ቅዱስ ኣቦና ምስጋናኦም የቕርቡ፡ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ

ኣብ ሩማኒያ ኣብዘን ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ኣብ ዘካየድክዎ ሓዋርያዊ መገሻ፡ ኣብ ቡካረስትን ኢሲን ሺመለው ቹክን ኣብ መወዳእታ ኣብ ብላጅ ኣብ ሩማኒያ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንዝገበረትሎም እንገዳን ጸሎትምን ድጋፍኖም ብምቕራብ ኣመስጊኖም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ሰኔ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሩመኒያ ነቶም ሸውዓተ ሰማዕታት ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ብፅዕና ኣዊጆምን ስብከት ለጊሶምን ዘዕረገዎ መሳዕተ ቅዳሴ ምስ ኣብቀዔ ፍርቂ መልቲ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጐም መንግስትን ናይ ዞባታት ሰበ ስልጣናትን ኣብ ሩማኒያ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኰነ እዚ ሓዋርያዊ መገሻ እዚ ፍርያም ንኽኸውን ንዝተሓባበሩን ኣስዒቦም እውን ንናይ ሩማኒያ ናይ ኣርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ዳኒኤልን ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ሩማናይ ቀዋም ቅዱስ ሲኖዶስን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብሕውነት መንፈስ ንዝገበሩሎም ኣቀባብላ እናሓሰቡ፥ እግዚኣብሔርት ነታ ጥንታዊትን ክብርትን ቤተ ክርስቲያን ይባርኽ ንተልእኾኣ ጽንዓታ ይኹን ቢሎም፡ ኣብ ሩማኒያ ኣብዘን ሰለስተ መዓልታት ኣብ ኣብ ዘካየድክዎ ሓዋርያዊ መገሻ፡ ኣብ ቡካረስትን ኢሲን ሺመለዩ ቹክን ኣብ መወዳእታ ኣብ ብላጅ ኣብ ሩማኒያ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንዝገበረትሎም እንገዳን ጸሎቶም ድጋፍኖም ብምቕራብ ኣመስጊኖም፡ እዛ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ወንጌላዊ ተልእዀኣን ምስክርነት ፍቕርን ተበራቲዓን ጸኒዓን እያ።

ኣብዚ ኣብ ብላጅ መሬት ሰማዕታትን ናጽነትን ምሕረትን ኣብ ዝዀነት ከተማ ንዓኻትኵም ካብ ሰለስተ ክፍለ ዘመን ኣትሒዛ ብሓዋርያዊ ውዕዋዔን ብእምነትን ምስክርነት ናይ እተቕብር ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ደቂ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣኽብሮተይን ምስጋናይን አቕርብ፡ ቅድስተ ድንግል ማርያም እናታዊ ክንክና ኣብታ ኣብ ኪደት ታሪኽ ኣብ ኣማላድነታ ኣመኔታኡ ኣብ ዘየጉደለ መላእ ኵርናዕ ሩማኒያ ከትዝርግሕ፡ ንዅላትኩም ንኣኣ እወክፍ፡ ናብ እውነተይና ምዕባለን ሰላምን ቅንዕትን ፍትሓዊትን ስኒትን ሕውነት ዝዓሰላ ሩማኒያ ኣብ ምሕናጽ ኣብ ዝግበር ኪደት ኣበርከትቲ ኣስተዋጽኦ ብምዃን ኣብ እምነት እትፍጽምዎ ጉዕዞ ክትሕልወኩም እልምን።

ምስ በሉ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ብሓባባር ምስ ኵሎም ምእመናን ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተፋንዮም።

ቅዱስ ኣቦና ምስጋናኦም የቕርቡ፡ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ

 

03 June 2019, 11:05