ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ምእንቲ ግዳያት ሓደጋ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ጸልዮም

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሰንበት ዕለት 28 ሓምለ 2019ዓምፈ ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር፣ ምእንቲ እቶም ኣብ ምጅማር ዝሓለፈ ሰሙን፣ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ናይ ዘይውሕስቲ ጃልባ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ ስደተይናታት ጸሎት ኣዕሪጎም።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ቅድስነቶም ትማሊ ሰንበት ብዛዕባ ጉዳይ ስደተይናታት ኣልዒሎም፣ ነዚ ኣብ ምጅማር ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንህሉው ኩነታት ስደተይናታት ብዘይ ወዓል ሕደር፣ ብተግባር ዝተሰነየ ቅልጡፍ ውሳነ ክወስድ ጸዊዖም። ነዚ ዝጸውዑ ቅዱስ ኣቦና ትማሊ ሰንበት ዕለት 28 ሓምለ 2019ዓምፈ ኣብ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ናይ መልኣከ እግዚኣብሔር ጸሎቶም ከምዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፣ ንግዳያት ሓደጋ`ውን ኣብ ጸሎቶም ዘኪሮም።

እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 24 ሓምለ 2019ዓምፈ ኮይኑ፣ ካብ መጠን ንላዕሊ ስደተይናታት ጽዒና፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ናይ ሊብያ ናይ ኣስታት 8 ኪ.ሜ. ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምስ ተጓዕዘት እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠመን፣ ብውሕዱ 115 ስደተይናታት ክጥሕሉ እንከለዉ 134 ስደተይናታት ግን ከምዝደሓኑን ተገሊጹ።  ኣብ’ዚ ዓመት  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዘጋጠሙ ሓደጋታት እዚ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ከምዝኾነ ክሕበር ኣንከሎ፣ ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ መጀመርያ 4 ኣዋርሕ ናይ ዓመተ 2019 ጥራሕ፣ 164 ስደተይናታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊጹ። ቅዱስነቶም ንዝተሰምዖም ሓዘን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ዘሕዝን ዜና ምጥሓል መርከብን ደቂኣንስትዮን ሕጻናትን ዝርከብዎም ብዓሠርተታት ዝቚጸሩ ስደተኛታት ሕይወቶም ዝሰኣኑሉ ፍጻሜ ብዓቢ ሓዘን ሰሚዔዮ፣ ንማሕበረሰብ መላእ ዓለም ነዚ ህሉው ኩነታት ስደተይናታት ኣብ ግምት ብምእታው ብዘይ ወዓል ሕደር፣ ብተግባር ዝተሰነየ ቅልጡፍ ውሳነ ክወስድ ከምዚ ዚኣመሰለ ትርጀዲ ከይድገምን ውሕስነትን ክብርን ናይ ኩሎም ስደተኛታት ክኽበርን እምሕጸን ኣሎኹ። ብሓባር ስለኩሎም ስለ ስድራቤታቶም ንጸሊ ንእግዚኣአብሔር ኣቦና ካብ ልብና ስለምታይ ኣቦየ ኢልና ንለምኖ።እንክብሉ ተማሕጺኖም።”

ትማሊ ዕለት 28 ሓምለ ንግሆ ግረጎረቲ ዝተባህለት መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ሃገር ጣልያን 131 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተይናታት ጽዒና ናብ ወደብ ኣጎስታ ከምዝተጸግዐት ክፍለጥ እንከሎ፣ ገለ ካብኣቶም ሓንቲ ኣደ ምስ በዓል ቤታን 2 ሕጻናት ደቃን ኮይኖም፣ ድሕሪ ናይ 8 ኣዋርሕ ስቓይ ኣብ’ቲ ቦታ ከምዝበጽሑ ገሊጾም። እዚ ኩሉ ሞትን ሕሰምን መከራን ድማ ብሰንኪ ናይ ኤውሮጳውያን ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዝተኸተልዎ ፖሎቲካዊ ጸማም እዝኒ ምሃብ ከምዝኾነ ካብ ማሕበር ር.ሊ.ጳ. ዮውሓንስ መበል 23 ዝኾነ ኣባ ኣልዶ ቦንኣዩቶ ከምዝገለጹን፣ ኣስዒቦም’ውን ዓለምሓቆፍ መዓልቲ ስደተይና ከህሉ ኣለዎ ብምባል ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ፋብዮ ኮላግራንደ ገሊጾም።

ኣባ ኣልዶ ኣስዒቦም፣ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን፣ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዘሎ ኣጠማምታ ኣዝዩ ኣሉታዊ’ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ሕልና ነፍስወከፍና ነዚ ዘጋጥም ዘሎ ናይ ጥፍኣትን ህልቂትን ድራማ ዝደልዮን ዝምነዮን ከምዘየሎን፣ እዞም ብቐጻሊ ግዳያት ዝኾኑ ዘለዉ ስደተይናታት ዘይረኣዩን፣ ስምን ገጽን ዘይብሎምን ኮይኑ`ኳ እንተመሰለና፣ ንሳቶም ግን ከማና ሰባትን ፣ መሰልን ክብርን ዘለዎም ከምዝኾኑ ብምግላጽ፣ ሂወቶም ንምድሓንን፣ነቲ ብሰንኪ ሓላፍነት ናይ ስድርኦም ብምስካምን ዝበለጸ ሕይወት ንምንዳይ ኣብ ኣጻምእ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን፣ ዝሃልቅዎ ዘለዉ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ተቍዋማት ሓንቲ ንስደተይና ዝተወፈየት መዓልቲ ክትቀውምን፣ ኣብ’ቲ መዓልቲ’ቲ ድማ ፣ ንዘሎ ወለዶ ናይ’ዚ ዓለም ጎስጓስ ክግበረሉን ጸዊዖም። ኣባ ኣልዶ ንመፍትሒ ናይ’ዚ ሽግር ኣመልኪቶም ብ 2 ኣገባባት እዚ ዘሎ ሽግር ስደተይናታት ክሃድእ ኣለዎ ይብሉ። ንሳቶም ድማ ንብዘይ ሕጋዊ ዝኣትዉ ስደተይናታት ብግቡእ መሰሎምን ሰብኣዊ ክብሮምን ብዝሕሉ ኣገባብ ምቕባልን፣ ውሑስ ዝኾነ ሰብኣዊ ሕጋዊ ኣተኣታትዋ ምጅማርን ከምዝኾኑ ድሕሪ ገሊጾም፣ ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድማ ሓባራዊ ዝኾነ ስምምዕ ከምዘድሊ ኣስሚሮምሉ።

ብድምጺ ንምክትታል!
28 July 2019, 13:37