12;17-20 ኮይኑ ሰብዓ ኣርድእቲ ሰሪዑ በብኽልተ ኣብቲ ንሱ ኪኸዶ ዝነበረ ቦታ ብምስዳድ ‘እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ፡ ለምንዎ። መገድኹም ኪዱ። እንሆ፡ ኣነ ኸም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ። ማሕፉዳን ለቘታን ኣሳእንን ኣይትማልኡ፡ ኣብ መገዲ ንሓደ እኳ ኸመዓልካ ኣይትበሉ። ኣብ ዝኣቶኹምዋ ቤት፡ ቅድም፡ ነዛ ቤት ሰላም ይኹን፡ በሉ። ኣብኣ ወዲ ሰላም እንተሎ፡ ሰላምኩም ኣብኡ ኺሐድር እዩ፡ እንተ ዜልቦ ግና፡ ሰላምኩም ኪምለሰኩም እዩ።’ ዝብል ይርከቦ።
ቅዱስነቶም እዚ ዝሰማዕናዮ ቃል ወንጌል ምስቲ ምልኣኽ ዓሠርተ ክልተ ሓዋርያት ተደሚሩ ‘ነቲ ቤተክርስትያን ንኩሉ ዓለም ወንጌል ክትሰብኽ ንዝተዋህባ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ዘመልክት እዩ’ ምስ በሉ ነቲ ጐይታ ሓደራ ዝበላ ጸሎት ብምድጋም ከኣ ‘እግዚኣአብሔር ኣብ ግራቱ ዝኾነ ዓለም ዝሰርሑ ሠራሕተኛታት ክሰድድ ንለምን’ ኢሎም።
ተልእኮን ጸሎትን!
ናብ ኩሉ ሕዝቢ ወንጌል ናይ ምስባኽ ተልእኮ ኣብ ጸሎት ይምስረት። ሰብኻ ሳግማዊ ኰንካ ምንም ነገር ከይተማላእካ ብምናኔን ድኽነትን ዝንበር እዩ። እዚ ተልእኮ እዚ ሰላምን ምሕዋይ ሕሙማትን የስዕብ። እዚ ከኣ ምልክታት ናብ እግዚአብሔር ከም እትቀርብ ዘመልክት እዩ። እዚ ተልእኮ እዚ ሰባት ናባኻ ክትሰድዕ ኢልካ ዝግበር ዘይኮነስ ስብከተወንጌልን ምስክርነትን እዩ።
ጒዕዞ ምስ ኢየሱስ !
ቅዱስነቶም ንተልእኮ ስብከተ ወንጌል ኣመልኪቶም ነፍሲውከፍ ተኸታሊ ክርስቶስ ልኡኽ ስብከተ ወንጌል ምዃኑ ፈሊጡ እዚ ኢየሱስ ኣሰኒዩካ ምስ ኢየሱስ ጐይታ ምጉዓዝ እዩ። ካብ ኩሉ ነጻ ኰንካ ኣሰሩ ንምስዓብን ንካልኦት ንክተገልግልን ካብኡ ምምሃር የድሊ። ተልእኮ ቤተክርስትያን ከም ዝግባእ ኣብ ግብሪ እንተውዒላ ብሓጐስ ትስነ።
እታ ሓቐኛ ደስታ!
ነፍሲ ወከፍና ኣብ ዕለተ ጥምቀቱ ዝተዋህቦ ሽም እሞ ንሕሰብ እቲ ሽም እቲ ኣብ ሰማያት ተጻሒፉ ኣሎ። ኣብ ልቢ እግዚአብሔር ተጻሒፉ ኣሎ እንክብሉ ነቲ ኣብ ዕለቱ ትዊተር ብዝበሃል መራኸብቲ ብዙሓን ‘ሎሚ ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ ንሓዋርያቱ ኣስማትኩም ኣብ ሰማያት ስለዝተጻሕፋ ተሓጐሱ እንክብል ሓቀኛ ሓጐስ ኣየናይ ምዃኑ ይሕብረና’ ኢሎም ብዝጸሓፍዎ ሓጺር መልእኽቲ ትሕዝቶ ኣስምህሮኦም ዛዚሞም ድንግል ማርያም ንኩሉ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ኣርድእቲ ክርስቶስ ክትድግፍ ጸልዮም መልአከ እግዚአብሔር ደገሙ።
ጸሎት ስለእቶም ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብመጥቃዕትን ባህርያዊ ሓደጋን ዝተጐድኡ!
ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ስለእቶም ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ኣብ ሊብያ ብደብዳብ ነፈርቲ ስለዝተጐድኡን ኣብ ኣፍጋኒስታንን ማልን ቡርኪናፋዞን ኒጀርን ብዝሰዓበ ሓደጋትት ስለዝተጐድኡን ንጸሊ ድሕሪ ኢሎም።
ጸሎት ር.ሊ.ጳ ስለሕዝቢ ኤርትራ!
ኣብ ካብ ሮማ ዝተረኽቡ ኤርትራውያን ዘኪሮም ከምዚ ኢሎም