ር.ሊ.ጳ. ንደያኑ መላእ ኣመሪካ፥ ንማሕበራዊ ፍትሕን ንናይ ሰብኣዊ ክብሪ ቀዳምነትን ንቕሑ ር.ሊ.ጳ. ንደያኑ መላእ ኣመሪካ፥ ንማሕበራዊ ፍትሕን ንናይ ሰብኣዊ ክብሪ ቀዳምነትን ንቕሑ 

ር.ሊ.ጳ. ንደያኑ መላእ ኣመሪካ፥ ንማሕበራዊ ፍትሕን ንናይ ሰብኣዊ ክብሪ ቀዳምነትን ንቕሑ

ኣብ ጥምየትን ስእነት መግብን ደሞክራሲ የሎን፡ ኣብ ድኽነት ምዕባለ የሎን ኣብ ዘይማዕርነ ፍትሒ የሎን

ዕለት 4 ስነ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 4 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ናይ ጳጳሳዊ ስነ ማሕበራዊ ሕንጻ ፒዮስ ራብዓይ ዛዕባ ምስፋሕ ፍትሕን ናይ ማሕበራዊ መሰልን ክብርን ንምክልኻል ዝዓዪ ቀዋሚ ጉባኤ ፈራዶ ንምቛም ኣብ ዝብል ሓሳብ ንዝተመያየጡ ካብ መላእ ሃገራት ኣመሪካ ዝተዋጽኡ ኣስታት ሚእቲ ዝግመቱ ደያኑ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም፡ ኣብ ዕሴትን ፍትሕን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ቀዳምነት ዝብል ናይ ፍርዲ ሜላ ንምርግጋጽ ቀደይና ተዋሰእቲ ንምዃን ኣይትፍርሑ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ደያኑ ሃገራት ኣመሪካ ማሕበራዊ መሰልን ክብርን ፍራንቸስካዊ ጠመቕ ትምህርትን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ከምዝመኸሩን፡ እቶም ደያኑን ኣማኸርቲ ናይ ሕግን ፍትሕን ዓቃቢ ደያኑን ጠበቓታትን ጳጳሳዊ ናይ ስነ ማሕበራዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣባላት ተጋባእያን፡ እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ኣርጀቲና ርእሰ ከተማ ቦነስ ኣይረስ ማሕበራዊ ፍትሕን ናይ ሓባር ጥቕምን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ድሕሪ ዘካየድዎ ዓውደ ጉባኤ ኣስዒቦም፡ ቅዱስ ኣቦና ሎሚ እውን  ኣብ መላእ ከባቢ ዓለም ኣደዳ ማሕበራዊ ምንጻልን ምጉናይን ኢማዕርነትን ብዙሓት ከምዘለዉን ኣዘኻኺሮም፡

ኢፍትሓውነት ዓመጽ ይወልድ

ናይ ሕዝብታትና ሕመረት ኣብ ሕቶ ዘእትው ለውጥታት ኣብ ዝረአየሉ ታሪኻዊ ኩነት ንርከብ ከምዘሎናን ነዚ ንምግጣም ብውልቅን ብወለንተይናውነት ዘይኰነ ንዅሉ ከከም ጽፍሕታቱ ዘዋስእ ነገልግሎት ፍትሒ ዝዓዪ ውዳበ ኣሰራርሓ መርሕነት ዘለዎ ኣገዳስነት ዘመላኸቱ ቅዱስ ኣቦና፡ ኢፍታሓውነትን ኣልቦ ጭቡጥ ዕድላትን፡ ንምግልጋል ዘይኣመተ (ምግልጋል ክብል እንከለዅ ትሕቲ እግሪ ምዃን ኣይኰነ) ነዊሕ መጽናዕትን ትንተናን ንገዛእ ርእሱ ፍትሓውነት ኣልቦ ብምዃኑ እዚ ኢፍታሓውነት’ዚ ዓመጽ እዩ ዝወለድ፡ ስለዚህ ስማዊ ወይ ንማለቱ ዝጸድቑን ተገንጸልቲ ሕግታትን ወትሩ ናብ ኢፍትሓውነት እያቶም ዝመርሑ።

ዓለም ሓቆፍ ውዕላት ኵላዊ ዋጋ ክህልዎም

ርውየትን ረብሓን ንውሑዳት ጥራሕ ኰይኑን ብዙሓት ጥቓዎትናንን ኣሕዋትናን ሕጻናት እውን ከይተረፉ ክሳብ እቲ ብጭዋነት ንዝወሃቦም ግዳም ሓደር ዜጋታት ንዝብል መጸውዕ ዘቃልዖም ዘዕርፉላ መዕቀሊት ቤት እውን ዘይብሎም ኰይኖም ይርከቡ፡ ዓለም ሓቆፍ ውዕላት ኵላዊ ዋጋ ዘይብሎም ክዀኑ ብሓቂ ዘይቅቡል እዩ። ማሕበራዊ ኢፍትሓውነት ከም ነባራውን እወታውን እናዀነ፡ ብዙሓት ብምኽንያት ዝወርዶም ማሕበራዊ ኢፍትሓውነት ኣብ ኣደባባይ ወጺኦም ከቃልሕዎ እንከለዉ ጥራሕ ይስትውዓሉ፡ ኣክንዲ እቲ ዘቕርብዎ ዘለዎ ጻውዒት መልሲ ምሃብ ብታህዋኽ ሓደጋን መናወጽትን ተባሂሎም ሱቕ ንኽብሉ ይድረኹ፡ ወይ ጉዳይኵም ክረኣይ እዩ ንዝብል ምስግጋራትን ምርሳዕን ይዳረጉ፡ ታሪኽ ዓለም ብኸምዚ ዓይነት ጭቡጥ ኵነት ዝተመልአ እዩ። እዚ እቲ ማሕበራዊ ውዕላት ዘሰናኽል ዓቢይ ዕንቅፋት’ዚ ደሞክራሲያዊ ስርዓት እዩ ድኹም ዝገብር።

ምስ ጥምየትን ስእነት መግብን ደሞክራሲ የሎን

ቅዱስ ኣቦና ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶምን ክምኡ እውን ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቶምን ኣብ ቦሊቪያ ሳንታ ክሩስ ደ ላ ሴራ ንሕዝባውያን ምንቅስቓሳት ዘስምዕዎ ቃልን፡ እናሓሰቡ፥ ኢፍትሓውነት ደምዳሚ ቃል ክኸውን የብሉን፡

ናይ ፖሊቲካን ቁጠባን ሜላ ጥዑይን ምዕሩይን ምዕባለን ዘውሕስ መታን ክኸውንን ደሞክራሲ እውን ስም ጥራሕ ዘይኰነ ብመሰረት ናይ ኩሉ ረብሓ ብዝብል ኣመክንዮ ዝምራሕ ናይ ኵሉ መሰልን ክብርን ብምርግጋጽ ናይ ምትሕብባርን ነቶም ኣዚዮም ድኻታት ንዝዀኑ ሓለፋ ብዝብል ተግባር ክትርጐም እዩ ዘለዎ። … ኣብ ጥምየትን ስእነት መግብን ደሞክራሲ የሎን፡ ኣብ ድኽነት ምዕባለ የሎን ኣብ ዘይማዕርነ ፍትሒ የሎን፡

ማሕበራዊ መሰልን ክብርን ስርሒታዊ ምግባር

ሕጊ ንዅሉ ማዕረ እዩ ዝብል መርትዖ ናብ ኢፍትሓውነት ከየዘንብል ሓደስቲ ፍኖት ምንዳይ ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብዚ ምናባውነትን ምግምማዕን ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ ዓለም ማሕበራዊ ፍትሒ ብርሃን ኪደትናን ቡሶላ ኪደታትናን እምበር ምዕዳንን ጻውዒትን ጥራሕ ኰይኑ ክተርፍ የብሉን። ኣብ ቅድሚ ዓመጽ ሸለልተይናነትን ንጡፍ ተቓውሞ ዘይገብር ከም ጲላጦስ ኢዱ ዝሓጽብ ፖለቲካን ውልቃዊ ዘይምርዋይነቱ ናይ መንግስቲ ተቕዋማት መቓነዪ ምግባር ዘይቅቡልን ኣይፋል ክበሃልን ነቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ጭቡጥነቱ ዝቃወምን ዝኣልን ኣይፋል ምባልን ዝዀነ ይኹን ናይ ማሕበራዊ ፍትሒ ተግባራውነቱ ንምርግጋጽ ንዝግበር ጻዕሪ ምቕባል እዩ ዘድልይ፡ … ናይ ውልቅን ስድራ ቤትን ጥቅምን ምዕባለን ውሕስነት ዘይገትእ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣፍልጦ ናይ ምሃብ ብቕዓት ዘለዎ ስርዓት ሕጊ ይሃሉ። ነዚ ከይረጋገጽ ዝገብር ኵሉ ድኻታትን ከባብን ብቐዳምነት ግዳይ ዝገብር ምግባር ብልሽውና እዩ ዝፈጥር።

ንናይ ሕዝባውያን ማሕበራት ሕቶ ድምጺ ምዃን

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፡ ደያኑ መላእ ሃገራት ኣመሪካ ናይ መንግስታት ተቕዋማት ዳግም ብጥልቂ ክሓስብዎን ሓደስቲ ማሕበራዊ ክውንታውያን ንምግጣምን እዚ ኸኣ ብቐዳምነት ንሕዝብታት ኣፍልጦ ምሃብን ኣብቲ ዝነብሮ ኢፍትሓውነትን ስቓዩን ኩነት ክርከቡን ሓደራ ቢሎም፡ ሕዝባውያን ማሕበራት ኣካል ብሔራውን ማሕበረሰብን እምበር ጸገም ኣይኰኑን፡ ኣብ ማሕበራውን ብሔራውን ሕንጸት ተዋሰእትን መፍትሒ ኣብ ምዳልይ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ጽንቡራትን እዮም ክዀኑ ዘለዎም፡ ፖለቲካን ናይ መንግስቲ ተቕዋማትን ስርዓት ኣልቦን ግዕዙይ ኣሰራርሓ ንኸይሁሉ ዝዓዪ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ትኽክል ዝዀነ ኣሰራርሓ ንምትብባዕን ሓደስትን ስሉጣትን ኣገባባት ንምልላይን ሓባራውን ግላውን ምሕዞታት ዘነቓቕሕን እዩ ክኸውን ዘለዎም።

ኪደት ሕጊ ንዘይ ግቡእ ኣጠቓቕማኡ ምቅዋም የድሊን

ቅዱስ ኣቦባ መንእሰያት ብፍላይ እቶም ካብ ተነጽሎን ሕርጉነትን ኩነት ዝመጹ እናሓሰቡ፡ እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ቀንደይና ተዋሰእቲ ክዀኑ ሕንጸት ክረኽቡ ከምዘለዎም ሓቢሮም፡ ሕጊ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባን ኣርኣእያን እተጥቅዓሉ መጋበርያ ፖለቲካን ገርካ ኰነ ቢልካ ካልኦት ናይ ፖለቲካ ኣካላት ንምንጻልን ከይህልዉ ንምግባርን ምጥቃም ንናይ ሃገራት ደሞክራሲ ዓቢይ ሓደጋን እዩ፡ …

ደያኑ ናይ ሕዳሴን ለውጥን ተዋሰእቲ ይዅኑ

እቶም ስም ናይ ምጽላምን ናይ ምዕፋንን ወጽዓን መናድቕ ንኽገጥሙ ንዝተኣከቡ ስለ ጻዕርታቶ ናይ ማሕበራዊ መሰልን ክብርን ዝሓልይ ናይ ሃገራት ኣመሪካ ቀዋሚ ሸማግለ ደያኑ ክቐውም ሓሳብ ብምቕራብ ንኢዶም፡ … ዘለኵም ሓላፍነት ቀሊል ኣይኰነ፡ ብኻልኣ ኣዘራርባ እውን ናይቲ ናይ ሕግን ስርዓትን ሜላ ኣብ ክቡር ዋጋን ፍትሕን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ቀዳምነት ምሃብ ኣብ ዝብል ኣምር ዝቖመ ናይ ዝካየድ ሕዳሴ ቀንደይና ትዋሰእቲ ምስ እትዀኑ ማሕበራዊ ገጣምያን ምዃንኵም ትምስክሩ፡ … እውነተይና ጥበብ ጭብጥታት ምውህላል ወይ ከኣ ቤት ፍርዳዊ ኪደታት መዝገባዊ ምግባር ዘይኰነስ ንዅላትና ንኸዕብየ ብዝኽእል ኣስትንትኖን ምስትውዓልን ብዘተ ምስ ካልኦትን ለጋስ ዝዀነ ምርኻብን ምስ ዓበይቲ ምንጽጻርን እዩ ጥበበይና ዝኽወን እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣጠቓሊሎም።

ኢፍትሓውነት ዓመጽ ይወልድ
05 June 2019, 17:51