ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ናይ ወርሒ ሰነ 2019 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓሳብ ምእንቲ ካህናት

ናይ ካህን ልቢ ንኽርስቶስ ብዘለዎ ፍቕሪ ዝተወግኤ እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ ገዛእ ርእሱ ዝምልከት ዘይኰነ ናብ እግዚኣብሔርን ኣሕዋትን ዝጥምት እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ሰነ ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ናብ ካህናት ዘበለ ክኸውንን፡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ነቶም ስለ ዘገልግልዎም ካህናትን ኣባላት ውሉደ ክህነትን ክጽልዩ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

2019 ዓ.ም. ወርሒ ሰነ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ብናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት መረብታዊ ማሕበር ዝተሰናደወን ዝተዘርገሔን ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ብትሕትናን ብሃሴትን ገዛእ ርእሶም ክሳብ መወዳእታ ኣብ ኣገልግሎት ዝዋፈሩን ንኹሎምን ከገልግሉ ስንድዋትን ንሕዝቢ ቀረባን ዝዀኑ ካህናት ስለ ምስክርነቶምን ኣብነቶምን ነመስግን፡

ካህናት ቁጥቡነትን ትሕትናን ብዝዓሰሎ ሕይወት ብፍላይ ንድኻታት ኣብ ናይ ምትሕብባር ንጥፈታት ህርኩት ጻዕሪ ከሳልጡ መታን ስሌኦም ንጸልይ!

መን እዩ ካህን?

ቅዱስ ኣቦና ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝሕረዩ ኣትሒዞም ብዙሕ ግዜ ኣብ መንነት ተክለ ሰብነት ካህን ኣተኵይሮም ስልጣናዊ ኣስተምህሮታትን ምዕዶታትን ከምዝለገሱን፡ ንኣብነት ዕለት 6 መጋቢት 2014 ዓ.ም. ምስ ናይ ሮማ ሰበኻ ቆሞሳት ተራኺቦም፡ ናይ ሕያዋይ ጓሳ መንነትን ባህርይን ከምዝተንተኑን፡ ካህን፥ ናይ ምሕረትን ብቑባቔን ንሕዝቢ ቀረባን ኣገልጋሊ ዅሉን እዩ ቢሎም፡ ደንጋጺ ልቢ ዘለዎ እንክብሉ ይገልጽዎ፡ ዕለት 3 ሰነ 2016 ዓ.ም. ኣብ ናይ ካህናት ዓመት ኢዮቤል፥ ናይ ካህን ልቢ ንኽርስቶስ ብዘለዎ ፍቕሪ ዝተወግኤ እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ ገዛእ ርእሱ ዝምልከት ዘይኰነ ናብ እግዚኣብሔርን ኣሕዋትን ዝጥምት እዩ ከምዝበሉ ይዝከር፡ ዕለት 29 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ካህን ናይ ሕያዋይ ጓሳ መለለዩ ዝዀነ ሓልዮት ዘንጸባርቕ ምስ ሕዝብን ንሕዝብን ቀረባ ኰይኑን ሓቢሩ ዝጓዓዝ ህላዌ ኢየሱስ ብፍሉዩ ዝስምዖን ምዃኑ እውን ሕዝበ እግዚኣብሔር የለልዮ ከምዝበሉን፥

ካህናት ኣብ ዓለም

ኣብ ናይ መወዳእታ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ግጽዊ ኣብ ዘውጸኦ ናይ 2017 ዓ.ም. ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ካህናት ኣብ ዓለም፡ ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዓለም 414 ሺሕን 582 ንክህነት ዝሰናደዉ ልዕሊ 115,328 ከምዝነበሩ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ኤውሮጳ ናይ ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ኣብ ዓለም 14,9 ሚእታዊ፡ ኣመሪካ 27,3 ሚእታዊ፡ እስያ 29,8 ሚእታዊ፡ ኣፍሪቃ 27,1 ሚእታዊ ከምዝሽፍና የመልክት።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ናይ ወርሒ ሰነ 2019 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓሳብ ምእንቲ ካህናት
07 June 2019, 10:54