ድለ

ኣብ ውሕጅ ዓቢይ ሪዮ ዘጓነፈ ሞት ኣቦን ውላድን ንቕዱስ ኣቦና ዘሕደረሎም መሪር ሓዘን ኣብ ውሕጅ ዓቢይ ሪዮ ዘጓነፈ ሞት ኣቦን ውላድን ንቕዱስ ኣቦና ዘሕደረሎም መሪር ሓዘን 

ኣብ ውሕጅ ዓቢይ ሪዮ ዘጓነፈ ሞት ኣቦን ውላድን ንቕዱስ ኣቦና ዘሕደረሎም መሪር ሓዘን

ናይ ኣንጂየ ቫለሪያ ሞት ዕለት 2 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኩርዳዊ ሕጻን ኣይላን ኣብ ናይ ቱርኪ ቦድሩም ከባቢ ባሕሪ ሞይቱ ዝተረኽበ ስደተይና ዓቢይ ሓዘንን ምረትን ምኽንያት ዝዀነ ዘዘኻኽርን ንሰብኣዊ ፍጥረት ዓቢይ ክሳራ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንናይ መጻኢ ሕይወቶም መእለዪ ንኸናድዩ ካብ ዝስደዱ ኣብቲ ሃገረ መክሲኮን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ዘዳቡው ከባቢ ኣብ ዝርከብ ውሕጂ ዓቢይ ሪዮ ሕይወቶም ዝሓለፈ ኣቦን ውላድን ዘርእስ ስእሊ ሎሚ ዕለት 26 ሰነ 2019 ዓ.ም. ምስ ተዘርግሔ ቅዱስነቶም ዓቢይ ሓዘን ከምእተሰመዖምን፡ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብቲ ከባቢ ተረኺቦም ሞትን ምዝመዛን ከብቅዕ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ከምዘስምዑ ይዝከር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ከምዝሓበርዎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ናይታ ሕጻንን ወላዲኣን ኣብ ዓቢይ ውሕጅ ሪዮ ሞት ዘርእይ ስእሊ ምስ በጸሖም ከቢድ ሓዘን ከም እተሰመዖምን ኣብቲ ከባቢ ተረኺቦም ኣብ 2016 ዓ.ም. ናይ ስደተይናታት ሞትን ምዝመዛን ከብቅዕ ዘተሓሳስብ መልእኽቲ እውን ኣመሕላሊፎም ከምዝነበሩ ጂሶቲ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ምግለጺ ኣዘካኺሮም፡ ስለ እታ ሕጻንን ወላዲኣን ሞት እናሓሰቡ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎም ጸሎቶም ምዃኑን ካብ ውግእን ሕሰምን ንኸምልጡ ኣብ ናይ ተስፋ ጉዕዞ ሞት ስለ ዘጓንፎም ወትሩ ጸሎትም ምዃኑ ሓቢሮም።

እንጂየ ቫለሪያ ከም ኣይላን

ናይ ኣንጂየ ቫለሪያ ሞት ዕለት 2 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኩርዳዊ ሕጻን ኣይላን ኣብ ናይ ቱርኪ ቦድሩም ከባቢ ባሕሪ ሞይቱ ዝተረኽበ ስደተይና ዓቢይ ሓዘንን ምረትን ምኽንያት ዝዀነ ዘዘኻኽርን ንሰብኣዊ ፍጥረት ዓቢይ ክሳራ መምዘኒን ርምሰት ሰብኣውነት ዝሕብር ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ጓል ክልተ ዓመት ኣንጂየ ቫለሪያ ምስ ወኣዲኣ ኦስካር ኣብ ሓደ ሞት፡

ጸኣት ካብ ሳልቫዶር

ኦስካር ኣልበርቶ ማርቲነዝን ውላዶም ጓል ክልተ ዓመት ኣንጂየ ነቲ ስእሊ ዝዘርገሓት ጋዚጠይና ዅሊያ ለዱክ ኣብ ናይ መክሲኮ ላ ኮርናዳ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ዘሕተመኦ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሕቶ ካብ ዘቕርባ ካልኣይ ዓመትን ዘቕጽራ ዘለዋ ኣብ ዘመሓላለፈኦ ዜና፡ ኦስካር ኣልበርቶ ማርቲነዝ ምስ በዓልቲ ቤቶም ታኒያ ቫነሳ ኣቫሎስን ጓሎም ኣንጂየ ነቲ ውሕጅ ብምቁራጽ ናብ ተክሳስ ንምእታው ወሲኖም፡ ኦስካርን ኣንጂየን ነቲ ውሕጅ ምስ ሰገሩ በዓልቲ ቤቶም ቫነሳ ድሕሪት ኣብቲ ውሕጅ ምስ ተረፋ ንአኤን ናብቲ ገምገብ ውሕጂ ንኸምጽኡ ነታ ሕጻን ኣብ ገምገም እቲ ውሕጅ ሓዲጎም ምስ ተመልሱ፡ ጓሎም ንኣኦም ክትስዕብ ንሶም ኣውን ንበዓልቲ ቤቶም ናብቲ ገምገም ውሕጂ ንኸምጽኡ ግዳይ እቲ ውሕጅ ኰይኖም ከምዝተረፉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ዝተሰብረ ተስፋ ስድራ ቤት።

ኣብ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ከባቢ ተረኺቦም ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ተስፋ ሰኒቖም ባሕርን ወሓይዝን ምድረ በዳን ዘቋርጹ ናይ ስደተይናታት ሞት ነቲ ሎሚ ኣብ ዓለም ዝንበር ዘሎ ቅልውላው ሰብኣውነት በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ውድቀት መምዘኒ ከምዝዀነን፡ እዚ ሰብኣዊ ክስተት’ዚ ዘሕዝንን እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጥሞም ቁጽሪ ዘይኰኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ወለድታትናን እያቶም፡ ስለዚህ ንኽንልወጥን እግዚኣብሔር ናይ ምንባዕ ጸጋ ክዕድለናን ንለምኖ፡ ሞትን ምዝመዛን የብቅዕ፡ ናይ እግዚኣሔር ምሕረት እንምህለለሉ ግዜ እዩ፡ ለውጠና ንበሎ ቢሎም ከምዝነበሩ ጂሶቲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ የዘኻኽሩ።

ኣብ ውሕጅ ዓቢይ ሪዮ ዘጓነፈ ሞት ኣቦን ውላድን ንቕዱስ ኣቦና ዘሕደረሎም መሪር ሓዘን
26 June 2019, 16:50