ጸሎት ምስ እግዚአብሔር እንወሃደሉ ስለዝኾነ ወትሩ ጽንዓት የድሊ ይብለና ኢየሱስ! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 28 ሓምለ 2019 ዓምፈ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ነቲ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሓዋርያት ንኢየሱስ ጸሎት መሃረና ምስ በልዎ ዝመሃሮም ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብርን ኣብ ጸሎት ጽንዓት ከምዘድልን ንዝመሃሮ ብምጥቃስ ከምቲ ሕጻናት ምስ ወላዲኦም ሺሕ ግዜ ኣቦየ እናበሉ ዝዋስእዎ ጸሎት እውን ምስቲ ሰማያዊ ኣቦና እንዋሳኣሉ ስለዝኾነ ወትሩ ጽንዓት የድሊ እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ናይ ዕለት 28 ሓምለ ግጽው ወንጌለ ሉቃስ  11.1-8 ኰይኑ  ሓደ ካብ ኣርድእቱ ከምቲ ዮሓንስ ንደቀ መዛሙርቱ ጸሎት ዝመሃሮም፡ ጽሎት እንዶ መሃረና ቢሉ ምስ ሓተቶ ኣቦና ኣብ ሰያማት እትነብር ኢሎም ክጽልዩ ምስ መሃሮም። ነታ ኣብ ጸሎት ምጽናዕን ዕርክነትን ምሕዝነትን እትገልጽ ምሳሌ ናይቲ ፍርቂ ናብ ዓርኩ ከይዱ እንጌራ ከለቅሖ ዝልምን ገሊጹ እግዚአብሔር ነቶም ለይትን መዓልትን ዝልመኑ መንፈሱ ከምዝህቦም ገሊጹ ንምጽላይ ከይስልክዩ ክደልዩ ክልምኑ ክኩሕኩሑ ከመይ ዝደሊ ከምዝረክብ ንዝለመነ ከምዝወሃቦ ንዝኩሕኩሕ ከኣ ከምዝረሓውሉ ዝገልጽ ነበረ።

ከይደኸምናን ከይሰልከናን ብቀጻሊ ብጽንዓት ክንልምን ከምዘሎና ብኣብነት ንከረድኡ ቅዱስነቶም ኣብነት ሕጻናት ይጠቅሱ እሞ ሃምን ቀልብን ናይ ኣቦኦም ክስሕቡ እሞ ክስምዑ ክብሉ ቈልዑት ደጋጊሞም ኣቦ ኣቦየ እናበሉ ዝጽውዕዎ ንሕናውን በዚ እምነት እዝን ቅርበት ውሉድን ናብ እግዚአብሔር ኣቦና ከይሰልቾና ደጋጊምና ኣቦና እናበልና ክንጽውዖን ክንልምኖን ኣዘኻኺሮም።

ቅዱስነቶም ናብቲ ፍጻሜ ወንጌል ምልስ ይብሉ እሞ እዞም ጸሎት መሃረና ዝብሉ ሓዋርያት ቅድሚ ይጽልዩ ኣይነበሩን ማለት ድዩ ወይስ ከመይ እዩ እቲ ጸሎት መሃረና ምባሎም ንዝብል ሕቶ ዝምልሹ ክመስሉ ኩሎም ኣይሁድ ስለዝነበሩን ቀዳም ቀዳም ኣብ ምኲራባቶም ተጋቢኦምስ ይኹን ኣብ ዕለታዊ ናብራኦም ብልማድ ኣይሁድ ዝጽለ ጸሎትስ ኩሎም የዘውትርዎ ነሮም። ኮይኑ ግን ኢየሱስ ወትሩ ኣብ ጸሎት ክጽመድ ይርእዎ ብምንባሮም ከምኡ ናቱ ኣብነት ክኽተሉ ጸሎት ኢየሱስ ክሳብ ክንደይ ከምዝኾነ ንኽፈልጡ ይሓትዎ። ቅዱስነቶም ጽንሕ ኢሎም በቲ ትዊተር ዝበሃል መራኸብቲ ብዙሓን ዘመሓላለፍዎ ሓጺር መልእኽቲ ነዚ ፍጻሜ ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ።

ኣብ ናይ ሎሚ ቃለ ወንጌል ኢየሱስ ጣዕሚ ጸሎት ክነስተማቅር ይዕድመና። ነዚ ከኣ ብቀጥታ ምስ እግዚኣአብሔር ኣቦና እንዋሳኣሉ ቃላት ብምምሃር ይገብሮ። ሕዳሴ ጸሎት ክርስትያንከስ ኣብዚ ይረኤ። ጽሎት ክርስትያን ኣብ መንጎ ዝፋቀሩ ሰባት ዝግበር ዘተ ኰይኑ ቀንዲ መሠረቱ ከኣ ምትእምማን ሓድሕድ እዩ’ ኢሎም።

ክቡር ህያብ መምህር!

እቲ ደጋጊሞም መምህር እናበሉ ኣብ ዝኸውንን ዘይከውንን ሓዋርያት ዝሓትዎ ዝነበሩ ኢየሱስ ሓቀኛ መምህር ምዃኑ ብቀዳምነት ብግብሪ ኣብነት ብምዃን ምምሃሩ ልዕሊ ኩሉ ግን ንጸሎት ብዝምልከት ብሓቂ ንኩሉ ተልእኮኡ ምስ ኣቦኡ ብምዝታይ ይገብሮ ከምዝነበረ ወንጌላት ይገልጽዎ። ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ወንጌል ክጽሊ ካብኦም ፍንትት በለ! ክጽሊ ሓደረ! ወዘተ ዝብል እንክርከቦ ኣብዛ ዝሰማዕናያ እውን ሉቃስ ወንጌላዊ እንከዘንቱ ‘ጸሎቱ ምስ ዛዘመ ድማ’ ሓተትዎ ይብል። ከም በዓል ሕርየት ሓዋርያት ቀራንዮ ዚኣመሰሉ ዓበይቲ ጉዳያት ቅድሚ ምፍጻሙ ኣብ ሓያል ጸሎት ከምዝጽመድ ምሉእ ለይትስ ይኹን ሰዓታት ክሳብ እታ ደም ዝረሃጸላ ጸሎት ጌተሰማኒ ንኩሉ ምስ ኣቡኡ ብዝነበሮ ጥቡቅ ርክብ ጸሎት የካይዶ ከምዝነበረ ብሕይወቱ ዝመስከሮ እዩ። ሓዋርያት ከኣ ናይዛ ብጥብቂ ምስ ኣቦ ናይ ምርኻብ ስልቲ ክምህሮም ይምሕጸኑ። ኢየሱስ ከኣ እታ ዝዓበየት ህያብ ዝኾነት ጸሎት ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ይሓድገልና።

[ ምሥጢር ወልደ እግዚአብሔርን ሓውናን ምዃኑ ምስ ገለጸልና ጐ.ኢ.ክ በዛ ጸሎት እዚኣ ገሩ ኣብ ምሥጢር ኣቦነት እግዚአብሔርን ውሉድነትናን የእተወና። ኣቡነ ዘበሰማያት ክምህረና እንከሎ ከመይ ገቢርና ንኣቦነቱን ውልድነትናን ከምእንቅበል ምሂሩ ብከመይ ዝበለ መንገዲ ከኣ ምሳኡ ኣብ ተዋስኦ ጸሎት ብቀጥታ ከምእንኣቱ ንሳ ኸኣ ውሉዳዊ ምትእምማን ምዃና ይምህረና። እዚ ጸሎት እዚ ኣቦን ውሉድን ወይውን ውሉድን ኣቦን እሂን ምሂን ዝብልሉ ዝለዓለን ዝዓመቈን ዘተ እዩ። ]  

ውህበታት እግዚአብሔር!

ትሕዝቶ ኣቡነ ዘበሰማያት ብተደጋጋሚ ከምዝተግልጸ ኩሉ በቲ እንኮ ወልደ እግዚአብሔር ዝተረጋገጸ ኰይኑ ብኣኡ ኣቢሉ ዝተገልጸናን ዝበርሃልናን እዩ። እቲ ኣብኡ እንደግሞ ምቅዳስ ስሙስ ይኹን ምምጻእ መንግሥቱ  ትዕድልቲ ዕለታዊ እንጌራስ ይኹን ምሕረትን ካብ ፈተና ምስዋርን ኩሉ በቲ እንኮ ወዱ በሪሁ እዩ።

“ክንልምን እንከሎና ንክንቅበል ኣእዳውና ንዝርግሕ። እዚ ከኣ እቲ ኣቦና ኣብ ወዱ ክንርእዮ ዝኸኣልና ውህበታት ንክንቅበል እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሃረና ጸሎት ናይ ኩለን ጸሎታት ጽማቊ እያ። ነዚ ከኣ ምስ ኣሕዋትና ኣብ ምሉእ ምውህሃድ ኰይና ናብኡ ኣቦና ኢልና ንልምን። ኣብ ጸሎት ሓንሳእ ሓንሳእ ምዝንጋዕ ከጋጥም ይኽእል እዩ ኰይኑ ግን ብዙሕ ግዜ ኣብታ ኣቦ ትብል ቀድማይቲ ቃል ጠጠው እንተኢልናን ነዚ ኣቦነት እዚ ኣብ ልብና እንተንሰምዖ ክንደይ ምጠዓመ ኢሎም።”

ሓያል ጽንዓት!

ድሕሪ ትምህርቲ ኣቡነ ዘበሰማያት ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ኣብነት ናይ ሓደ ኣብ ዘይተጸበዮ ናይ ለይቲ ሰዓት ጋሻ ዝመጾን ዝቅርበሉ ዝሰኣነን እሞ ናብ ዓርኩ ከይዱ ርድኣኒ ዝብሎ እቲ ግን ንሱን ደቁን ደቂሶም ስለዝነበሩ በጃኻ ኢለካ ደቂስና ኢና እንክብል እቲ ግን ደጋጊሙ እንክልምን ዓርኩ ኰይኑ እንተዘይሃቦ ኣውን ሰላም ክረክብ ከምዝህቦ ብምግላጽ እግዚአብሔርከ ነቶም ለይትን መዓልትን ዝልምንዎ ክንደይ መንፈሱ ኣብዚሑ ዘይህቦም  እንክብል ብሓያል ጽንዓት ክንልምን ከምዘለሎና ከምዝምህር ሓቢሮም ኣብ ዓዶም ኣርጀንቲና ኣብ ዕድመ ስለምንታይ ማለት 3 ወይውን 3 ፈረቃን ዝዕድሚኦም ቈልዑት ዝገብርዎ ይዝክሩ።

“እዚኦም ሕጻናት ናብ ኣቦኦም ይጥምቱ እሞ ኣቦ እዚ ስለምታይ ከምዚ ኰይኑ እዚኸ ስለምንታይ እናበሉ መግለጺ ይሓቱ። ኣብዚ ክንጥቀቅ ኣሎና። ኣቦ ሕቶኦም እናመለሰ እንከሎን መግለጺእናሃበ እንከሎን እንደገና ምስ ሓዲስ ሕቶ ይመጹ። እንታይ ይኸውን ይመስለኩም! ሕጻናት ብዙሕ ግዜ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ውሕስነት ኣይስምዖምን ነቲ እትህቦ መግለጺ ዳርጋ ፍርቁ እዮም ዝርድኡ በዚ ከኣ ንኣተና ወላዲ ክስሕቡ እዚኸ ንምንታይ እቲኸ ስለምንታይ ዝብልዎኸኣ በዚ እዩ። ንሕና እውን ኣብታ ኣቦና እትብል ቃል ደው ኢልና ነዚ ናይ ሕጻንነትና እንተዘኪርናን ንኣተና ኣቦና ናባና ነብሎ ማለት እዩ። ስለዚ ኣቦና ኣቦና ኢልና እንተደጋገምናን ስለምንታይ እዚ ከመይከ እዚ እናበልና እንተሓተትናዮን ቊሊሕ ክብለና እዩ።”

እንክብሉ ትምህርቶም ፈጺሞም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደገሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
28 July 2019, 13:40