ኣብ ጒዕዞ ሕይወት ኣስተንትኖን ሥራሕን ኣዛኒቕካ ምኽኣል ብሓጐስ ከምእትነብር ይገብር! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 21 ሓምለ 2019 ዓምፈ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚኣአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ‘ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ሓንሳእ ደው ኢልና ምስ ኢየሱስ ምዕላልን ምስማዑን ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ንካልኦት ንምግልጋል ስንድው ምዃን ናይ ማርያምን ማርታን ኣጻሚድካ ክንክተሎ ዘሎና መንገዲ ክርስትና እዩ’ እንክብሉ ምዒዶም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንሰንበት ዕለት 21 ሓምለ ዝቀረበ ወንጌል ሉቃስ 10.38 ኮይኑ ኢየሱስ ኣብ ቤት ማርታን ማርያምን ዝገልጽ ማርታ ነቲ ዓቢ ጋሻ ንምቅባል ላዕልን ታሕትን ክትብል ማርያም ግን ኣብ እግሪ ኢየሱስ ኰፍ ኢላ ንኣኡ ትሰምዕ ነበረት እሞ ማርታ ሓገዝ ሓውታ ደልያ ‘ጐይታይ ኃውተይ በይነይ ከገልግል ክትኃድገንስ ኣይግድሰካንዶ! ክትሕግዘኒ ኣለዓዕላ’ በሎቶ ። ጐይታና ግን ከምዚ ቢሉ መለሸላ ‘ማርታ ማርታ ብብዙኅ ነገር ትጭነቕን ትኍአኽን ኣሎኺ። ግዳስ ሓንቲ ነገር እያ ኣድላዪት ማርያም ድማ እታ ዝበለጸት ክፍሊ መሪጻ ኣላ፡ ኣይክትውሰዳን ከኣ እያ’ ቢሉ መለሰላ ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ኩነታት ናይዘን ክልተ ኣሕዋት ኣስተንትኖን ሥራሕን ኢሎም ይመቅልዎ እሞ ጥበብ ልቢ ዝበሃል ነዚኤን ክልተ ብሓንሳብ ኣጣሚርካ ምጒዓዝ ምዃኑን ከምቲ ቅዱስ ሉቃስ ዘዘንትዎ ከኣ ማርያምን ማርታን ንኢየሱስ ዝገበራሉ ተቅባል ዝጻረር እኳ እንተመሰለ ኣብ ሕይወትና ክንክተሎ ዝግበኣና ኣየናይ ጐዳና ምዃኑ ይሕብሩና ኢሎም። በቲ ሓደ ወገን ነሕዋትና ክንፈቅርን ክነገልግሎምን ክንግደሰሎምን ከምዘሎና ዘመልክት ላዕልን ታሕትን ምባል ናይ ማርታ በቲ ካልእ ወገን ከም ናይ ማርያም ብልኻ ዝግበር ምቅባል ኣብ እግሪ ጐይታ ኰፍ ጽን ኢልካ ንኣኡ ምስማዕ እዩ። በዚ ክልተ ተግባራት እዚኤን ናይ ሰላምን ተስፋን ሃነጽቲ ክንከውን ንኽእል ኢሎም።

“ንሕይወት ብታሕጓስ ክነስተማቅራ እንተደሊና ነዘን ክልተ መንገድታት ክንክተል ኣሎና። በቲ ሓደ ወገን ኣብ እግሪ ኢየሱስ ኰፍ ኢልካ ነቲ ናይ ኩሉ ነገራት ምሥጢር ዝገልጽ ኢየሱስ ጽን ኢልካ ምስማዕ እንክኸውን በቲ ካልእ ወገን ድማ ብዛዕባ ሰባት ተገዲስካ ነቶም ብኣኹም ዚሓልፉን ማዕጾ ዝኲሕኩሑን ንእሽቶ ናይ ዕረፍትን ሕውነትን ገጽታ ደልዮም ናባኻ ንዝመጸ ኣጋይሽካ ንክትቅበል ላዕልን ታሕትን ምባል የድሊ።”

ንነገራት ብህድኣት ንክትፍጽም ቊሩብ ንበይንኻ ምስ ጐይታ ምዕላል የድሊ!

ማርያም ነቲ እትገብሮ ዝነበረት ገዲፋ ናይ ኢየሱስ ከይዳ ኣብ እግሩ ኰፍ ኢሉ ትሰምዕ ነበረት። ከምዛ ናይ ማርያም ነቲ እንገብሮ ዝነበርና ነገር ገዲፍና ንኣኡ ጽን ኢልና ብልብና ምስ ቀረብናዮ ደስ ዘብል ዘይሓሰናዮ ነገር የስምዓና። እቲ ኣንጻላልዩና ዝጸንሔ ደበንገረ ይለዓል ዘጠራጥረና ዝጸንሐ ነገራት ንሓቂ ቦታ ይሓድግ ፍርሂ ብቅሳነትን ህድኣትን ይትካእ ዘዕገርግሩና ዝጸሑ ነገራት በቦታኦም ይሕዙ። ጐይታ ናባና ክመጽእ እንከሎ ንጉዳያትና በቦታኦም የትሕዞም። በዚኸስ ይብሉ ቅዱስነቶም ላዕልን ታሕትን ኣብ እንብለሉ ዕለታዊ ጒዕዞ ሕይወትና ንገለ ቊሩብ ደቃይቅ ብሱቚታ ምስ ጐይታ ክነዕልል ምስ እንውስን ህድኣትን ቅሳነትን ንረክብ።

“ማርያም ንዝወሰደቶ ስጒምቲ እንከመጒስ ኢየሱስ ‘ማርያም ነቲ ዝበለጸ መሪጻ ኣላ’ (ኁ 42) ክብል ዝገለጾ ንሕና እውን ከምኡ ክንገብር እንከሎና ንነፍስወከፍና ይደግሞ እሞ ‘ብእትገብሮም ነገራት ተዓሚምካ ክተርፍ ኣይትፍቀድ እንታይ ደኣ ቅድም ቀዳድም ንድምጺ ጐይታ ክትሰምዕ ወስን በዚ ከኣ ነቲ ሕይወት እትህበካ ዕዮ ገዛ ብጽቡቅ ክትፍጽሞ ኢኻ ይብለና ኢሎም።”

ኣብ ማሕበረ ኮማትና ጋሻ ናይ ምቅባል መንፈስ ይደንፍዕ!

ማርያም ኣብ እግሪ ኢየሱስ ኰይና ተሃኒና ክትሰምዖ ከላ እታ ንምቅባል ዓቢ ጋሻ ላዕልን ታሕትን ትብል ዝነበረት ማርታ ምስ ሓተቶ ኢየሱስ ዝሃባ መልሲ ምናልባ ንኣገልግሎት ዝኲንን ከይመስለና ምሉእ ብምሉእ ሕይወትና ብኣኡ ክውሰን ከምዘይብሉ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ይገልጹ።

“ጭንቀት ቅድስት ማርታ ንኣና እውን ይጸልወና እዩ። ኣብነታ ተኸቲልና እውን ኣብ ሥድራቤታትናስ ይኹን ኣብ ማሕበረኮማትና ንዝመጹና ኣጋይሽ ከም ኣብ ገዛኦም ኰይኑ ንክስምዖም ኣጋይሽ ናይ ምቅባልን ሕውነትን መንፈስ ነደንፍዕ። ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ናኣሽቱ ትሕቲ ዕድመን ድኻታትን መዓጹና ክኲሕኩሑ እንከለው ነዚ መንፈስ እዚ ክነዘውትር ኣሎና ኢሎም።”

ድሕሪ ኣስተምህሮ ጉባኤ መልአከ እግዚአብሔር ቅዱስነቶም ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣዕሪጎም ነቲ ምሉእ ዓለም ኣብዚ ቅንያት እዚ ዝዝርበሉ ዘሎ መበል ሓምሳ ዓመት ጉዕዞ ደቂ ሰባት ኣብ ወርሒ ዘኪሮም እዚ ፍጻሜ እዚ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ደቂሰባት ሰጊርና ዝበለጸ ፍትሕን መሰልን ብሩሕ መጻኢ ንወለዶታትን ክንቋምት ኣዘኻኺሮም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
21 July 2019, 13:43