ፍራንቸስኮ፥ ማሕበረሰብ ኣቢያተ ክርስቲያንን በርገሳውያንን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ከእንግዱ

ካብ ውግእን ዓመጽን ካብ ኩነት ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ካብ ኣሳዶን ገዛእ ርእሶምን ሕይወት ስድራ ቤቶምን ንኸድሕኑ ዝስደዱ ዜጋታትን ሕጻናትን ድጋፍን እንገዳን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ካመሪኖ ኣደባባይ ካቩር ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዛዚሞም ምስ ኣብቅዑ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 20 ሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ምስ እዚ እተሓሒዞም ናይ ብፁዕት ኤድቪገ ካርቦኒ ተክለ ሰብነት ኣደጊፎም፡ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፡ ዕለት 20 ሰነ ሓልዮትን ምትሕብባርን ዝነቓቕሓሉ ክኸውን ኣተሓሳሲቦም፡ እቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ውሳኔ መሰረት በቢ ዓመቱ ዕለት 20 ሰነ ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን፡

ካብ ውግእን ዓመጽን ካብ ኩነት ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ካብ ኣሳዶን ገዛእ ርእሶምን ሕይወት ስድራ ቤቶምን ንኸድሕኑ ዝስደዱ ዜጋታትን ሕጻናትን ድጋፍን እንገዳን ምትሕብባርን ክቐርበሎም ዘዘኻኽር ዕለት እዩ

 ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ራቪያርት ኣስዒቦም፥

ሰላምታ ቅዱስ ኣቦና ንምእመና

ንዅሎም ኣብ ቅዳሴ ንዝሓበሩ ምእመናንን ብመራኸቢ ብዙሓንን ነቲ መስዋዐ ቅዳሴ ዝተኸታተሉ ንህሙማንን ኣረጋውያንን እሱራትን ኵሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ንናይ ሳን ሰቨሪኖ ማርከ ነቶም ናብ ቫቲካን ኣብ ምምላሶም ብሂሊኮፕተር ኣብ ምሕላፎን ሰላምታኦን ንዘቕርብሎም ተቐማጦ ኣቐዲሞም እናሓቡ ሰላምታኦም ኣመሓላሊፎም፥

ምስክርነት ቅዱሳን ማርከ

 ቅዱስነቶም ተወለድቲ ማርከ ዝዀኑ ቅዱሳት ብፍላይ ብፅዕት ኤድቪገ ካርቦኒን ጠቒሶም፡

ምስክርነት እዛ ትሕትቲ ተወላዲት ማርከ፡ ብፅዕቲ ኤድቪገ ካርቦኒ ኣብ ዕለታዊ ሕይወታ መስቀል ሓንጐፋይ ቢላ ብእምነት ዝተቐበለት ናይ እምነትን ፍቕርን መስካሪት ዕለት 15 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሳርደይና ብፅዕና ዝተኣወጀላ ጓል ቤተ ክርስቲያን፡

ጠቒሶም ከባቢ ማርከ ብእውነተይና ቃልን ሕይወትን መሰኻኽር ብዝዀነ ብፁዓንን ቅዱሳትን ቅዱሳንን ዝተዓደለ ምዃኑ ዘኪሮም፡ ቅዱስ ቨናንዚዮን ቅዱስ ሰቨሪኖን ቅዱስ ኣንሶቪኖን ቅዱስ ኒኮላ ዘቶለንቲኖን ቅዱስ ፓቺፊኮን ብፅዕት ባቲስታ ቨራኖን ተራ ቅዱሳትን ቅድስና ወይ ብፅዕና ዘይተኣወጀሎም ብሕይወት ዘየለውን ብሕይወት ዘለዉ መሰኻኽር እናሕሰቡ፡ ብሓይሊ እምነት ብሕይወት ክርስትና ኣባይቲ ስድራን ማሕበረሰብን ዝለወጡ ብዙሓት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ከምዘለዉን ገሊጾም።

መፈሳዊ ንግደት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ዘፍኖት

ቅዱስነቶም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ዘፍኖት ሓጺር መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም፡ ሰበኻ ካመሪኖን ሳን ሰቨሪኖንን ምእመናንን ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያንን ንቅድስተ ማርያም ዘፍኖት ከምዘወከፉ ራቪያርት ገሊጾም።

ፍራንቸስኮ፥ ማሕበረሰብ ኣቢያተ ክርስቲያንን በርገሳውያንን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ከእንግዱ

 

 

17 June 2019, 15:17