ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፥ መዛተዪ ሰነድ፡ ምስ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕዝቢ ገዓር ሰማዒ ምዃን

ኣማዞን፡ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ጉዕዞን ንኵለንተናዊ ስነ ምህዳርን፡ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንዝመክር ናይ መላእ ከባቢ ሃገራት ኣማዞን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ናይ መዛተይ ሰነድ

እቲ ኢየሱስ ናብ ዓለም ዘምጸኦ ምልኣተ ሕይወት ኣብ ኩሉ ብፍላይ ብድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ተበጻሒ መታን ክኸውን ኣማዞናዊ ከባቢ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ምስኡ ኪዳን ክትኣስር ይጽውዕ። እዚ እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣማዞን፥ ሓድሽ ጉዕዞ ንቤተ ክርስቲያንን ንኵለንተኣዊ ስነ ምህዳርን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ናይ ከባቢ ሃገራት ኣማዞን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ናይ ዘሰናደዎ ናይ መዛተዪ ሰነድ ማእከላይ ሓሳብ ከምዝዀነ ብዛዕባ እቲ ናይ ሲኖዶስን መዛተዪ ሰነድ ዕለት 17 ሰነ 2019 ዓ.ም. ብወግዒ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝተወሃበሉ ከምእተሓበረ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ክሪስቲያነ ሙራይ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ከባቢ ኣማዞን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ብምውሳእ ዝተሰናደወ ሰነድ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ዛዕባ ኣማዞን ዝዝትይ ሲኖዶስ ቅዱስ ኣቦና ወርሒ ጥሪ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ፐሩ ከባቢ ዞባ ፑወርቶ ማልዶናዶ ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ምስ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣማዞንን ሕዝብን ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተን ናይቲ ከባቢ ደቀባት ካብ ዘቅረቡሎም ሓሳብ ነቒሎም ዝጸውዕዎ ከምዝዀነን፡

ምስ እግዚኣብሔር ናይ ሕዝቢ ገዓር ጽን ምባል፡ ኣብቲ እግዚኣብሔር ዝጸውዓና ፍቓዱ ክንርከብ

ከባቢ ኣማዞን፡ ብራዚልን ቦሊቪያን ፐሩን ኤኳዶርን ኰሎምቢያን ቨነዝወላን ጉያናን ሱሪናመን ጉያና ፈረንሳን ብጠቕላላ 7.8 ሚሊዮን ኪሎ ሜትር ትርቢዕታዊ ዓቐን ዘለዎ ከባቢ ክኽውን እንከሎ፡ ኣብ ማእከላይ ደቡባዊ ኣመሪካ ዘሎ እዩ፡ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዘሎ ሓምላይ ሃብትን ገረብን 5.3 ኪሎ ሜትር ትርብዒት ዘጠቓልልን ካብ ጠቕላላ ሃብቲ ኣግራብ ዓለም 40 ሚእታዊ ዝሽፍን ምዃን ይፍለጥ።

ናይቲ መዛተዪ ሰነድ ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ድምጺ ኣማዞን ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኰይኑ፡ ናይቲ ከባብን ተቐማጦ ሕዝብን ኩነታት ዝሕብርን ሕይወትን ምስ ሃብቲ ማይን ዓበይቲ ወሓይዝን ፋውናን (ፍልዩ እንስሳዊ ሃብትታቱን)፡ ህዝብን ባህልታቱን መንፈሳዊ መግለጺኡን ሕይወትን መነባብሮን ቋንቋታቱን ኣፍሪቃዊ ትውልዲ ዘለዎ ሕዝቡን ኣብ ገማግም ወሓይዝን ኣብ ከተማታት ከባቢ ኣማዞን ዝነብርን ጉዳይ ዝትንትን እዩ።

ስግኣት ንሕይወትን ኵለንተናዊ - ምሉእነትን

ኣብ ከባቢ ኣማዞን ብዝፍጸም ምዝመዛ ሃብትታት ተፈጥሮ ስዒቡ ሕይወት ኣብቲ ከባቢ ንሓደጋ ከምእተቓልዔን፡ እዚ እውን ናይ ሕዝቢ ኣማዞን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘሕስርን ዝግህስብ፡ መሬቱን ሃብቲ ከባቢኡን ተመንዚዑን ርእሰ ውሳኔ ሕዝቢ ከባቢ ኣማዞን ተጨፍሊቑን ዘጓንፎ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ሓደጋታት ጭቡጥ እዩ። እቲ ንሕይወትን ንኩለንተናውነትን ዓቢይ ሓደጋ ክህልው ዝገበረ ኣብቲ ከባቢ ዝትግበር ናይ ኤኮኖምን ፖለቲካን ውልቃዊ መኽስብ ዝብልን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን፡ ብኢደ ሰብ ዝባድም ናይ ሓምላይ ሃብትን ኣግራብን፡ እዚ ዅሉ ኣማዞን ናብ ዘይወጾ ከቢድ ኩነት ንኸብል ይድርኽ ከምዘሎን፡ ደቀባት ከባቢ ኣማዞን ከባቢኡ ሓዲጉ ንኽስደድ ዝወርዶ ዘሎ መዓትን፡ ናይ ከባቢ ኣማዞን ምህዳራዊ ኪይዲታቱ ዘዛብዕን ዝብክልን ኣብ ልዕሊ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ባህልን ቋንቋን ዝወርድ ሓደጋን፡ ባህልን ቋንቋን ዝሓኽኽ ምልከ ባዕደ ባህልን ኤኮኖምን ዝብሉ ጉዳያት ዝትንትን እዩ።

ገዓር መሬትን ድኻታን

ናይቲ ሰነድ ካልኣይ ምዕራፍ ዛዕባ ኵለንትናዊ ምህዳር ንዝምልክቱ ሕቶታት መልሲ ዝህብ ኰይኑ፡ ኣማዞን ውህበቱን ውበቱን ቆሲሉን ተመዛቢሉን ናይ ስቓይን ዓመጽን ዓውዲ ኰይኑ ከምዘሎ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ዝበሎ ሓሳብ ብሰፊሕ ዘመላኽት እዩ፡

ዓመጽን ሕንፍሽፍን ለብዒ ምብግባረ ብልሽውናን፡ ከባቢ ኣማዞን ናይ ዓመጽን ግርጭትን ናይ ምንጻት ሕዝብን ባህልን ትውልድን ኰይኑ ኣሎ፡ ኣብ ልዕሊ ኣማዞን ዝወርድ ዘሎ ጥፍኣት!

መሬት ተስፋን ሰናይ ምንባርን

ሕዝቢ ኣማዞን ዝምህረና ብዙሕ እዩ፡ ምክንኻን ከባብን መሬትን ሃብቲ ማያትን ሓምላይ ሃብትን ኣግራባትን፡ ዕቃበ ሃብቲ ፍጥረትን ተፈጥሮን ጸጋ እግዚኣሔር ምዃኑዝምስክር ዓይነት ኣነባብራ ዓቢይ ኣብነት እዩ፡ ስለዚህ ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ስብከተ ወንጌልን ነዚ ናይቲ ከባቢ ክውንነት ግምት ዝህብ ጥራሕ ዘይኰነ ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ብኑባሬ ዝተዓደሎ እቲ ስግው ዝዀነ ቃል ዘንበሮ ዘርኢ ዘንብብ ክኸውን ኣለዎ።

በዚ መሰረት’ዚ እቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝዝትይ ሲኖዶስ ናይ ተስፋ ትእምርቲ ንሕዝብታት ኣማዞንን ንመላእ ዘርኢ ሰብን ይኸውን!

ኣብ ወሰናስን ዝነብር ሕዝቢ

ካብ 110 ክሳብ 130 ዝበጽሕ ዝተፈላለየ ሕዝቢ ኣማዞን፡ ካብ ሕብረተሰብን ብሕብረተሰብን ተነጺሉን ወይ ንጣራዊ ርክባት ዘለዎ ኰይኑ ዝነብር እዩ፡ በቶም ዕጸ ፋርስ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ንሓደጋ ዝተቓልዑን፡ ብዓበይቲ ናይ ህብረ ትካላት ናይ ኤኮኖሚ ፖለቲካ ምኽንያት ብዘይሕጋዊ ተግባር ዝፍጸም ካባብን ሕዝብታቱን ግምት ዘይህብ ኤኮኖሚያዊ ከይድታት ምኽንያት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ይርከብ።

ህዝቢ ኣማዞን ውሽጣውን ዓለም ለኻውን ምንቅስቓስ ዝገብርን፡ ነዚ ምንቅስቓስ’ዚ ተቓሊዑን ካብ ጠቕላላ ሕዝቢ ኣማዞን እቲ ካብ ሰብዓ ክሳብ ሰማንያ ሚእታዊ ዝሽፍን ኣብ ከተማታት ዝቕመጥ ኰይኑ ኣሎ፡ ተሓሪጉ ይነብር፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ዝስደድ ኣማዞናዊ ሕዝብ ጐድኒ ኰይና ኣብ ምድጋፉ ትርከብ እውን ትሃልው፡ እዚ ብዝሓ ስደት ሕዝቢ ኣማዞን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣማዞን እተካይዶ ሓዋያዊ ግብረ ኖልዎ ጋግ ዘለዎ ኰይኑ ከምዘሎን እዚ ንኸተመዓራርይ ዝድርኽ ሲኖዶስ እውን ከምዝኸውን ተመልኪቱ ኣሎ።

ነቢያዊት ቤተ ክርስቲኢያን ኣብ ኣማዞን፡ ብድሆታትን ተስፋታትን

ናይቲ ሰነድ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ: እቲ ቅዱስ  ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ሓሳብ ንሱ ኸኣ፡ ሓድሽ ኪደት ቤተ ክርስትያን ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዝብል ናይ ሲኖዶስ ኣበው ክዝትይሉ ዘተሓሳስብ፡ ሱታፌን ተሳታፍነትን ዘጣመረት ቤተ ክርስቲያን፡ ተሳታፊትን ኣሳታፊንት፡ ተዋሳኢትን ኣዋሳኢትን፡ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኰኖምያውን ባህላውን ምህዳራውን ኩነት ተቐማጦ ከባቢ ኣማዞን ህልውቲ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ መሃዝነት ብቕዓት ዘለዋ ቤተክርስቲኣንን፡ ነቲ ሕዝቢ ቀረባን ንናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ድምጽን ናይ ሰላምን ምሕረትን ሱታፌን ዕሴታት እተነቓቕሕ፡ ዝብሉ ሓሳባት ዝተነብሮ እዩ።

ቅዱሳት ምስጢራትን ናይ ሕዝቢ ቆስሞሳዊ ደረት ትርኢት ዘለዎ ሃይማኖታውነት

ኣብ ከባቢ ኣማዞን ብዋሕዲ ካህናትን ልኡካነ ወንጌልን ምኽንያት ዋሕዲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝረኣየሉን ሰናብቲ ቅዳሴ ዘይበጽሖ ማእለያ ዘይብሉ ከባብታ ዘለዎን እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅዱስ ቁርባን እያ እትነብር፡ ቤተ ክርስቲያን ብቅዱስ ቁርባን እያ እትሕነጽ፡ ከምዚ ብምዃኑ፡ ህዝቢ ኣማዞን ብዘይ ቅዱስ ቁርባን ምሕዳግ ስለ ዘይግባእ፡ እዚ ግምት ብምሃብ ቅዱሳት ምስጢራት ክሰርዑ ዝኽእልዉ ካብ ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነትን ስልጣንን ዝወሃቦም ኣገልገልቲ ምልላይን ምስንዳውን ዝብል ነጥቢ እቲ ሲኖዶስ ብሰፊሕ ዝመያየጠሉ ነጥቢ ይኸውን፡ ናይቲ ህዝቢ ሃይማኖታውነትን መንፈነሳውነትን ምልላይን ምኽባርን ምምራሕን፡ ኣብቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ባህሊ ዝወሰጠት ቤተ ክርስቲያን፡ ከባቢ ኣማዞን ናይ ቲዮሎጊያ ስፍራ ምዃኑ ዘለልይ ጥበብን መንፈሳውነትን፡ ብሓፈሻኡ ቅዱሳት ምስጢራትን ስርዓተ ሕግን ምሕደራውን ዝምልከት እዩ።

ናብቲ ከባቢ በጻሒት ወይ ምብጻሕ እናካየድት ትመላለስ ቤተ ክርስቲያን ዘይኰነስ ኣብቲ ከባቢ እትነብር ቤተ ክርስቲያን ምዃን የድሊ፡ ስለዚ ንደቀባት ዓቢይ ግምት እትህብን ኣብ ምስራዕ ቅዱሳት ምስጢራት ተዋሳእቲ ዝዀኑ ኣባላት ክህልዎ ንምግባር ቅዱሳት ምስጢራት ኣብቲ ከባቢ ምንባብ ከምዘድልን እዚ እውን ናይቲ ሲኖዶስ መዛተዪ ዓቢይ ነጥቢ እዩ።

ግደ ደቀንስትዮ

ደቀንስቲዮ ከባቢ ኣማዞን ኣብቲ ናይታ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ዘለወን ግደ ግምት ብምሃብ ወግዓዊ ኣገልግሎት ኣብ ቤተ ክርስያን ከመይን ኣንታይን ክኸውን ከምዘለዎ ብምምልካት፡ ንናይቲ ከባቢ ሕቶ መልሲ ክኸውን ምትብባዕን ምሕናጽን፡ ክሳብ መርሕነት እውን ቦታ ክህልወን ምግባር፡ ስለዚህ ኣብ ቲዮሎጊያን ስነ ትምህርተ ክርስቶስን ሊጡርጊያን ናይ ስነ እምነትን ናይ ስነ ፖለቲካ ሕንጸት ክረኽባን በዚ መሰረት ናይቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን መልሲ ክዀና ከምዝኽእላ ምርግጋጽ።

ነቢያውን ኣማራጽን ውፉይ ሕይወት ምንቕቓሕን ውስጠ መንፈሳያን ማሕበራትን ውስጠ ገዳማትን፡ ብምትሕብባር ኣብቲ ማንም ክኸዶ ዘይደልይ ብምርኻብ ምግልጋል ዝሓትት ከባቢ ብምዃኑ ነዚ ዓይነት ውስጠ - ኣገልግሎት ምስንዳው። ውስጠ ባህልታትን ንናይቲ ከባቢ ባህሊ ምንባብን በቲ ባህሊ ንቡብ ብምዃኑ ወንጌል ኣብ ባህሊ ምስራጽ፡ መፍነሳውነትን ቆስሞሳዊ ደረት ትርኢት ሃይማኖት ከባቢ ኣማዞን ምዝታይን።

ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ

ኣብቲ ከባቢ ዝረአይ ዘሎ ጰንጠቆስጣዊ ኣናስር ዘለወን ምስፋሕ ወጌላውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ግምት ብምሃብ፡ ኣብቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምዃን ካልእ ዓይነት ቤተ ክርስቲያናዊ ኣብነት ወይ ኣገባብ ዘመላኽታ ኰይነን ኣለዋ፡ ነዚ ኣንቢብካ ምኽኣልን ካብኢ እትረኽቦ መልሲ ምልላይ።

ቤተ ክርስቲያንን ስልጣንን፡ ጉዕዞ መስቀልን ሰማእትነትን

ኣብ ከባቢ ኣማዞን እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ምስቲ ናይቲ ከባቢ ህልው ኩነታት ጥልቂ ርክብ ዘለዋን፡ ኣብቲ ናይቲ ከባቢ ኩነት ክውንቲ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን፡ እቶም ከባቢኦምን ባህሎምን መነባብሮኡምን ንምክልኻልን መሰልን ክብርን ዝሓቱ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ዘጋጥሞም ሰማዕትነት ብዙሕ እዩ፡ ንኣብነት ካብ 2003 ክሳብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ኣማዞን ብራዚል፡ 1,119 ደቀባት ከምእተቐትሉ ምጥቃስ ይከኣል፡ ስለዚህ ጉዕዞ መስቀልን ሰማእትነትን ናታ እትገብር ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከባቢ ኣማዞን ምንቕቓሕ።

ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናይቲ ከባቢ መስቀልን ሰማዕትነትን ተመልካቲት ክትከውን ዘይኰነስ ናታ ገይራ ነቲ መስቀል እትሰከምን ሰማዕትነት እትቕበልን ክትከውን ኣለዋ፡ ንኣብነት ሰማዕት እናቴ ዶሮትይ ስታንግ።

እቲ ናይቲ ሲኖዶስ ናይ መዛተይ ሰነድ፡ ናይ ኣማዞን ድምጺ ብብርሃን እምነት ዘንበበን፡ ንናይቲ ከባቢ ሕዝብን መሬትን ገዓር ጽን ዝበለን ኵለንተናዊ ምህዳርን ሓደስቲ ኣንፈት ንምልላይን ዝድግፍ እዩ፡ እቲ ናይ ኣማዞን ድምጺ ንሲኖዶስ ኣበው ንናይቲ ከባባ ዝተፈላለየ ኩነት ሓድሽ መልሲ ክህቡን ንቤተ ክርስቲያንን ንዓለም ሓድሽ kairòs - ትኽክልይና ህሞትን ምሽዊ ኩነትን (ዕድልን) ተኸኣሊ ዝገብር ሓድሽ ከይዲ ንምርካብ ዝብል እዩ።

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፥ መዛተዪ ሰነድ፡ ምስ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕዝቢ ገዓር ሰማዒ ምዃን
18 June 2019, 16:20