ሕልፈት ጓል 17 ዓመት ኖኣ፥ ኣብ በይናውነት ዝጥንጥን ሕብረተሰብ ሕልፈት ጓል 17 ዓመት ኖኣ፥ ኣብ በይናውነት ዝጥንጥን ሕብረተሰብ 

ሕልፈት ጓል 17 ዓመት ኖኣ፥ ኣብ በይናውነት ዝጥንጥን ሕብረተሰብ

ቃንዛ ዘይብሉ ብሕክና ዝተደገፈ ሞትን ርእሰ ቅትለትን ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ዓቢይ ስዕረት እዩ፡ ስለዚህ መፍትሒኡ ንዝሳቐይ ሰብ ንበይኑ ኣብ ስቓዩ ዘይምሕዳግን ቀረባኡ ምዃንን ተስፋ ዳግም ንኽዕወት ምክንኻንን ምፍቃርን እዩ

ስቓይ ዘይብሎ ሞት ምሃብን ንርእስ ቅትለት ብሓገዝን፡ ዝብል ኣመለኻኽታን ውሳኔን ናጽነትን ሓገዝን ዝብሉ ክቡራት ቃላት ኣዘምቢዕካን ጐቢጥካን ካብ ምትቃም ዝነቅል እዩ፡ ሕይወት ክንበርን እምበር ክቕንጸል የብሉን፡

ኖኣ ፖቶቨን ብሕይወት የላን፡ ምስ ሞተት ኰሎም ብዛዕባኡ የስተውዕሉ፡ እንከላ ዘይኰነስ ምስ ሞተት! ጓል 17 ዓመት ኖኣ ዝሃለፈ ሰንበት ዕለት 2 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣርንሀም ኣብ ዝርከብ ቤታ ብዝሓተተቶ መሰረት ብሕክምና ተደጊፋ ርእሰ ቅትለት ክፍጽምመለይ ዝበለቶ ውሳኔኣ ተተግቢሩን ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈልየትን፡ ኣብ ነዘርላንድ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ዝደልይ ማንም ወዲ እታ ሃገር ካብ 12 ዓመት ዕድመ ንላዕሊ ሕቶ ከቕርብ ከምዝኽእል ዘቕርቦ ሕቶኡ ተቐባልነት ረኺቡ ስቓይ ብዘይብሉ ሕክምናዊ ድጋፍ መሰረት ንሞት ክዳረግ ፍቕዱ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ 2017 ዓ.ም. በዚ ሕጊ’ዚ መሰረት 6,580 ዜጋታት ሕይወቶም ከም እተመንዐ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነታ ቃንዛ ዘይብሎ ብሕክምና ዝተደገፈ ርእሰ ቅትለት ዝፈጸመት ኖኣ እናሓሰቡ፡ ቃንዛ ዘይብሉ ብሕክና ዝተደገፈ ሞትን ርእሰ ቅትለትን ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ዓቢይ ስዕረት እዩ፡ ስለዚህ መፍትሒኡ ንዝሳቐይ ሰብ ንበይኑ ኣብ ስቓዩ ዘይምሕዳግን ቀረባኡ ምዃንን ተስፋ ዳግም ንኽዕወት ምክንኻንን ምፍቃርን እዩ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ንኖኣ እናሓሰቡ ክኸውን እንከሎ፡

ድሕሪ ዜና ሞት ኖኣ፡ ብዙሓት ናይ ዓለም ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ናይታ ብሕክምና ዝተደገፈ ስቓይ ዘይብሉ ሞት መሰረት ካብዚ ዓለም ብሞት ክትሓልፍ ዝመረጸት ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 2 ሰነ 2019 ዓ.ም. ብርእሰ ቅትለት -  ዝተቐትለት ብዙሕ ይዝግቡን ታሪኻ ዝዳህሰሰ ብዘቕረብዎ ዘገባታቶም ገና ጓል 11 ዓመት እንከላ ኣብ ናይ ጓል ቤት ትምህርታ መሓዛኣ ናይ ዕድመ በዓል ኣብ ዝተሳተፈትሉ እዋን ናይ ወሲብ ዓመጽ ከምዝወረዳን ደሓር እውን ጓል 14 ዓመት እንከላ ኣብ መገዲ ተጨውያን ኣደዳ ናይ ወሲብ ዓመጽ ከምዝዀነትን፡ እዚታትሪኻ እዚ ኣብቲ ባዕላ ምስዓር ዶ ምምሃር (Winnen of leren)  ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝደረሰቶ ዝመጽሓፍ ታሪኽ ሕይወታ ተመልኪቱ ከምዘሎ ይሕብሩ፡ ኣብቲ ዝደረሰቶ መጽሓፋ ግና ስቃይ ጥራሕ ዘይኰነ ናይ ምስትንፋስ ድላይ ከምዝነበራ እውን እተስተውዕል።

ምክልኻልን ምድጋፍን

ኖኣ ኣብ ጕሕጓሕ ቃዝኖትን ኣብ ሸውሃተ ኣልቦነትን ጥሒላን፡ ካብዚ ዓይነት ሕማም ንኽትላቐቕ ክሳብ ኤለትሪካዊ ነውጺ እውን ዝተወሃባ እንተነበረ፡ ንሓደ ሰብ ስቓዩ ናትካ ገርካ እንተዘየሰነኻዮ እንታይ ይዓብስ፡ ስልጡን እየ ዝብል ሕብረሰተብ ክገብሮ ዘለዎ ነቶም ድኹማትን ተኣፈፍትን ዝድግፍን ጸገሞም ናቱ ገይሩ ካብቲ ዝወደቕሉ ንኸተንስኦም ዝፍትን እምበር ዝቕንጽል ኣይኰነን፡

ስቓይ ዘይብሉ ሞት ርእየተ ዓለማውነት ዘረጋግጾ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም፡ ሰብ ስቓይን ሞትን ክገጥም ብተኣማኒ ተስፋ እንተድኣ ዘይተደገፈ ሕይወቱ ብጽቡቕ ክነብር ኣይክእል መጻኢኡ ብተስፋ ዘይጽበይ እዩ ዝኸውን ከምዝብልዎ እዩ፡ ርእሰ ውሳኔን ባዕላውነትን ሃይማኖትን ግብረ ገብን ካብ ባህልን ሕንጸትን ዝንጽል ኪደት ፍጹማን ቢሉ ዘቕርቦም ኣምራት ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ናብቲ ቃንዛ ዘይብሎ ሕርየት ሞት - ብሕክና ዝድገፍ ርእሰ ቅትለት ምምራጽ ብሕጊ ፍቑድ ክሳብ ምግባር የብጽሕ ኣሎ፡ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሕይወት ገዛእ ርእሱ ከሃሌ ኩሉ ዝገብር፡ ሕይወት ምስ ሰገርነት ዝተጣምረ ከምዝዀነ ምስትውዓል እንተ ዘየለ ዝዀነ ይዅን ምርጫ ከም ድላይካ ኣብ ዝብል ኵነት ክነብር እዩ ዝጥንጠን።

ተጠንጢናን ተጐስያን

ስቓይ ዘይብሉ ብሕክምና ዝተፈቕደ ርእሰ ቅትለት ልክዕ ከምቲ ናይ ሞት ፍርዲ መፍትሒ ክኸውን ኣይከእልን፡ ናይ ድኹማትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎምን ተነቃፍያንን ህሙማንን ጸገም ቃንዛን ናቱ ገይሩ ዘይድግፍ ሕብረተሰብ ዝመርጾ መገዲ እዩ፡ ኖኣ ብዚ ዓይነት ሕብረተሰብ ተጠንጢናን ተጐስያን እያ፡ እቲ ኣጋጥሚምዋ ዝነበረ ጸገምን ሕማምን ክፍውስ ድዩ ናቱ ገይሩ ቀረባኣ ኰይኑ ዝድግፋ ትሕቲ ቅርጺ ብዘይምህላዉ ቃንዛ ዘይብሉ ብሕክምና ዝተደገፈ ሞት ከም ምርጫ ዝቐረበላ መንእሰይ።

ዘፍቅረኩም፥ ኖኣ

ኖኣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ባዕላ ቃንዛ ዘይብሉ ብሕክምና ዝተደገፈ ሞት ንኽትቕበል ከምዝወሰነት፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ህልውቲ ኰይና ከምዘይስምዓ እውን ትሕብር፡ ሰብነታ ሕጂ እውን አይንጹሕ ኰይኑ ከምዝስምዓን ብዚ ምኽንያት’ዚ እቲ ቃንዛ ዘይብሉ ብሕክምና ዝተደገፈ ምርጫ ሞት ብምስትውዓል ከምዝሓረየቶ ትሕብር፡ … እተፍቅረኩም፥ ኖዋ ክብል መልእኽታ ትዛዝም። 

ተጠንጢናን ተጐስያን
05 June 2019, 17:59