ር.ሊ.ጳ.፥ ዘተን እንገዳን ንናይ መዲትራኒያን ሰላም ኣብ መንጐ ሕዝብታት

ካብ ገዛእ ርእስኻ ወጺእካ ምስ ካልእ ምርኻብ፡ ሓልዮት ዝነብሩን ናይ ሕዝቢ ኣቑሳልን ናይቶም ናይ ሓድሽ ጊልያነትን ናይ ውግእን ዓመጽን ኣደዳ ዝዀኑ ኣቑሳል ዝትንክፉን ንናይ ውጹዓት ሕይወት ቀረባ ዝዀኑን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሃገረ ቫቲካን መዓርፎ ሄሊኮፕተር ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 07፡51 ደቓይቕ ነቒሎም እታ ዝተሳፈሩላ ሄሊኰፕተር ሰዓት 08.40 ናፖሊ ከተማ ኣብ ዝርከብ ፊት ኒኢዳ ደሴት ኣብ ዘሎ ቪርጂሊያኖ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ምስ ዓረፈት፡ ብቐጥታ ኣብቲ ኣብ ናይ ከባቢ መዲትራንያንን ሕልኽላኽ ዝድህስስ ኣብ ናፖሊ ከተማ ኢጣሊያ ደቡባዊ ከባቢ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ቲዮሎጊያ ድህረ Veritatis gaudium - ናይ ሓቂ ሕሴት (ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ መላእ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ መናብርተ ጥበብ መርሓ ዕለት 20 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ዝኣወጅዎ ሕጊ) ኣብ ኵነታት ሜዲትራኒያን ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ዕለት 20 – 21 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝጠለቦ ዓውደ መጽናዕቲ መዛዘሚ ዕለት ተረኺቦም

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ስልጣናዊ ምዕዳን ንኽልግሱ ሰዓት ትሽዓተ ኣብ ጳጳሳዊ ናይ ኢጣሊያ ደቡባዊ ዞባ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ በጺሖምን ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ንተጋባእያን ስልጣናዊ ኣስተህሮ ቅድሚ ምልጋሶም ኣብቲ መንበረ ጥበብ ምስ በጽሑ ናይቲ መንበረ ጥበብ ተራዳኢ ርእሰ ዋና ኣመሓዳርን ናይ ቲዮሎጊያ ክፍሊ ትምህርቲ ዋና ሓላፊ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ጁዘፐ ዲ ሉቾ ንቕዱስ ኣቦና ናይ ሰላምታን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኵም ቃሎም ከምዘስምዑን ኣባ ዲ ሉቾ፥

ክቡርን ፍትዎን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብስም ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣሰናዳእትን ብስም ጳጳሳዊ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ናይ ኢጣሊያ ደቡባዊ ዞባን፡ ብስም ማሕበረሰብ ክርስቲያን ናፖልን ማሕበረሰብ ኢየሱሳውያን ካምፓኒያ እንቋዕ ደሓን አጻእኩም እብል፡ ኣስዒቦም ኣብቲ ጉባኤ ንዝተረኽቡ ናይ ናፖሊ ከተማ ቤት ምሕደራን ሰበ ስልታናትን ህየንተ መንግስትን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ንናይ ናፖሊ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሰፐን ናይ ከተማ ናፖሊ ከቲባን ናይ ኣውራጃ ናፖልን ከምኡ እውን ናይ ካምፓኒያ ርእሰ ኣውራጃን ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍን ናይ ካቶሊካዊ ስነ ሕንጸት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፍን ናይ ሲቺሊያን ፑሊያን ናይ ቲዮሎጊያ መናብርተ ጥበብ ዋና ኣመሓደርትን ካልኦት ኣብቲ ስፍራ ብዝተፈላለየ መጸውዕ ኣርእስቲ ንዝተረኽቡ ኵሎም ሰላታኦም ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ፡ …

ኣስዒቦም ምርኻብ ቅዱስ ኣቦና ቡራኬን ምኽንያት ዓቢይ ሓሴት እዩ ቢሎም …. ምስቶም ኣብ 2016 ዓ.ም. ብርእደ መሬት ዝተጠቕዑ ተቐማጦ ካመሪኖ ክራኸቡ ዕለት 16 ሰነ 2019 ዓ.ም. ዘካየድዎ ምብጻሕን ኣብኡ ተረኺቦም ቲዮሎጊያ ካብ ታሕቲ፡ ካብ ናይ ሕይወት ተመክሮ ስቱፍን ካብ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ስቓይ ክነቅል ከምዘለዎን፡ ኣብ ኵነታት ሰብኣዊ ፍጥረትን ተፈጥሮን መንፍስ ቅዱስ ጽን ካብ ምባልን፡ እዚ ኣብ እዋናዊ ዓለም ቃል ኣምላኽ ንምብሳር መሰረት ምዃኑ ከምዝሓበሩ እውን ጠቒሶም፥ ኣብ ሓዋርያዊ ቅዋም ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘሎ … ጸገማት ዕድላት እውን ሒዞም ከምዝመጹ ብጥልቂ ምስትውዓል የድሊ እንክብሉ ቅዱነቶም ዝገለጽዎ ሓሳብ ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ መሰረት ከምዝኸነ ኣዘኻኺሮም።

… ናፖሊ ናይ ባህልታትን ቋንቋታትን ሃይማኖታትን መዛተይት ዓውዲ እያ፡ ኣብዚ ክውንታ’ዚ እዩ እቲ ጳጳሳዊ ናይ ደቡን ሃገራት ኢጣሊያ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ዝርከብ፡ ናፖሊ ናይ መዲትራኒያን ፍቕያ እያ፡ ኣንጋድነታ፡ ወንጌል ብህልው ዝኸነላ ከተማ ምዃና የረጋጽ፡ … ናፖሊ ብኣገባብ ዘተ ናይ ብስራተ ወንጌል ስፍራ እያ፡ …. ከምቲ ኣብ ናይ ሓቂ ሓሴት ሓዋርያዊ ቅዋም ቅዱስነቶም ዘመልከትዎ፡  ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብን ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብን ህዳሴ የድልዮ፡ እቲ ሕዳሴ ኣብቲ ሓዋርያዊ ቅዋም ከመይን እንታይን ክኸውን ከምዘለዎ ቅዱስነቶም ኣነጺሮም ከምዘመልከትዎ ኣዘኻኺሮም …

ፍቱውን ክቡርን ቅዱስ ኣቦና፥ … እዚ መንበረ ጥበብ’ዚ ናፖሊያዊ ተቕዋም ብዝብል ስያሜ ኣብ 1552 ዝቖመን ካብ 1969 ዓ.ም. ናይ መላእ ደቡባዊ ኢጣሊያ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ኰይኑ … ብዙሓት ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ዘተ ኣብ ዓውዲ ስነ ጥበብን ኣብ መንጐ ኣሃዱ ምላኽነት ኣማንያን ሃይማኖታትን ቅዱስ መጽሓፋዊ መነፈሳውነትን ኣብ ውሽጢ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ዘለዎ ኣገዳስነት ከምዘመላኸቱ እውን ሓቢሮም፡ ….

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መዛዘሚ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ንእተቕርቡልናን እትልጉሱልናን ቃልን ሓባሪ ጉዕዞን ካብቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ምስ ናይ ግብጺ ኣል ሓዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይቢ ብሓባር ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 5 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት ኤሚራት ሃገራት ዓረብ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድክምሉ እዋን ወግዓዊ ዝገበርክምዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ናይ ውሳኤ ሰነድን … እቲ ሰነድ እንነብረሉ ዓለም ቤት ኩሉን ማንም ዘይንጽልን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክድገፍን ብፍላይ እቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡን ቆላሕታን ድጋፍን ክግበረሎም ዘተሓሳስብ እዩ፡ ነዚ መሰረት ዝገበረ ቲዮሎጊያ ዘለዎ ኣገዳስነት ቃል ቅዱስ ኣቦና መሰረት ገይሮም ዘረጋገጹ ኣባ ጁዘፐ ዲ ሉቾ ኣስዒቦም፡ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ሕመረት ዘተ ዝብል ቃልን ሓሳብን ከምዝዀነን፡ … ኣብዚ ቃልን ሓሳብን’ዚ ኣቢያተ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ናይ ቲዮሎጊያ መናብርተ ጥበብን ከተማታትን ሃገራትን ክዋስኣ ዝጽውዕ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋት ዝቐረበሉ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝኸነ ምስ ኣመልከቱ፡ ነዚ ዓንዲ ብምግባር ሕውነትን ምክብባርን ምቅብባልን ዝዓሰሎ ኣብ ሰላምን ፍትሕን - መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፍትሒ ምሕረትን ኣብ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣብ ዘቃልሖም ዕሴታት ዝቖመ ሕብረተሰብ ክሕነጽ ዘተሓሳሰበ ዓውደ መጽናዕቲ እዩ፡ …. ኣብዚ ብምርኻብኩምን ብእትልግስዎ ቃልን ኣቢልኩም ናይ ሓቂ ሓሴት እንርእየሉ ብርሃን ከተመላኽቱና ስለ ዝፈቐድኩም ነመስግን።

ሱታፌን ፍትሕን ንዝነብዑን ፍቕሪ ንዝሓረሞም ንዅሎም ኣብ መከራን ሕሰምን ድኽነትን ንዝርከቡ፡ ብቓልን ሕይወትን እቲ ናጻ ዘውጽእ ብርሃን ኢየሱስ ንኸነበስር ፍቕሪ ኢየሱስ ሕይወት ኣሕሊፍካ ኣብ ምሃብ ዝተነብረ እዩ እሞ ኢየሱስ ንበሩ ዝብል ናይ ወትሩ ምዕዶዅም ኣብ ዘቃልሔ ዓውደ መጽናዕቲ ብምርኻብኩም ነመስግን ቢሎም ቅድሚ ቅዱስነቶም ኣብቲ ጉባኤ ናይ መዛዘሚ ዕለት 21 ሰነ 2019 ዓ.ም. ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ንዘቕርቡ ኣላልዮም ምስ ኣብቅዑ ድሕሪ እቶም ሊቃውንቲ ዘቕረብዎ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ቅዱስ ኣቦና ቃለ ምዕዳን ለጊሶም እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ቁስጥንንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ናብቲ ጉብኤ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣባ ዲ ሉቾ ምስ ተነበ፡ ቅዱስ ኣቦና ቃለ ምዕዳን ለጊሶም።

ቃል ኣብ ዲ ሉቾ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን፥

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ናፖሊ ካብ ዕለት 20 ክሳብ ዕለት 21 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ናፖሊ ከተማ ኢጣሊያ ደቡባዊ ከባቢ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ቲዮሎጊያ ድህረ Veritatis gaudium - ናይ ሓቂ ሕሴት (ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ መላእ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ መናብርተ ጥበብ መርሓ ዕለት 20 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ዝኣወጅዎ ሕጊ) ኣብ ኵነታት ሜዲትራኒያን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ብዝለገስዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ከምእተዛዘመን ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ቃል፡ ኣብ ዘተን ቃል ብስራትን ዝጸንዔን ኣብ መንጐ ኣህዛብ ሜዲትራኒያን ሕብረተሰብኣዊ ሕውነት ንምሕናጽ ትውሳኤ ኵሉ ዘተባብዕ ናይ ስነ እንገዳ ቲዮሎጊያ ዘለዎ ኣገዳስነት ማእከል ዝገበረ ክኸውን እንከሎ፡

ብስራት ቃል ኣምላኽ ዘተ ልልያ ምሕረትን መረብታዊ ርካብ ተቕዋማትን መናብርተ ጥበብን ሃይማኖታ ዝብሉ መምዘንታት ንናይ ስነ እንገዳ ቲዮሎጊያ ኣስተንፍሶ ክዀኑ ከዘለዎምን፡ ዝተሓደሰ ቲዮሎጊያ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልእኽቲ ወንጌል ስለምንታይ ኵሎም ኣሕዛብ ቃል ብስራት ብቋንቆኦም ሰሚዖምን ንዘናድይዎ መልኣተ ሕይወት መልሲ መታን ክረኽቡ ብምጻሕ። ….

ሚዲትራኒያን መራኽቦን ኣብ ገለ ገለ እዋን እውን ናይ ግጭትን ባህልታትን ሕዝብታትን ዘራኽብን፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ብድሆ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ንምሕናጽ ዝድግፍ ብእውነተይና ዘተ ክብዳህ ከምዘለዎ ዘተሓሳሰቡ ቅዱስ ኣቦና፡ ባህረ ሜዲትራኒያን ባህልን ቋንቋ ሕዝብታትን ዘተሓናፍጽ፡ …. ሃይማኖታት ዘራኽብ ምዃኑ እቲ ካብ 1500 ዓመታት ኣትሒዙ ዝቖመን ንኢየሱሳውን ማሕበር ንኸመሓድርዎ ብሓላፍነት ዝተወሃበ ናይ ኢጣሊያ ደቡባዊ ከባቢ ጳጳሳዊ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ካብ ዝርከበሉ በሪኽ ስፍራ ኰይንካ እተስተውዕሎ ሓቂ እዩ።

ቲዮሎጊያ ድህረ Veritatis gaudium - ናይ ሓቂ ሕሴት (ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ መላእ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ መናብርተ ጥበብ መርሓ ዕለት 20 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ዝኣወጅዎ ሕጊ)፥ ካቶሊካውያን ተቕዋማትን መናርተ ጥበብን ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብን ናይታ ናብ ወሰናስን ከባቢ ዓለምን ህልውናን ናይ እትብል ቤተ ክርስቲያን መግለጺ እዩ። ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ቲዮሎጊያውያን ናይ ቡቕባቐን ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ትውሱኣትን ናይ ድኻታትን ናይቶም ናይ ውግእን ዓመጽን ኣደዳ ዝዀኑ ቁስሊ ዝትንከፉ ክዀኑ ከምዘለዎም የዘኻኽሩ፡ … ናይቶም ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ዝጠሓሉ ኣሕዋትን ኣሓትን እናሓሰቡ ዝበልዎ ሓሳብ እዩ።

ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ናፖሊ ሊቀ ጳጳሳትን ናይቲ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ዓቢይ ርእሰ መምህር ብፁዕ ካርዲናል ክረሸንዞ ሰፐን ናይቲ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ተራዳኢ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ዲ ሉቾን ንዞባ ካምፓኒያ ዝወከሉ ናይ ሰበኻ ኖላ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ማሪኖ፡ ኢይሱሳዊ ካህን ንናይ ኤውሮጳ ደቡባዊ ዞባ ጉዳይ ኣማኻሪ ጠቕላሊ ሓላቃ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ዡዋኪን ባአሮ ዲያዝን ብጠቕላላ 500 ተጋባእያን ከምእተሳተፉን፡

ቲዮሎጊያ ናይታ ኣብ ማእከል ዓውዲ ናይ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን መግለጺ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ቃል፡ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ንዘመሓላለፍዎ መልእኽትን ቃል ሰላምንታ ኣመጊኖም ንሶም እውን በተራኦም ሰላታኦም ከምዘመሓላለፉን፡

ካብ ወንጌላዊ ምሕረት ምብጋስ ዘለዎ ኣገዳስነት ከተሓሳስቡ እንከለዉ፥

ቲዮሎጊያ ምጽናዕን ቲዮሎጊያ ምፍጻምን ናይ ምሕረት ተግባር እዩ፡ … ናብ ናይ ኣርጀንቲና ናይ ቲዮሎግያ መንበረ ጥበብ ኣብ ዘመሓላለፍክዎ መልእኽት ከምዝበልክዎ፡ ንፉዓት ቲዮሎግያውያን ከም ሕያዋይ ጓሳ፡ ኣብ መንጐ ሕዝብን ኣብ ጐደናታትን ዘኽብሩን ዘፍቕሩን … ወይንን ዘይትን ዝቐብኡን እያቶም ክዀኑ ዘለዎም፡ ቲዮሎጊያ ናይታ ኣብ ዓውዲ እትርከብ ቤት ሕክምና ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ እዩ፡ ድሕነት ፈውስን ንዓለም እተብጽሕ!

ዘተን ብስራትን

ናይ ቲዮሎጊያ ክፍሊ መጽናዕትታ ብስነ እንገዳ ቲዮሎጊያ ንምሕዳስ መሰረት ቃል ብስራት እዩ፡ እቲ ብስራት ከኣ ኢየሱስ ሞተ ተቐብረ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብ ሙታን ተንስአ ዝብል እምነት ኽከውን እንከሎ ምስ እዚ ብምትሕሓዝ እውነተይና ዘተ ወሳኒ እውን እዩ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማእከል ኣስፍሆተ ወንጌል እዩ፡ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ኢየሱስ … ቅዱስ ፍራንቸስኮ ንሕዋቱ፥ ወንጌል ኣበስሩ ኣገዳሲ እንተድኣ ኰይኑ ብቓል እውን ይብል ምስ በሉ፡ ወንጌል ብዓውታ ዝብሰር ብሕወት ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣዘኻኺሮም።… ከም ኣብነት ቻርለስ ደ ፉካኡልድን ናይ ቲብሂርነ ገዳማውያን ሰማዕታትን ናይ ኦራን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፒየር ክላቨሪየንን  ምስክርነት ማርቲን ሉተ ኪንግን ብፁዕ ጁስቲኖ ሩሶሊሎን ኣባ ፐፒኖ ዲያናን በቲ ካሞራ እተሰምየ ናይ ገበን ጉጅለ ዝተቐትሉን፡ … ካልኦት ሰማዕታትን ከም ኣብነት ይጠቕሱ።

ዘተ ምስ ሃይማኖት ኣይሁድን ምስልምናን

ቅድስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ቃል፡ ናይ ቲዮሎጊያ መናብርተ ጥበብ ናይ ዘተ ስፍራ ክኸውን ኣተሓሳሲቦም፡ ናይ ኣይሁድን ሃይማኖት ምስልምናን ባህሊ መሰረት ዝገበረ ትምህርትን ቋንቋን ዝቐረብሉ ክኸን እውን ኣለዎ፡ ብዛዕባ ስነ ምስልምናን ስነ ኣይሁድን ባህልታት ኣፍልጦን ሕንጸትን እውን ዝቕሰመሉ ክኸውን ኣለዎ፡ እዚ ነቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንዝብገብር ዘተ ዓቢይ ድጋፍ እዩ፡ ባህልታትን ቋንቋታትን ዘራኽብ።

ትማሊ  ኣብ ስሪላንካ ናይ ኮሎምቦ ካርዲናል፡ ድሕሪ እቲ ኣብ እዋን በዓለ ፋሲካ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፈጸምዎ ጸረ ክርስቲያን ግብረ ሽበራ፡ ገለ ገለ ኣባላት ክርስቲያን እውን ግብረ መልሲ ንኽፍጽሙ ስንድዋት ነይርና ዝበሉኒ ነይሮም፡ ደሓር እዚ ምስ ሰምዑ ነቲ ናይቲ ከባቢ ናይ ምስልምና ሃይማኖት መምህር፡ ጸዊዖም ብሓባር ኣሕዋት ዝብል ቃል ንዅሎም ነበሰር፡ ግብረ ሽበራ ዝፍጸሙ ኢሃይማኖታውናንን ናይ ማንም ሃይማኖት ኣባላት ክዀኑ ከምዘይክእሉ ንብርህ ቢሎም ዝፈጸምዎ ናይ ሓባር ተግባር፡ እዚ እዩ ምቅርራንብ ዘተን።

ብዅሉ መዳይ ብሰላም ንምንባር፡ ናይ ሓባር ዘተ ወሳኒ እዩ፡ … ከምቲ ላ ፒራ ዝብሎ፡ ኣብ መዲትራኒያን ዓቢይ ናይ ሰላም ድንኳን ምትካል የድሊ፡

ቲዮሎጊያ መረብታውን ምስ ታሪኽ ግዳያት

መረብታዊ ቲዮሎጊያ፥ ርክባት ኣብ መንጐ በርገሳያንን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ተቕዋማትን መናብርተ ጥበብ፡ ምስ ኵሎም ናይ ታሪኽ ግዳያት ሓድነት ዝገብር፡ ቅርበትን ሓልዮትን ዝብል ቲዮሎጊያ፥

ምዕራባዊ ክርስትና ኣብ ታሪኽ ካብ ዘሕለፎ ከቢድ ኵነትን ጽንኵር እዋንን ብምሕሳብ ምልሲ ቢሉ ንምዕራብን ምብራቕን ደቡን ሰሜንን ዓለም ሓድሽ ቃል ብስራት ዘበስር ክኸውን ሓደራ፡ ቲዮሎጊያ ጠመተኡ ‘እግዚኣብሔር መሓርን ጸጋውን…፥ (ጸኣት. 34 5-7 ረኣ) ኣብ ዝብል ቃል ክገብር ኣለዎ።  ቤተ ክርስቲያንን ሕዝብን ነቶም ግዳያት ቀረባን ኣሰነይትን ክዀኑ ዝድግፍ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዕጽው ካብ ምዃን ፈተና ንኽትላቐቕ ዘተባብዕ እዩ፡ ኣብ ፍርሒ ቲዮሎጊያ የሎም፡ …

ጰራቅሊጦሳዊ ቲዮሎጊያ

ቀዳማይ ናይ ቲዮሎጊያ ዕማም፡ ምስቲ ካብ ሞት ዝተንስኤ ኢየሱስ ዘዋህድ ሞገድን ወሰናስን ከተማታትን ህልውናን ተበጻሒ ዝገብር፡ ስለዚህ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ነዚ ዘዋህድ ሞገድ ዘመቻችኡን፡ ምርኻብ ባህልታን ምስቲ ግልጸትን ባህልን ትውፊትን ቤተ ክርስቲያን ዘዋህድ መጐድ ዝቓንዩ ክዀኑ ኣለዎም፡ ….

ምንጪ ቲዮሎጊያ ኣይጽንቐቕን እዩ… ቃል ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ኣስተንፍሶኡ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝዀነ፡ ስለዚህ ጰራቅሊጦሳዊ ቲዮሎጊያ ደረት ትርኢት ክህልዎ ይግባእ … ሕዝብ ዓለም ብቋንቍኡ ቃል ኣምላኽ ጽን ክብል መታን፡ ናይ ጽርሓ ጽዮን ቲዮሎጊያ፡ ንናይ ሕይወት ትርጉምን ንሕቶ ምልኣት ሕይወት ኣሕዛብ መልሲ ዘቕርብ፡

ልክዕ ከም ኢየሱስ ምስ ኩሉ ዝዛተይ፡ ቃል ብስራት ብናይ ዘተ ተመክሮ እዩ ዝፍጸም፡ ኣብ ዘተ ይኽሰብ ኣብ ውልቀ ዘረባ የኽሰር፡

ናይ ሓልዮት ቲዮሎግያውያን

ንሓድ ሕዶም ብምትሕብባር ዝዓዪ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውነቲ፡  ማለት ዝተፈላለየ ቲዮሎጊያዊ ክፍሊ መጽናዕቲ ውስጠ ርክብ ክህልዎ ምግባርን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ግዜን ዝወሰጠን፡ ንናይ መንፈስ ቅዱስ ሕዳሴ ክፉታትን ካብ ውደራ ናጻ ዝዀኑን በላጺ ንምዃን ዘየማዕድዉን፡ ኣብ ልቢ ኢየሱስ ዝጠለቐ ለዋህነትን ሓልዮትን ዝነብሩ። ….

ካብ ገዛእ ርእስኻ ወጺእካ ምስ ካልእ ምርኻብ፡ ሓልዮት ዝነብሩን ናይ ሕዝቢ ኣቑሳልን ናይቶም ናይ ሓድሽ ጊልያነትን ናይ ውግእን ዓመጽን ኣደዳ ዝዀኑ ኣቑሳል ዝትንክፍን ንናይ ውጹዓት ሕይወት ቀረባ ዝዀኑን እምበር … ብዘይ ሱታፌን ሓልዮትን ብጸሎት ዘይሕነጹ ኣብራዀም ዘይዓጽፉ ክዀኑ የብሎምን፡ ከምዚ እንተድኣ ዘይኰነ ቲዮሎጊያ መንፈሱ የጥፍእ፡ ቀልቡ ይስሕት፡ ክውንነት ናይ ምንባብ ብቕዓቱ የማስን፡

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ታሪኽ ዝሓለፉ ናይ ሃይማኖታት ውግእን ሃይማኖት መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ኵሉ ዘኪሮም፡ … ተዘክሮ ምንጻሕ ከምዘድሊ እውን ኣዘኻኺሮም፡ ተዘክሮ ቤተ መዘክር ክኸውን የብሉን፡ ህያው ምግባር የድሊ፡ ሕይወት ዝህብ፡ ልክዕ ሱር ንሓደ ኦም።

ኣስዒቦም፡ ቲዮሎጊያዊ ናጽነት ዘለዎ ኣገዳስነት ክሕብሩ እንከለዉ፡ ናይ ቲዮሎጊይ ሊቃውንቲ ብናጽነት ኣብ ስነ ምርምራቶን ንቕድሚት ክብሉ ይግባእ፡ ደሓር ግና እቲ ወሳኔ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣን እዩ፡ ኣብ ስብከትን ትምህርቲ እምነትን ናይ ሕዝቢ እምነት ዘይምጉዳእ፡ ክትዕን ክርክርን ኣብ መንጐ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ይዅን፡ ንሕዝቢ እግዚኣብሔር እምነቱ ዘደልድል ቃል ምቕራብ እዩ ዘድሊ።

ፍልልያት ብሓባር ዝነብር ናይ ዘተ ቲዮሎጊግያ ናይ ስነ እንገዳ ቲዮሎጊያ ዝፍጸመሉ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ እሓልም፡ ብዝሓ መልክዓ ፍልጠት ዘለዎ ቲዮሎጊያ፡ ኣብ ብህልትውና ዝጓዓዝ

እክንብሉ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ስልጣናዊ ቃል ኣጠቓሊሎም፡ ኣብ ቲዮሎጊያ ክሳብ ደረት ውስንነትካ ዝብል ብቕዓት ምጥቃ፡ ዘተን ምሕረትን ዝነብር ቲዮሎጊያ ኣተሓሳሲቦም ዛዚሞም።

ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ምርኻቦም ዓቢይ ሓጐስ ከምዘሕደረሎም ከምዝገለጹን ከምቲ መደብ መሰረት ኣብኡ ድሕሪ ምዝዛም ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ምሳሕ መኣዲ ክቋደሱ ዝብል ሓሳብ ከምዝነበረን ኵይኑ ግና ብቐጥታ ድሕሪ ምዝዛም እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ቅዱስነቶም ንሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ከምእተመልሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ገሊጾም።

ቃል ቅዱስ ኣቦና

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፥ ዘተን እንገዳን ንናይ መዲትራኒያን ሰላም ኣብ መንጐ ሕዝብታት
21 June 2019, 18:31