ዜና ዕረፍት ብፁዕ ካርዲናል ሳርዲ ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ዜና ዕረፍት ብፁዕ ካርዲናል ሳርዲ ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ 

ዜና ዕረፍት ብፁዕ ካርዲናል ሳርዲ ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ

ስለ ምስክርነቶምን ኣገልግሎቶምን ንእግዚኣብሔር ምስጋና አቕርብ ቢሎም፡ ንሰበኻ ኣኵይ ማሕበረሰብን ንመላእ ስድራ ቤት ብፁዕ ካርዲናል ሳርዲ፡ ጽንዓት ካብ እግዚኣብሔር እምሕጸን ከምዝበሉ ዝሓበራ ካስተሊ ኣስዒበ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናብ ሓው ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲና ሳርዲ፥ ንፒየትሮ ኣንጀሎ ሳርድን ስድራ ቤቶምን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ

ብፁዕ ካርዲናል ፓውሎ ሳርዲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ብዝሓደሮም ሕማም ምኽንያት ንሓጺር እዋን ክእለዩ ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 13 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድመኦም ከምዝዓረፉ ዝተነግሮም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንስድራ ቤት ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ሳርዲ ስድራ ቤት፡ ንሓዎም ንፒየትሮ ኣንጀሎ ሳርዲን ስድራ ቤቶምን ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከምዘመሓላለፉ ዝገለጻ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ባርባራ ካስተሊ ኣስዒበን፡ ናይ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ፓውሎ ሳርዲ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ዕለት 15 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝዓረገ ናይ ፍትሓት ጸሎት ከእተፈጸመ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ሳርዲ ኣብ ሕይወቶም ብዘቕረብዎ ሓናጺ ምስክርነትን ዝበዝሐ ዕድመኦም ኣብ ኣገልግሎት ቅድስቲ መንበር ዘወፈዩን ምዃኖ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ገሊጾም፡ ስለ ምስክርነቶምን ኣገልግሎቶምን ንእግዚኣብሔር ምስጋና አቕርብ ቢሎም፡ ንሰበኻ ኣኵይ ማሕበረሰብን ንመላእ ስድራ ቤት ብፁዕ ካርዲናል ሳርዲ፡ ጽንዓት ካብ እግዚኣብሔር እምሕጸን ከምዝበሉ ዝሓበራ ካስተሊ ኣስዒበ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናብ ሓው ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲና ሳርዲ፥ ንፒየትሮ ኣንጀሎ ሳርድን ስድራ ቤቶምን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፡ ጥበበይናነቶምን ቲዮሎጊያዊ ሊቕነቶምን ኣብ ኣገልግሎት ቅድስቲ መንበር ዘወፈዩን፡ ንናይ ጳውሎስ ሻድሻይን ንናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳዳማውን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን በነዲክቶስ መበል 16ን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዘበርከቱ ከምዝነበሩ ዘኪሮም፡ ኣብቲ ንሶም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ወትሩ ኣብ ዘዕርገዎ ዝነበረ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሓብሩ ምስ ዝነበሩ መእመናን ሓቢረ ስለ ነፍሰ ሄር ካርዲናል ሳርዲ ጸሎተይ የዕርግ ከምዝበሉን ጥንቁቕን ሕያዋይ ኣገልጋል እግዚኣብሐርን ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን እንክብሉ ከዝገለጽዎም ኣፍሊጠን።

ዕለት 15 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ሰዓት 10.30 ስነ ስርዓት ቀብሪ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ሳርዲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ብዝሰርዓዎ ናይ ፍትሓት ቅዳሴን ቅዱስ ኣቦና ብዘቕረብዎ ናይ ፍጻሜ ምህለላን ስዒቡ፡ ሮማ ኣብ ጐዳና ቱስኮላና ኣብ ዝርከብ ኣብታ ስዩም ዲያቆን ኣብ ዝነበሩላ ባዚሊካ ቅድስተ መርያም ረዳኢተ ስነ ስርዓት ቀብሪ ከምእተፈጸመ ካስተሊ ሓቢረን።

ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ሳርዲ ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ፒዮሞንተ ዝተወልዱን ኣብ 2010 ዓ.ም. ብበነዲክቶስ መበል 16 ካርዲናል ዝተሰምዩ ከምዝነበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም፡ ዕለት 1 መስከረም 1934 ዓ.ም. ኣብ ክፍለ ሃገር ፒዮሞንተ ከተማ ማንፈራቶ ኣብ ሰበኻ ኣኵይ ኣብ ዞባ ኣለሳንድሪያ ካብ ሓረስታይ ኣቦን ካብ ናይ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ መምህር ኣደ ዝተወልዱን፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ኣብ ሰበኻ ኣኵይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኣትዮምም፡ ኣብ 1954 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐርያና መንበረ ጥበብ ናይ ቲዮሎጊያ ትምህርቶም ኣጠናቒቖምን ኣብ 1958 ዓ.ም. ብቲዮሎጊያ ሊቕነት ዘመስከሩን፡ ዕለት 29 ሰነ 1958 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም ብውሳኔ ናይ ሰበኻኦም ጳጳስ ብሕገ ቀኖና ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ሊቕነት ንኸመስክሩ ተኣዚዞም ኣብ 1963 ዓ.ም. ብዝለዓለ ነጥቢ ተመሪቖም ናብ ሰበኻኦም ተመሊሶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ናይ ግብረ ገብ ቲዮሎጊያ መምህር ኰይኖም ክሳብ 1976 ዓ.ም. ከምዘገልገሉን፡ ኣብ 1975 ዓ.ም. ትማልን ሎምን ምንጻል ጽንሲ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ 1975 ዓ.ም. መጽሓፍ ዘሕተሙን፡ ኣብ 1976 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ንኸገልግሉ ተጸዊዖም ኣብ ምግልጋል እንከለዉ፡ ዕለት 10 ታሕሳስ 1996 ዓ.ም. ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሊቀ ጳጳስ ተሰምዮም ዕለት 6 ጥሪ 1997 ዓ.ም. ማዕርገ ጵጵስና ተቐቢሎምን ክሳብ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2004 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ር.ሊ.ጳ. ኣብ መገሻን ቅድስቲ መንበር ብተኸታሊቅዱስ ጴጥሮ ዕረፍት ምኽንያት ክሳብ ሓድሽ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሕረዩ ህይነተ ኰይኖም ንዘገልግሉ ተራዳኢ ኰይኖም ክሳብ ዕለት 22 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ከምዘገልገሉ ጂሶቲ ይሕብሩ።

ዕለት 6 ጥሪ 2009 ዓ.ም. ናይ ማልታ ሉኣላዊ ወተሃደራዊ ኣብ ኣገልግሎት እምነትን ንድኻታትን ማሕበር ደጋፊ ሓለቓን ካብ ዕለት 30 ሕዳር 2010 ዓ.ም. ክሳብ 2014 ዓ.ም. ምሉእ ሓለቓ ኰይኖም ዘገልገሉን፡ ብበነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 20 ሕዳር 2010 ዓ.ም. ካርዲናል ዝተሰምዩ ከምዝነበሩን፡ ኣብ ሮማ ጐደና ቱስኮላና ኣብ ናይ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ረዳኢተ ኵሉ ዲያቆን ካርዲናል ተሰምዮም ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓረየ ናይ 2013 ዓ.ም. ብብፁዓን ካርዲናላት ኣብ ዝካየዶ ዕጹው/ብሑት ናይ ምርጫ ስነ ስርዓት ር.ሊ.ጳ. ከምእተሳተፉ ጂሶቲ የዘኻኽሩ።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ብፁዕ ካርዲናል ሳርዲ

Photogallery

ስነ ስርዓት ቀብሪ ብፁዕ ካርዲናል ሳርዲ
15 July 2019, 17:56