ድለ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ዘሎ ውጥረት ከምዘሰክፎም ይገልጹ

ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ዘሎ ህልዉ ኩነታት ዘሰክፎም ከምዝዀነን፡ ኵሎም ናይ ስነ ርክብ ሜላ ክጥቀሙን ናይ ማእከላይ ምብራቕ ውጥረት ብዘተን ስነ ርክባዊ ሜላ መፍትሒ ክረክብ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሰበኻ ካመሪኖ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ምዕራጐም፡ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ተኽሲቱ ዘሎ ዘሰክፍ ህልዉ ኩነታትን ውጥረትን ጠቂሶም፡ ውጥረት ብዘተ ክፍታሕ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ዘሎ ህልዉ ኩነታት ዘሰክፎም ከምዝዀነን፡ ኵሎም ናይ ስነ ርክብ ሜላ ክጥቀሙን ናይ ማእከላይ ምብራቕ ውጥረትብዘተን ስነ ርክባዊ ሜላ መፍትሒ ክረክብ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ዘሎ ህልዉ ውጥረት ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕን ዘተን ሰላምን ሓለፋ ዝብል ኵነት ክፍጠር ከምዘተሓሳሰቡ ዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ራቪያርት ኣስዒቦም፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 13 ሰነ 2019 ዓ.ም. ሓንቲ ናይ ጃፓንን ከምኡ እውን ሓንቲ ናይ ኖርወይ ናይ ሃብቲ ነዳዲ ዘጓዓዕዛ መራኽብ ኣብ ወሽመጥ ኦማን መጥቃዕቲ ከምዝወረደንን እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢራን እያ ዝፈጸመቶ ክብል ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክኸስስ፡ ስዑዲ ዓረብን ኢሚራት ዓረብን ሕቡራት ምድረ ነገስት (ዩናይትድ ኪንግደም) ንናይ ኣመሪካ ሰረተ ሓሳብ ዝድግፋ ከምዝዀና ከፍልጣ እንከለዋ፡ መንግስቲ ኢራን ኣብ ተሄራን ንዝርከብ ናይ ሕቡራት ምድረ ነገስታት ልኡከ መንስቲ ጸዊዑ ከምዘዘራረበ ይዝከር።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ዘሎ ውጥረት ከምዘሰክፎም ይገልጹ
17 June 2019, 15:10