ፓሮሊን፥ ርእሰ ብሔር ኣሳድ ጭቡጥ ተበግሶታት ምእንቲ ህዝቢ ከረጋግጹ ር.ሊ.ጳ. ይሓትቱ ፓሮሊን፥ ርእሰ ብሔር ኣሳድ ጭቡጥ ተበግሶታት ምእንቲ ህዝቢ ከረጋግጹ ር.ሊ.ጳ. ይሓትቱ 

ፓሮሊን፥ ርእሰ ብሔር ኣሳድ ጭቡጥ ተበግሶታት ምእንቲ ህዝቢ ከረጋግጹ ር.ሊ.ጳ. ይሓትቱ

ናይ ዜጋታት ደሕንነት ውሑስ ክኸውንን ኣብ ዞባ ኢድሊብ ዘሎ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ሰብኣዊ ቅልውላው ደው ንምባል ዝድግፍን ናይ ተመዛበልቲ ደሕንነትን እሱራት ናጻ ክልቀቑን

ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ንዘይብሎም ሕጻናትን ኣረጋውያንን ስንኩፋን ክፍሊ ሕብረተሰብ ንሓደጋ ሞትን ማህሰይትን ዘቃልዕ ኣባይትን ኣባይቲ ክርስቲያንን ኣባይቲ መውሃቢ ክንክን ጥዕናንን ኣብ ኢድሊብ ዘውድም ዘሎ ውግእ ክውገድ ዝድግፍ ጭቡጥ ተበግሶታት ዝሓትት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ካብ ኢድ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህይነተ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ንርእሰ ብሔር ኣሳድ ከምተረከበ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምስ ናይ ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli)  ዕለት 22 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣረኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ዜጋታት ደሕንነት ውሑስ ክኸውንን ኣብ ዞባ ኢድሊብ ዘሎ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ሰብኣዊ ቅልውላው ደው ንምባል ዝድግፍን ናይ ተመዛበልቲ ደሕንነትን እሱራት ናጻ ክልቀቑን ኣባይቲ ስድራ ብዛዕባ ሃለዋት ኣባላት ስድራ ቤቶም ሓበሬታ ክረኽቡን ንናይ ፖለቲካ እሱራት ኵነታት ዝምልከት ጭቡጥ ተበግሶታት ክረጋገጽን፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዘዋስእ ናይ ሰላም ዘተ ክብገስ ዝሓትት ዕለት 28 ሰነ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ብናይ ኵለተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኮድዎ ኣፒያ ቱርክሶን ሎሚ ዕለት 22 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ናብ ናይ ሶሪያ ርእሰ ብሔር ባሻር ሓፈዝ ኣል ዓሳድ ከማተወሃበ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ሓቢሮም፡ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ ናብ ርእሰ ብሔር ኣሳድ ንምብጻሕ ብዋና ጸሓፊኦም ክቡር ኣባ ኒኮላ ሪካርዲን ኣብ ሶሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ዘናሪ ከምእተሰነዩ ኣፍሊጦም።

ኣብ እናስር እቲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦናን ቅድስቲ መንበርን እዚዩ ዘተሓሳስብ ዘሎ ህልው ኩነታት ሶሪያ ብፍላይ ኣብ ዞባ ኢድሊብ ዘሎ ሕጹጽ ጉዳይ ሰብኣዊ ግምት ዝሃበ እዩ፡ ኣብቲ ዞባ ልዕሊ 3 ሚሊዮን ዝግመቱን ካብኣቶም እቶም 1.3 ሚሊዮን በቲ ህልው ኩነታት ሶሪያ ካብ ካልኦ ዞባታት እታ ሃገር ዝተመዛበሉ ዝርከብዎም እያቶም፡ ብዙሓት ካብቶም ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ማእከል ዝርከቡ እውን በቲ ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ተገዲዶም ይስደዱ ኣለዉ፡ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዅሉ ኩነት ብዓቢይ ሓዘን እዮም ዝከታተልዎ ዘለዉ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውንን ሕጻናትን ኣረጋውያንን ድኻታትን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝወርድ ዘሎ ኵለ መዳያዊ ማህሰይቲ ብቐረባ ዝከታተልዎን ዘሕድረሎም ዓቢይ ጓሂ ኣብቲ ምእንቲ ሶሪያ ዘቕርብዎ ጻውዒት ሰላም ግሁድ እዩ፡ እቲ ውግእ ሎሚ እውን መዕለቢ ኣይረኸበን ኢሎም።

ናይ ንጹሓን ዜጋታት ሕይወት ንምድሓንን ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ ተቕዋማት፡ ኣባይቲ ሕክምናን ትምህርትን ዝኣመሰሉ ካብ ውድመትን ደብዳብን ክድሕን ኣለዎ፡ ነቲ ኩሉ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ውግእን ዓመጽን ክውገድ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣበርቲዑ ክዓዪ ይግብኦ፡ ነዚ ዅሉ ግምት ብምሃብ ቅዱስ ኣቦና ነታ ሃገርን ሕዝባን ካብ ምጽላይ ዓዲ ኣይወዓሉን፡ ዕርቅን ሰላም ኣብ ልዕሊ ሕነ ምፍዳይን ጽልእን ክነገስ ጻውዒት የቕርቡ፡ ናይ ሰላም ዘተ ክብገስን፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ናጻ ክልቀቑን ብዛዕባ ኣባይቲ ስድራኦም ሓበሬታ ክረኽቡን ብኣባይቲ ስድራኦም ክብጽሑ ዕድል ክረኽቡን እዚ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እውን ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም የተሓሳስቡ።

ኣብ 2018 ዓ.ም. ብዛዕባ ሶሪያ ጉዳይ ዝከታተል ናጻ ዓለም ሓቆፍ ኮሚሽን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ በሸሓት ዝቑጸሩ እሱራት ከምዘለዉ ሓቢሩ ከምዝነበረ ዝገለጹ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ እዞም እሱራት ገሊኣቶም ኣብ ናይ መንግስቲ ገሊኣቶም ኣብ ዘይመንስታውያን ኣባይቲ ማሕቡስ ኣብ ዘይፍለጥ ስፍራ ዝተዓግቱ ኣደዳ ስቓይን መግረፍትን ዝዀኑ ዘለዎ እያቶም፡ መብዛሕቲኦም እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጥሞም ከምዝዀነ እቲ ጸብጻብ ይሕብር፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰል ኵነት ዘሎ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝስሕትዎ ኣይኰነን ከምዚ ብምዃኑ እሱራት ናጻ ክልቀቑ ኣብ መልእኽቶም ጻውዒት የቕርቡ።

ቅድስቲ መንበር ብዘይ ምቁራጽ እቲ ኣብ ሶሪያ ዝካየድ ዘሎ ቅልውላው ክንየው ውልቃዊ ረብሓ ዝብል ክትግበር ዝኽእል ፖለቲካዊ መፍትሒ ክረክበሉ ወትሩ ከይተሓለለት ጻውዒት ተቕርብ፡ እዚ ከይዲ እዚ ብናይ ስነ ሜላዊ ርክብን ብሽምግልና ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ክፍጸም ትምሕጸን፡ ውግእ ካልእ ውግእ እዩ ዝጠልብ፡ እዚ ካብ ታሪኽ እንፈልጦ ሓቂ እዩ፡ እቲ ኣብ ጀነቭ ተበጊሱ ዝነበረ ናይ ሰላም ዘተ ምቁራጹ ብዙሕ ዘተሓሳስብ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ እዩ ድማ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ናብ ርእሰ ብሔር ኣሳድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፡ እቲ ናይ ሰላም ዘተ ዳግም ንምብጋስ ክተግሁን ፖለቲካውን ሰብኣውን ፍቓድ ከርእዩን እቲ ውግእ መዕለቢ ክርከቦ ዝድግፍ ተፈጻምነት ክህልዎ ዝኽእል ናይ ሰላም ዘተን ስምምዕን ክብጻሕ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘተሓሳስቡ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ፓሮሊን፥ ርእሰ ብሔር ኣሳድ ንሕዝቢ ዝሓልይ ጭቡጥ ተበግሶታት ምእንቲ ህዝቢ ከረጋግጹ ር.ሊ.ጳ. ይሓትቱ
22 July 2019, 17:32