ድለ

ኣብ ቨነዝወላ ብቅልጡፍ ኣብ ስምምዕ ይበጻሕ! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 14 ሓምለ ፍርቂ መዓልቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ንነዊሕ ግዜ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ዝሕምሳ ዘሎ ሃገረ ቨነዝወላ ብምዝካር ‘ንሠናይ ነገር ሕዝቢ ቨነዝወላ ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ ኣድላዪ እዩ` እንክብሉ ብርቱዕ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ኣብ በብይኑ ኣጋጣሚ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቨነዝወላ ዘሎ ፖሎቲካውን ሕብረተሰብኣውን ቊጠባውን ቅልውላው ደጋጊሞም ዝተማሕጸንዎ ትማል ሰንበት እውን ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ሓያል ምሕጽንታ ከምዚ ክብሉ ጸዊዖም።

“ሎሚ እውን እንደገና ነቲ ብብዙሕ ቅልውላው ዝተፈተነ ፍቁር ሕዝቢ ቨነዝወላ ዘሎኒ ቅርበት ክገልጽ እደሊ። ንጉዳይ ዓዲ ሒዞም ንዘለው እግዚአብሔር ከስተንፍሰሎምን ክብርሃሎምን እሞ ብዝቀልጠፈ ግዜ ነዚ ሥቃይ ሕዝቢ ንምድምዳም ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ እሞ ንሕዝቢ እታ ሃገርን ምሉእ ዞባን ሠናይ ክኸውን ንጸሊ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ነቲ ዓለም ብዓለሙ ዝሕመሉ ዘሎ ጉዳይ ቨነዝወላ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ሥልጣን ዘሎ ፕረሲደንት ማዱሮን ብኽዋን ጉዋይዶ ናይ ዝምሕራሕ ምንቅስቃስ ሃገራዊ ጉባኤ ዘሎ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ክሰግሩ ይምሕጸኑ። ጳጳሳት ቨነዝወላ እውን ብወገኖም ቅድሚ ትማሊ መልእኽቲ ብምጽሓፍ ናብ ቊዋም ናይታ ሃገር ክምለሱን ነቲ ልዕሊ 4 ሚልዮን ስደተኛታት ገሩ ዘሎ ቅልውላው ደው ከብልዎን ተማሕጺኖም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

14 July 2019, 13:58