መርሓ-መገዲ ንናይ ኤውሮጳን ሕዝባን መጻኢ መርሓ-መገዲ ንናይ ኤውሮጳን ሕዝባን መጻኢ 

መርሓ-መገዲ ንናይ ኤውሮጳን ሕዝባን መጻኢ

ንውጹዓትን ስኡናትን ዝከናኸንን ጸገማቶም ናቱ ዝገብር ሕብረተሰብ ብሓቂ ስልጡን ሕብረተሰብ እየ ክብል

ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 31 ግንቦት ክሳብ ዕለት 2 ሰነ 2019 ዓ.ም. ዘካይድዎ ኣብ ዘለዉ ናይ ሩማኒያ መበል 30 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ፥ እቲ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ መርሓ ፍጻሜታቶም፡ ንውጹዕን ስኡንን ዝከናኸን ሕብረተሰብ ናይ ጭቡጥ ሓልዮት ኣርኣያ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘቃልሔ ምንባሩ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ርእሰ ዓንቀጻ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽውኦ ርእሰ ዓንቀጽ የመልክቱ።

(Andrea Tornielli)

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ መርሓ ፍጻሜታት ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ሩማኒያ ንናይ ኤውሮጳን ሕዝባን ዓለምን መጻኢ መርሓ መገዲ ሓቢሮም ዳርጋ ክበሃል ይከኣል። ምስ ናይ ሩማኒያ ርእሰ ብሔርን ምስ ናይታ ሃገር ዓበይቲ ናይ መንግስትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራትን ላዕለዎት ኣካላትን ኣብ ሩማኒያ ንናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ንውጹዓትን ስኡናትን ትሑታንን ቆላሕታ ንምግባር ዝህነጽ ሕብረተሰብ መግለጺ ናይ ሓልዮት ኣብነት ዝዀነ ሕብረተሰብ እዩ። ንውጹዓትን ስኡናትን ዝከናኸንን ጸገማቶም ናቱ ዝገብር ሕብረተሰብ ብሓቂ ስልጡን ሕብረተሰብ እየ ክብል ይኽእል። እዚ ንምፍጻም ካብ ሰላሕታዊ ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ዘማእክል ስልጣን ናጻ ምዃንን  ሰብኣዊ ፍጥረትን እቲ ክገሃስ ዘይብሉ ክብሩን መሰሉን ማእከል ምዃኑ ዘስተውዕል መንፈስን ልብን የድሊ፡ ቅዱስ ኣቦና ናይ እዋንና ሰላሕታዊ ስቓይ ዓቢይ ምኽንያት፡ እቲ ኣክንዲ ነቶም ርሂጸ በላዕ ወይ ርሒጸ ሓደር ሓለፋ ዝብል ገንዘብን ሃብቲ ገንዘብን ጣዖቱ ዝገበረ ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ሜላን ቅርጽን ምዃኑ ክሕብሩ ንፈለማ ግዜ ኣይኰነን፡ ሕዝብታት ምስ ስልጣናት ዝገጥምዎን ዝወርርን ኢሰብኣውን ዝዀኑ መዋቕራት ዘስተውዕል ምዃኑ ዘመላኽትን፡ ቃላት ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዅሉ ዝትንክፍን ዕንቅፋት እውን እዩ፡ ማለት ንዅሉ ዝትንክፍን ሕቶ ንዅሉን እዩ፡ ነታ ኣክንዲ ንሕዝቢ ቀረባ ትኸውን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ክንክን ንእትዝንግዕን ኤውሮጳ ናይ ሓደጋ ደወል እዩ።

እዚ ሓሳብ እዚ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ምስ ናይ ሩማኒያ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክን ቀዋሚ ቅዱስ ሲኖዶስን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ደጊሞም ዝገለጽዎ ሓሳብ እውን እዩ፡ ክርስቲያን ብሓባር ብፍላይ ኣብዚ ንዓለምና ናብ ውንጩፍ ማሕበራውን ባህላውን ምቅይያራት ኣብ ዝድርኽ ዘሎ ተጠቃምን ረባሕን ውሑዳት ኣብ ዝዀኑሉን እቲ ኣናስር ዝኸነ ክብርን ዕሴታትን ዝበትኽን ንዅሉ ዝሙድን ሓደኣውነትን ዘልብስ ስነ ምግባርን ብሓባር ምንባርን ዘዳኽም ፍርሒ ዝነዝሕ ዳርጋ ኰነ ተባሂሉ እውን ዝመሃዝ ዕጹው ንምዃንን ንጽልእን ባይታ ዝፈጥር ነቲ ኣብላጺ ዝንጽል ምዕባለ ዕደ ጥበብን ኤኮኖሚ ኣብ ዝለሉ እዋን ጐይታ ጽን ክብሉ ይምዕዱ።

ቅዱስነቶም ኣብ ከምዚ ዓይነት ቀደም ዝነበረ ንኣሳዶ ዘቃልዕ ዝነበረ ኢእግዚኣብሔራዊ ርእዮተ ዓለም ዘይኰነስ ዝተፈልየ እውም እንተዀነ ምስኡ ዝመዓራረይ ብዙሕ እዋን ብሕጹጽ ዝረአን መፍትሒ ዘቕብር ዝመልስ ከይኑ ግና ብክውንታውነት ክትርእዮ እንከለኻ ዘይተገዳስነት ዝዀነን ሰረተ ኣልቦን ጥማዓዊ ዝዀነ ናይ ምዕባለ ጐደናን ኣእማንን ግኡዛውነትን ዝብል ኩነት ኣብ ዘለሉ እዋን ክንደጋገፍን ናይ ጽልእን ውልቃውነትን ኢጐነትን ባህሊ ከየስድዓና ክንጥንቀቕ ይግብኣና እንክብሉ የተሓሳስቡ።

ምእንቲ’ዚ ቅዱስ ኣቦና ኣቦና ኣብታ ኣብ ቡካሬስት እትክርበ ሓዳስ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ካቴድራል ብሓባር ምስ ናይ ኦርቶዶክስ ሩመንያ ፓትሪያርክ ኣቡነ ዘበሰማያት ጸሎት ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ኣብታ ኢየሱስ ዝመሃረናን ኩላትና እንጽልያ ጸሎት፡ ጐይታ ንዅሉ ዕለታዊ እንጌራኡ ክህቦ ንጽልይ፡ እዚ ዕለታዊ እንጌራ’ዚ ኣብዚ ሰብኣዊ ፍጥረ ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ማእለያ ኣብ ዘይብሉ ኩነት ፈሰስን ሱር ኣልቦነትን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ፈሰስ ወይ ሱር ኣልቦነት ንኽስምዖ ንዝገብር ኩነት ናይ ተዘክሮን ክርስቲያናዊ መንነትን ንኸጽንዕ ዘኽእል መግቢ እውን ማለት ምዃኑ ከምዝገለጽዎ እዩ።

ዳግማይ ርኽበት ስርወ መሰረትን ናይ ሓባር ዕሴታትን ሕልምታትን ናይ ኤውሮጳ መስረትቲ ኣበው፡ ዝገማምዕን ሓደስቲ ፈላላይ መናድቕ ዘቕውም መንነት ንምልላይ ዝብል ዘይኰነስ፡ ናይ ሓባር ውርሻን ትሕተ መሬት ዝቐበርናዮም ካብቲ ዝተቐበርናሉ ኣውጽኢና ናይ ምእንጋድ ብቕዓትን ሓቀይና ውህደትን ዝብል ሓድሽ ርክባትን ምትእስሳርን ዘህልው እዩ።

(Andrea Tornielli)

መርሓ-መገዲ ንናይ ኤውሮጳን ሕዝባን መጻኢ
01 June 2019, 17:48