ር.ሊ.ጳ. ሰብኣውነት ንምሕናጽ መደብ ሕንጸት ናብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ከተኵሩ ኣለዎ

ሕንጸት ብቐንዱ ዘጓንፎ መሰረታዊ ብድሆ ሰብኣውነት ዘዕንወት ዝሰፍሕን ዘሎ ዝንባለ እዩ፡ ውልቃውነትን ኣህላኽነትን፡ ንምትሕብባርን ምትሕልላይን ዘቕህም፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ኣብ ኒው ዮርክ ዕለት 8 ሰነ 2019 ዓ.ም. ናብ ዝተዛዘመ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ጽሕፈት ሓልዮ ካቶሊካዊ  ስነ ሕንጸት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካቶሊካውያን ናይ ሕንጸት ተቕዋማት ሰብኣውነት ንኽሓንጻ ዝተጸውዓ እያተን እንክብሉ ዝገለጽዎ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ሰብኣዊ ዘተኰረ ሕብረተሰብን ኣብቲ ክገሃስ ዘይብሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ፍትሕን ሰላምን ጥዑይ ውልቃውን ማሕበራውን መንግስታውን ርክባትን ምትሕብባርን ድጋፍን ንዝብል ራእይ ዝጣበቕ ማለት ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ሓቢሮም፡ ናብቲ ሕንጸት ንሕውነታዊ ሰብኣውነት ንናይ ፍቕሪ ስልጣነ ሕንጸት ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ኒው ዮርክ ዝተኻየደን ዕለት 8 ሰነ 2019 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስነ ካቶሊካዊ ሕንጸት፥

ዕንወተ ሰብኣውነት

ሕንጸት ብቐንዱ ዘጓንፎ መሰረታዊ ብድሆ ሰብኣውነት ዘዕንወት ዝሰፍሕን ዘሎ ዝንባለ እዩ፡ ውልቃውነትን ኣህላኽነትን፡ ንምትሕብባርን ምትሕልላይን ዘቕህም፡ ማሕበራዊ ውህሉል ክብርታት ዝዕፍን ንናይ ሓባር ናብራ ዓንዲ ዝዀነ ኵሉ ዘባድም እዩ፡ ዘይተገዳስነትን ሸለል ናይ ምባል ባህሊ እውን ንገዛእ ርእሱ፡ ናይ ሰባትን ህዝብታትን ርክባት ዝጋርድን ንምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና ዝሃስይ ትርጉም ሰብኣውነት ዝብርዝም ምዃኑ የብርሁ።

ሰብኣውነት ምሕናጽ

ቅዱነቶም ኣስዒቦም፡ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ዕንወት ሰብኣውነት ንምግጣም ዝተፈላለየ ክውንነት  ስነ ሕንጸት ስኑይ ምግባር የድሊ፡ ቅድም ቀዳድም ቤት ሕንጸት ስድራ ቤት እዩ፡ ኵሉም ናይ ስነ ሕንጸት ሰብ ሙያን መምሃራንን ሰብኣዊ ዕብየቶም ካብ ስድራ ቤት ዝብገስ ብምዃኑ ኣብ ሕንጸት ሰብኣውነትን መንእሰያት እውን ብተራኦም ኣብ ሕንጸት ሰብኣውነትን ማሕበራውን ምትሕብባርን ሰላም ኣብ ምሕናጽ እጃም ዘለዎም መታን ክዀኑ ኣባይቲ ስድራ ኣብ መደብ ሕንጸት ክዋስኡ ይግባእ፡ ሰብኣውነት ምሕናጽ ማለት ናይ ሕንጸት ዕዮ ናብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ከመስርቕ ምግባር ማለት እዩ፡ እዚ እውን ብመደባት መውሃቢ ኣገልግሎትን ርክባትን እንገዳን ንድኻታትን ነቶም ተነቀፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዕድላት ብምቕራብ ዝኽወን እዩ ኢሎም።

መላኺ ብሉጽ ናይ ምዃን ድላይ

ካልእ እቲ ንኪደት ሕንጸት ዓቢይ ሓደጋ፥ ብሉጽ ውጽኢት ዝብል መላኺ ባህሊ እዩ፡ ዓቢይ ነጥቢ ዓታሪ ናይ ምዃን ውደራ፡ ሰብ ከም ሰብ ዘይኰነ ከም ናይ ቤተ ሙከራ መጋብርያ ገይሩ ዘንብብን ንዅለንተናዊ ዕብየቱ ዘይግደስ፡ ውጺእታዊ ጥራሕ ኽከውን ዝብል ዝለዓለ ነጥቢ መን ረኸበ መምዘኒ ሰብ ዝገብር፡ ኣብ መደብ ሕንጸት ዝሰፍሕ ዘሎ ዝንባለ ምዃኑ ኣብሪሆም። እቲ ካልእ ጸገም እውን ተወንጫፍነት ዝብል እዩ፡ እትውከሶ ዘበለ ኵሉ ሕጹጽ ምቅይይያራትን ውንጩፍ ምቅይያራት ዘለዎ ብምዃኑ ስነ ኣእምሮኣዊ ዘይምርግጋእን ሚዛናውነት ምስሓትን ዘስዕብ ምዃኑ የመላኽቱ።

ግዜ ምርካብ

እንነብረሉ ዓለም ተወንጫፍን ንምስትምቓርን ንምድናቕን ዕድል ዘይህብ ይኸውን ኣሎ፡ ስለዚህ ንናይ ግዜ መሰረታዊ ረቛሒ ቀዳምነት ምሃብ የድሊ፡ ሰብ ንኽመሃርን ክርዳእን ዝተመሃሮን ዝተረደኦን ንኸወሃዶን ከጽንዖን ናብ ፍልጠት ንኽቕይሮ ግዜ የድልዮ፡ ስለዚህ እዚ ንምርግጋጽ ናይ ጽሞናን ደው ቢልካ ናይ ምስትውዓልን ናይ ፍጥረትን ተፈጥሮን ጽባቔ ንምስትንታንን ንናይ ሓባር ቤትና ንምክንኻን ዝድግፍ ንመጻኢ ትውልዲ ዝኸውን ኣገባብ ሕይወት ንምትሕልላፍ ዝድግፉ ኣስተንፍሶታት ንኽልለይ መታን እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ር.ሊ.ጳ. ሰብኣውነት ንምሕናጽ መደብ ሕንጸት ናብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ከተኵሩ ኣለዎ
10 June 2019, 16:28