ቅዱስ ኣቦና ንሕጻናት ተቐማጦ ካመሪኖ፡ ኢየሱስ ንኽንትንስእ ዝድግፈና እዩ

እቲ ምሕረት እግዚኣብሔር ዝዀነ ፍቕሪ ኢየሱስ ኣባና እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሰበኻ ካመሪኖ ናይ ሓደ መዓልቲ ዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ቅድሚ ምዝዛሞም ምስቶም ናይ መጀመርታ ቅዱስ ቁርባን ዝተቐበሉ ሕጻናትን ከምኡ እውን ምስቶም ናይቲ ከባቢ መንእሰያትን ተራኺቦም ኣባታዊ ምኽሮም ከምዝልስገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካየድዎ ናይ ሓደ መዓልቲ ሓውጾዎ ኖልዎ ኣብ ሰበኻ ካመሪኖን ሳን ሰቨሪኖን ዞባ ማርከ ዛዚሞም ናብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምምላሶም፡ ብወለዳቶምን ብናይ ትምህርተ ክርስቶን መምሃራንን ዝተሰነዩ ምስቶም መጀመርታ ቅዱስ ቁርባን ዝተቐበሉ ክልተ ሚእቲ ሕጻናትን ናይቲ ከባቢ መእሰያትን ከምእተራኸቡ ራቪያርት ኣፍሊጦም።

ቅዱስ ኣቦና እዚ ዘካየድዎ ርክብ ኣብ መደብ ዘይነበረ ምዃኑን ባዕሎም ካብ ናይ ካመሪኖን ሳን ሰቨሪኖን ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ  ብፁዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ማሳራ ካብቶም ሕጻናት ናብ ቅዱስ ኣቦና ዝተላእከ ሰታሪት ምስ ኣቕረቡሎም ቅድሚ ናብ ሃገረ ቫቲካን ምምላሶም ንኸካይድዎ ዝወሰንዎ ርክብ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ሕጻናትን መንእሰያትን ተራኺቦም ንዅሎም ኣባታዊ ፍቕሮም ከምዝገለጹን፡ ካብቶም ሕጻናት ሓደ፡ እቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ዝተኸስተ ርእሰ መሬትን ድሕሪ እቲ ከቢድ ሓደጋ እታ ከተማን ሕዝባን ዕለታዊ መነባብሮኡ ዳግም ንኸበግስ ብሓቂ ዘጸግሞ ከምዝዀነን እቲ ርእደ መሬት ዓቢይ ኵለንተናዊ ጸቕጢ ከምዘስዓበ ዝገለጸሎም ሓሳብ መሰረት ገይሮም፥

ኢየሱስ ካብ ምድጋፍና ዘይእለይ

ቅዱስ ቨናንጺዮ ናይ ካመሪኖ ሓላዊ ቅዱስ፡ ካብ ዝወደቐሉ ዝደሓነ፡ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና በዚ ምኽንያት ናይ ምውዳቕ ቅዱስ ዝብል መጸውዕ ዝተወሃቦ ምዃኑ ዘኪሮም፡ እቶም ሕጻናትን መንእሰያትን፡ ኣብ ምውዳቕ ምትንሳእ ከምዘሎ ካብዚ ቅዱስ’ዚ ከስተውዕሉን ኣብነቱ ተመክሮኦም ክገብሩን፡ ኣብ ምውዳቕ ምትንሳእ፡ ኣብ እንወድቀሉ እዋን ኣእዳው ኢየሱስ ንኸተንስኣና ስንድዋት እያተን፥

ኢየሱስ ከመይ ኣቢሉ እዩ ዝሕግዘና? ኣእዳዊዉ ብምዝርጋሕ እዩ፡ ንላዕሊ ሓፍ የብለካ፡ ካብ ዝወደቕካሉ ኣእዳውካ ሒዙ የተንስኣካ፡ እዚ ወትሩ ኣብ ሕይወተይ ዝዝክሮ እዩ፡ ንሱ ወትሩ ክሕግዘኩም እዩ፡ ጽቕጠት ምስ ዝስምዓንን ምስ ዝወድቕን ንኸተንስኣኒ ንሱ ናባይ ኣእዳዉ ይዝርክግሕ፡ ኢየሱስ ወትሩ ንኸተንስኣና ኣእዳዊ ይዝርግሓለ፡ …

ቡራኬ ቅዱስ ኣቦና

ቅዱስ ኣቦና እቲ ዘካይድዎ ርክብ ቅድሚ ምፍጻሞም፡ እቲ ምሕረት እግዚኣብሔር ዝዀነ ፍቕሪ ኢየሱስ ኣባና እዩ፡ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኪ ሂቦም፡ ንኽሎም ሕጻናትን መንእሰያትን ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ኣምላኽን ኣዴናን ኣወኪፎም፥ ንሳ ካብ እንወድቀሉ እተተንስእ ኣዴና እያ ቢሎም ከምእተሰናበቱ ራቪያርት ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ንሕጻናት ተቐማጦ ካመሪኖ፡ ኢየሱስ ንኽንትንስእ ዝድግፈና እዩ

 

 

17 June 2019, 15:25